ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 11 ገጽ 116-122
  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
  • ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
  • ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ
  • እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ዘደንቕ ወሰኽ ህጹጽ ዕዮ ህንጸት ኣስዓበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 11 ገጽ 116-122

ምዕራፍ 11

ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩን ንሓድሕዶም ኪተባብዑን ኣብ ኣኼባ ኺእከቡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። (እብ. 10:23-25) እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዚእከቡሉ ናይ መጀመርታ ቦታ ኣምልኾ፡ “ማሕደር፡ ድንኳን ምርኻብ” እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 39:32, 40) ጸኒሑ፡ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንኽብሪ ኣምላኽ ቤት ወይ ቤተ መቕደስ ሃኒጹ እዩ። (1 ነገ. 9:3) እታ ቤተ መቕደስ ብ607 ቅ.ክ. ምስ ዓነወት፡ ኣይሁድ ንኣምላኽ ንምምላኽ ምኵራብ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ህንጻታት ይእከቡ ነይሮም እዮም። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ስለ እተሃንጸት፡ ከም ብሓድሽ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይና ኣገልጊላ እያ። የሱስ ድማ ኣብ ምኵራባትን ኣብ ቤተ መቕደስን ይምህር ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 4:16፣ ዮሃ. 18:20) ኣብ ከረን እውን ከይተረፈ ኣኼባ ገይሩ እዩ።—ማቴ. 5:1–7:29።

2 ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ክርስትያናት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምምሃርን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ንምሕባርን፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ ብሕታዊ ኣባይትን ይእከቡ ነይሮም እዮም። (ግብ. 19:8, 9፣ ሮሜ 16:3, 5፣ ቈሎ. 4:15፣ ፊሞ. 2) ሓድሓደ ግዜ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቶም ሰጐጕቶም ኪሕብኡ ኢሎም ኣብ ግሉል ቦታታት ይእከቡ ነይሮም እዮም። እወ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብየሆዋ ምእንቲ “ኺምሃሩ፡” ኣብ ቦታታት ኣምልኾ ኺእከቡ ናይ ሓቂ ባህጊ ነይርዎም እዩ።—ኢሳ. 54:13።

3 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ህዝባዊ ቦታታትን ብሕታዊ ኣባይትን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት የገልግል እዩ። ብሕታዊ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበረሉ ቦታታት ኰይኑ እዩ ዜገልግል። እቶም ንቤቶም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ዚፈቕዱ ሰባት፡ እዚ ንዓታቶም ከም ክብሪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብዙሓት ሰባት ኣባይቶም በዚ መገዲ እዚ ኽፉት ብምግባሮም ብመንፈሳዊ መገዲ ኸም እተጠቕሙ እዩ ዚስምዖም።

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ዚገብሩሉ ቐንዲ ቦታ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ብሓፈሻኡ፡ መሬት ይዕደግ እሞ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይህነጽ፡ ወይ ዝነበረ ህንጻ ይሕደስ። ወጻኢታት ንምንካይን ንህንጻታትና ብዝሓሸ ንምጥቃምን፡ ግብራዊ ኪኸውን ኣብ ዚኽእል መዳያት ካብ ሓንቲ ዚዛይዳ ጉባኤታት፡ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀማ ይኽእላ እየን። ኣብ ገሊኡ ኸባቢ፡ ኣዳራሽ ክንካረ ኣሎና። ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ተሃኒጹን ዓብዪ ምሕዳስ እንተ ተገይሩን፡ እቲ ህንጻ ንየሆዋ ኺውፈ ግቡእ እዩ። ድሮ ተሃኒጹ ንዝነበረ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣሽቱ ለውጥታት ወይ ምሕዳስ እንተ ተገይሩሉ ግና፡ መደብ ወፈያ ምግባር ኣየድልን እዩ።

