ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ—ክፍሊ 1
1 እቲ ምብዛሕ ናይ ጉባኤታት ኣፍርዩ ዘሎ ብልጽግና ናይ ህዝቢ የሆዋ ክንርኢ ከሎና ንሕጐስ ኢና። ኣብ ሓድሓደ ከባቢታት: ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት: ብዙሓት ጉባኤታት ሓደ መንግስቲ ኣደራሽ ስለ ዝጥቀማ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣደራሽ መሳለጥያታት ውጥረት የጋጥሞ ኣሎ። እዚ ኵነታት እዚ ነቶም ዝምልከቶም ዝያዳ ሓልዮት ከርእዩ ይሓቶም ኣሎ።
2 ነፍሲ ወከፍ ነቲ መንግስቲ ኣደራሽ እትጥቀም ጉባኤ ነቶም ኣብ ዝቕጽል ዝመጹ ኣሕዋት ጽፉፍን ብግቡእ እተሰርዐን ገይራ ክትገድፈሎም ኣለዋ። እቲ ሰድያታት ብተርታ ክቕመጥ ኣለዎ: ኣብቲ ባንኮ ዝነበረ ጽሑፋት ኣብ ግቡእ ቦታኡ ክቕመጥ ኣለዎ ከምኡውን ዝኾነ ይኹን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣደራሽ እተረስዐ ናይ ብሕቲ ነገራት ክእከብ ኣለዎ። ሳሙና: መወልወሊ ኢድ ከምኡውን ናይ ዓይኒ ምድሪ ወረቐት ከም እተተክኡን እቲ ናይ ወረቐት መጕሓፊ ድማ ጥርሑ ምዃኑን ብምርግጋጽ እቲ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ጽፉፍ ኵነታት ክግደፍ ኣለዎ።
3 ካልእ ኣኼባ ቀልጢፉ ድሕሪ እቲ ሓደ ክጅምር እንተድኣ ተመዲቡ እቶም ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ኣኼባ ዝተርፉ ንምድላው ናይቲ ካልኣይ ኣኼባ ከየታዓናቕፉ ብዘየድሊ ክድንጕዩ የብሎምን። እተናውሐ ዕላል ኣብቲ መእተዊ ምጽባባት ፈጢሩ ነቶም ኣሕዋት ነቲ ካልኣይ ኣኼባ ከዳልዉ የደናጕዮም። ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ ናይ መካይን መቐመጢ ቦታ ውሱን ክኸውን ስለ ዝኽእል: ነቶም ዝመጹ ጠጠው መበሊ ቦታ ክህልዎም ብዝቐልጠፈ ክትእለ ሕያውነት ኢዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ኣብቲ ዝቕጽል ኣኼባ ዝካፈሉ ዘየድሊ ጻዕቂ ከይፈጥሩ ኣመና ቀልጢፎም ክመጹ የብሎምን።
4 ብዙሓት ጉባኤታት ምስ ዝህልዋ ንሰሙናዊ ጽሬት ናይ መንግስቲ ኣደራሽ ምትዕርራይ ንምግባር ዝጠበቐ ምትሕግጋዝ ክህሉ ፍሉይ ኣድላይነት ኣለዎ። ዝበዝሕ ግዜ ጉባኤታት ንዝተወሰነ ግዜ ነናተን ተራ ይወስዳ ኢየን። ጉባኤኻ እዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ዝህልዋ: እቲ ጽሬት እተማልአን ስሉጥን ምዃኑ ኣረጋግጽ። ስለዚ እተን ነቲ ኣደራሽ ዝጥቀማሉ ካልኦት ጉባኤታት ንኸዕዘምዝማ ምኽንያት ኣይህልወንን።
5 ሓድሓደ ግዜ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንኣብነት: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክበጽሕ ከሎ ናይ ኣኼባ ሰዓታታ ክትልውጥ የድልያ ይኸውን። ካልእ ጉባኤ ትትንከፍ እንተድኣ ኰይና: እቶም ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኣቐድም ኣቢሎም ክነግርዋ ኣለዎም: ከመይሲ ነቶም ኣስፋሕቲ ናይታ ጉባኤ ኣቐዲሞም ከፍልጥዎም ይኽእሉ። ብተወሳኺ ድማ ገለ እተፈቕደ መደባት ንኣብነት: ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ናይ ወረዳ ሽማግለታት ኣኼባ ወይ ድማ መርዓ ምስ ዝምደብ እተን እተተንከፋ ካልኦት ጉባኤታትን ናይ ወረዳ ተዓዘብትን ኣቐዲምካ ክሕተቱ ኣለዎም፣ በዚ ድማ ኣብቲ ግዜቲ ክጥቀምሉ ኣይክምድቡን ኢዮም።
6 ንኻልኦት ፍቕራዊ ሓልዮት ምርኣይ: ጽቡቕ ርክብ ምህላው: ኣቐዲምካ ምውጣንን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ እተን ጉባኤታት ምዉቕ ርክብ ክህሉ ክሕግዝን ‘ኵሉ . . . ብስርዓትን በጋባብን ኪኸውን’ ድማ ከረጋግጽን ኢዩ።—1 ቈረ. 14:40