5 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኪምስጥ ተባሂሉ ዚዳሎ እተሓላለኸ ንድፊ ዘለዎ ህንጻ ኪኸውን የብሉን። ንድፉ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚቀያየር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ጽባቐ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚህቦ ኣገልግሎት ኣትኲርካ እዩ ዚህነጽ። (ግብ. 17:24) ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዅነታት ብምስምማዕ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክያድ ዚምሽእን ዚጥዕምን ቦታ ኪኸውን ኣለዎ።

6 ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዚጥቀማሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክያድን ንምጽጋንን ኣበርክቶ ይገብራ እየን። ገንዘብ እናዞርካ ኣይእከብን ወይ ኣይልመንን እዩ። ኣብቲ ኣዳራሽ፡ ሳጹን ወፈያ ይርከብ እዩ፣ እቶም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ድማ ነቲ ኣዳራሽ ዚምልከት ወጻኢታት ንምሽፋን ወፈያ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብፍታው ካብ ልቦም እዮም ዚገብርዎ።—2 ቈረ. 9:7።

7 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም፡ ነቲ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘቦም ዚገብርዎ ደገፍን ነቲ ንኣዳራሽ ንምጽራይን ንምክንኻንን ዚህብዎ ኣገልግሎትን ከም ክብሪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነዚ ዕዮ እዚ ንምውዳብ ይምደብ እዩ። ብሓፈሻኡ፡ ብጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ተወዲብካ እዩ እቲ ጽሬት ዚካየድ፡ ሓላው ጕጅለ ወይ ሓጋዚኡ ድማ ይመርሖ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ውሽጡ ዀነ ደጊኡ ንውድብ የሆዋ ብግቡእ ዚውክል ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም፡ ነቲ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘቦም ዚገብርዎ ደገፍን ነቲ ንኣዳራሽ ንምጽራይን ንምክንኻንን ዚህብዎ ኣገልግሎትን ከም ክብሪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ

8 ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ካብ ሓንቲ ዚዛይዳ ጉባኤታት ምስ ዚእከባ፡ እቶም ሽማግለታት እተን ጉባኤታት ነቲ ህንጻን ንንብረትን ዚምልከት ጕዳይ ዜተሓባብር ኮሚተ ኣካየድቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የቝሙ። ኣካላት ሽማግለታት፡ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ኣካየድቲ ዀይኑ ዜገልግል ሓው ይሓርዩ። እቲ ኮሚተ ኣካየድቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣካላት ሽማግለታት ኰይኑ፡ እቲ ኣዳራሽ ጽሬቱ ኸም ዚሕሎን ጽቡቕ ክንክን ከም ዚግበረሉን ዜድሊ ቐረብ ከም ዘለዎን ይከታተል። ከምኡ ንምግባር፡ ኵለን እተን ዚምልከተን ጉባኤታት ኣጸቢቐን ኪተሓባበራ ኣለወን።

9 ኣብ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ዚዛይዳ ጉባኤታት ምስ ዚጥቀማ፡ መደብ ሰዓታት ኣኼባ በብተራ ኺቀያየር ይከኣል እዩ። እቶም ሽማግለታት ካብ ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ሕውነታዊ ፍቕርን ተበጊሶም ነዚ መደብ እዚ የዳልዉ። (ፊል. 2:2-4፣ 1 ጴጥ. 3:8) ዋላ ሓንቲ ጉባኤ ንኻልኦት ጉባኤታት ባዕላ ኽትውስነለን ኣይትኽእልን እያ። ሓላው ወረዳ ንሓንቲ ኻብተን ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ ጉባኤታት ኪበጽሓ ኸሎ፡ እተን ካልኦት ጉባኤታት ኣኼባታተን ነቲ ሰሙን እቲ ኸም ዚጥዕም ገይረን የተዓራርያ።

10 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ብዚውሃብ ፍቓድ ንመደረ መርዓ ወይ ቀብሪ ኼገልግል ይኽእል እዩ። እዞም ሽማግለታት እዚኦም ነቲ ዝቐረበሎም ሕቶ ተጠንቂቖም ይምርምርዎ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚህቦም መምርሒ ተመርኲሶም ድማ ውሳነ ይገብሩ እዮም።

11 እቶም ነዚ ዕላማታት እዚ ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀሙሉ ዚፍቀደሎም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዚግባእ ኣካይዳ ኺመላለሱ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ነታ ጉባኤ ዜጕሂ ወይ ንየሆዋን ንጽቡቕ ስም እታ ጉባኤን ዜውቅስ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪግበር የብሉን። (ፊል. 2:14, 15) ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብዝመጸ መምርሒ፡ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸም ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽን ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኬገልግል ይኽእል እዩ።

12 ኣስፋሕቲ ጉባኤ ንመአከቢ ቦታታቶም ወትሩ ብኣኽብሮት እዮም ዚርእይዎ። ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ስልማትናን ነቲ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎ ኽብሪ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። (መክ. 5:1፣ 1 ጢሞ. 2:9, 10) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ ዚውሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳ ነርኢ ኢና።

13 ኣኼባታት ኣብ ዚካየደሉ እዋን ስርዓት ምሕላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቈልዑ ምስ ወለዶም ኮፍ እንተ በሉ ይሓይሽ። ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለውዎም ወለዲ ንደቆም ኪግስጹ ወይ ኪከናኸኑ ኼድልዮም ስለ ዚኽእል፡ ብዙሕ ከይረበሹ ኺወጹ ኣብ ዚኽእሉሉ ቦታ ኾፍ እንተ በሉ ይምረጽ።

14 ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት፡ ብቑዓት ኣሕዋት ኣአንገድቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይምደቡ እዮም። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ንቑሓትን ምቕሉላትን መመዛዘንትን ኪዀኑ ኣለዎም። ገለ ኻብቲ ሓላፍነታቶም ንሓደስቲ ሰላም ምባልን ከም ዘይጋየሹ ምግባርን፡ ደንጕዮም ንዚመጹ ኾፍ ዚብሉሉ ቦታ ኸም ዚረኽቡ ምግባር፡ ቍጽሪ ተኣከብቲ ምምዝጋብ፡ ከምኡ እውን እቲ ኣዳራሽ ግቡእ ሙቐትን ኣየርን ኪረክብ ቈላሕታ ምግባር ይርከቦ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ኣአንገድቲ ንወለዲ፡ ንደቆም ብግቡእ ኪቈጻጸሩ፡ ማለት ቅድሚ ኣኼባታትን ድሕሪኡን ከይጓየዩ ወይ ኣብ መድረኽ ከይጻወቱ ኼዘኻኽርዎም ይግባእ። ሓደ ቘልዓ ምስ ዚርብሽ፡ እቶም ተኣከብቲ ሓሳቦም ምእንቲ ኸየስግል፡ ኣአንጋዲ ነቲ ወላዲ፡ ንውሉዱ ሒዝዎ ኺወጽእ ብለውሃትን ብሜላን ኪሓትቶ ይኽእል እዩ። እቶም ኣአንገድቲ ዚዓይይዎ ዕዮ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ ኣኼባታት ባህ ኢልዎ ኺከታተል ኣበርክቶ ይገብር እዩ። እቶም ኣአንገድቲ ኪዀኑ ዚምዘዙ ኣሕዋት፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን እንተ ዀኑ ይምረጽ።

ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

15 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ብስጋ ኻብ ካልኦት ዝሃብተሙ እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብምምዕርራይ ሕጂ ዘሎ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 8:14) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ “ምምዕርራይ” ይግበር ኣሎ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ዜዋጽኣኦ ገንዘብ ንኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ንምሕዳስን የገልግል እዩ። ውድብና ዀነት እተን በቲ ወፈያታት ዚድገፋ ጉባኤታት ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብልግሲ ዚገብሮ ደገፍ የማስዋሉ እየን።

16 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብመሰረት ዞባዊ መደብ፡ ጉባኤታት ኣበየናይ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚእከባ ይምድብ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ትሕቲ ኽሉ መዓስን ኣበይን ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚህነጽን ዝጸንሐ ኣዳራሻት ከም ዚሕደስን እውን ይውስን እዩ። ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ንዝፈረሰ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽጋን፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣባይቲ ኣሕዋት ንምጽጋን መሰናድዎ ይገብር እዩ።

17 ወለንተኛታት ኣብ ምዕዳግ መሬትን ንብረትን ኣብ ምንዳፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምውጻእ ፍቓድ ህንጸትን ኣብ ምህናጽን ኣብ ምጽጋንን ምእንቲ ኺሕግዙ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር የወሃህዶም እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፡ ብዙሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ወለንተኛታት የድልዩ ኣለዉ። ብቕዓትን ባህግን ዘለዎም ዘበሉ ዅሎም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ፡ መመልከቲ መሊኦም ንኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ኺህቡ ኸነተባብዖም ንፈቱ። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣዳራሾም ኣብ ዚህነጸሉ ወይ ዚሕደሰሉ እዋን ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ

18 ቀዳሞት ክርስትያናት ብሓፈሻኡ በብንእሽቶ ጕጅለ እዮም ዚእከቡ ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ “ብዙሕ ህዝቢ” እውን ይእከብ ነይሩ እዩ። (ግብ. 11:26) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ንምግባር ብብዝሒ ይእከቡ እዮም። ከምኡ ንምግባር ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ መአከቢ ይካረዩ እዮም። እዚ ኣብ ዘይምሽኣሉ ወይ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ግና፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ዚብሃል ቦታ ኣምልኾ የጥርዩ እዮም።

19 ሓድሓደ ግዜ፡ ህንጻ ተዓዲጉ ይሕደስ እሞ፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ዀይኑ የገልግል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ መሬት ድሕሪ ምጥራይና፡ ኣብኡ ሓድሽ ኣዳራሽ ንሃንጽ ኢና። ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ኸከም ከባቢኡ እተፈላለየ ስፍሓት እዩ ዘለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻ ንምዕዳግ ወይ ንምህናጽ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተጠንቂቑ ነቲ ወጻኢታት ድሕሪ ምግምጋሙን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዚውዕል ድሕሪ ምምዳቡን እዩ ውሳነ ዚገብር።

20 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኣካይዳን ጽገናን እቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ዚከታተሉ ኣሕዋት ይሸይም እዩ። ወረዳታት ስሩዕ ጽሬትን ፍርቂ ዓመታዊ ጽሬትን ቅድመ ጽገናን ኪገብራ ስርዓት ይስራዕ እዩ። ኣሕዋት ወለንተኛታት ዀይኖም ነቲ ዕዮ ኸም ዚዓይይዎ ምግባር ጠቓሚ እዩ። ስለዚ፡ ጉባኤታት ነዚ ስርዓት እዚ ብምሉእ ልበን ኪድግፋኦ ኸነተባብዐን ንፈቱ።—መዝ. 110:3፣ ሚል. 1:10።

21 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ንኸም ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንሓለውቲ ወረዳ ዚግበር ፍሉይ ኣኼባታትን ዝኣመሰለ ኻልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት የገልግል እዩ። ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ልክዕ ከም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ እተወፈየ ቦታ ኣምልኾ እዩ። ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኽንእከብ ከለና፡ ኣካይዳናን ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን፡ ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣምልኾ ኽንእከብ ከለና እንገብሮ ኪኸውን ኣለዎ።

22 ኣብዚ መወዳእታ ኽፋል እዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ክፍሊ ውድብ ኣምላኽ ኪዀኑ ብፍጥነት ይውሕዙ ኣለዉ። እዚ ድማ የሆዋ ኸም ዝባረኸና ዚሕብር መርትዖ እዩ። (ኢሳ. 60:8, 10, 11, 22) እምበኣር፡ ነቲ ጽሩይን ምሹእን ቦታታት ኣምልኾ ኸነጥርን ብጽቡቕ ኽንሕዞን እተሰርዐ ስርዓት፡ ብምሉእ ልብና ኽንድግፎ ንደሊ ኢና። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ነቲ ምስ ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ንሓድሕድና ብዝያዳ ንምትብባዕ ዜኽእለና መአከቢ ቦታታትና ኸም እነማስወሉ ነርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