ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/03 ገጽ 3-7
  • ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 8/03 ገጽ 3-7

ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ

1. ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዘገልግል፧

1 ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 94,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ዝበዝሓ ጉባኤታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዓን ካብ ክርስትያናዊ ሕውነት ንኽጥቀማን ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይእከባ እየን። እዚ ኣደራሽ እዚ ኣብቲ ዝርከቦ ኸባቢ ማእከል ናይ ንጹህ ኣምልኾ ዀይኑ እዩ ዘገልግል።

2. ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሩይን ባህ ዘብልን ጌርካ ምሓዙ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ስሩዕ መደብ ጽሬት:- ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምክንኻን: ኣገዳሲ ኽፍሊ ቕዱስ ኣምልኾና እዩ። እታ ኣዋር ሚኒስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 61-2 ከምዚ ትብል:- “ኣሕዋት ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ ድጋፍ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ምጽራዩን ባህ ዘብል ኣብ ምግባሩን ኣብ ምክንኻኑን ብፍቓዶም ምግልጋል እውን ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም ክርእይዎ ኣለዎም። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ውሽጡን ደጊኡን ንማሕበር የሆዋ ብዝግባእ ዝውክል ክኸውን ኣለዎ።” ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ስለ እንጥቀመሉ: ወትሩ ኸነጽርዮን ክንከናኸኖን ኣሎና። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብታ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትጥቀመሉ ጉባኤ(ታት) እተዋጽኡ ወለንተኛታት እዮም ነዚ ዝገብርዎ። ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበር ዝነበረ: ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንናይ ኣምልኾ ቦታኦም ‘ንምጽጋንን ንምዕራይን’ ትጉሃት ክዀኑ ይግባእ።​—⁠2 ዜና 34:10

3. ጽሬት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ መደብ ዝወጸሉ: ኣብዚ ኣገልግሎት እዚኸ መን እውን እዮም ክካፈሉ ዝኽእሉ፧

3 ንሰሙናዊ ጽሬት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን መደብ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ኽልጠፍ ኣለዎ። ኵለን ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ ነቲ ኽግበር ዘለዎ ዝርዝር ነገራት እናሰዓባ ነቲ ኣደራሽ በብተራ ኣብ ሰሰሙን ከጽርያኦ ኣለወን። ኵሎም እቶም ዝኽእሉ ዘበሉ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሩይን ባህ ዘብልን ጌርካ ኣብ ምሓዝ እጃሞም ከበርክቱ ይግባእ። ቈልዑ እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ወለዶም ኰይኖም ኣብዚ ኽሳተፉ ይኽእሉ እዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ሞሳ ንኽሓድሮም ይመሃሩ። ብፍላይ ንሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ዝጥቀማሉ ምስ ዝዀና: ናይዚ ኣገዳሲ መዳይ ኣምልኾና ሓላፍነት ኣብ ሒደት ኣሕዋት ጥራይ ምእንቲ ኸይወድቕ ጽቡቕ ምትሕብባር የድሊ።

4. ሓንቲ ጉባኤ ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከተጽሪ ኸላ ክትገብሮ ዘለዋ ምእንቲ ኽትፈልጥ እንታይ ክግበር ኣለዎ፧

4 ብዛዕባቲ ኽግበር ዘለዎ ነገራት ዝገልጽ ዝርዝር ኣብቲ ንጽሬት ዘድሊ ኣቝሑ ዝቕመጠሉ ቦታ ኽልጠፍ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ዝርዝር እዚ እቲ ሰሙናዊ ጽሬት እውን ክጠቓለል ኣለዎ። ንኣብነት: ደሮና ምንጋፍ: ነቲ መአከቢ ጐሓፍ ምግልባጥ: ምድሪ ቤት ምውልዋል: ከምኡውን ዓይኒ ምድሪ ምጽራይ ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ግዜ ወሲድካ ከም መሳዅቲ: ብዕንጸይቲ ንእተሰርሐ ኣቝሑ: ኮፍ መበልን መጋረጃን መብራህትን ዝኣመሰለ ነገራት ምጽራይ ሓሓሊፍካ ጥራይ ክግበር ይከኣል እዩ። ኵሉ እቲ ንጽሬት ዘገልግል ከሚካላት: ቈልዑ ኽረኽብዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታታት ክቕመጥን ብንጹር ክጸሓፎን ኣለዎ። ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዝገልጽ ሓጺር ጽሑፍ እውን ምስኡ ክቕመጥ ይግባእ።

5. ድሕነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ: እንታይ ነጥብታትከ ኢና በብግዜኡ ኽንውከስ ዘሎና፧ (ኣብ ገጽ 3 እትርከብ ሳጹን ርአ)

5 ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሓደጋታት ድሕነት ንኽህሉ ዓብዪ ኣትኵሮ እዩ ዝግበረሉ። (ዘዳ. 22:8) ኣብዚ መዳይ እዚ: እዛ ኣብ ገጽ 3 ዘላ ሳጹን ሓደጋታት ንምውጋድ በብግዜኡ ኽትውከሶ ዘለካ ነጥብታት ዝሓዘት እያ።

6. ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምክንኻን ዕዮ ብኸመይ እዩ ዝካየድ፧

6 ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምክንኻኑ:- ኣካል ሽማግለታት ንኽንክን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣለዎም። መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነዚ ዕዮ እዚ ንምውህሃድ ይምዘዝ እዩ። እቲ እተመዘዘ ሓው እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሩይ ንክኸውንን ግቡእ ክንክን ንኽግበረሉን ብምቍጽጻር: ዘድሊ ዘበለ እኹል ቀረብ ምህላዉ ድማ ብምርግጋጽ መዓልታዊ ንጥፈታት ይውድብ። ኣብቲ ኣደራሽ ወይ ኣብቲ ቐጽሪ ሓደጋ ኽፈጥር ዝኽእል ነገራት ክህሉ የብሉን። ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓደ ኣደራሽ ምስ ዝጥቀማ: እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ ኣደራሽ ንምክንኻን ምድላዋት ዝገብር ኮሚተ ይምዝዙ። እዚ ኮሚተ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣካል ሽማግለታት ኰይኑ እዩ ዝዓዪ።

7. (ሀ) ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይበላሾ ኣብ ዓዓመት እንታይ ክግበር ይከኣል፧ (ለ) በብግዜኡ ቘላሕታ ዘድልዮ ነገራት እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 4 እትርከብ ሳጹን ርአ)

7 ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓዓመት ብደቂቕ ክትትል ክግበረሉ ኣለዎ። ናብ ኵለን ጉባኤታት ዝለኣኽ “ክንክን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ/መከታተሊ ድሕነት” (N-14) ዘርእስቱ ወረቐት: ተወሳኺ ዝርዝር ነጥብታት ይህብ። እቶም ሽማግለታት ንዝዀነ ይኹን ቈላሕታ ኽግበረሉ ዘድሊ ነገር ምድላዋት ብምግባር ክትትል ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ጽገና ወይ ክንክን ንምሕጋዝ ጻውዒት ክቐርበሎም ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ንኣሽቱ ዝበሃል ነገራት እውን ንምዕራይ ንቑሓት ክዀኑ: ቈላሕታ ዘድልዮ ነገራት ንምክንኻን ድማ ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም።

8. እቶም ሽማግለታት ኣብቲ ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ ኽንክን እንታይ ከጋጥሞም ከሎ እዮም ነቶም ናይቲ ኸባቢ ኮሚተ ህንጻ ኽውከሱ ዝኽእሉ፧

8 ሽማግለታት ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድሊ ኽንክን ኣብ ምግባር ምኽሪ ወይ ሓገዝ እንተ ደልዮም: ንኽፍሊ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክውከሱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: መንደቕ ምስ ዝነቅዕ: ናሕሲ ኸንጥብ ምስ ዝጅምር: ከምኡውን እቲ ኣደራሽ ኦሞዲታ ምስ ዝገብር ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

9. ዓያዪ ክቝጸር እንተ ተደልዩ: እንታይ ኣሰራርሓ እዩ ኽሰዓብ ዘለዎ፧

9 ናይ ጉባኤ ገንዘብ ብጥበብ ምጥቃም:- ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ቀጽሩን ዝዕየ ዝበዝሕ ዕዮ ብወለንተኛታት እዩ ዝግበር። እቲ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዝገብርዎ ጻዕርታት ንፍቕሮም የንጸባርቕ: ብዙሕ ወጻኢ ድማ ይንኪ። እተወሰነ ዕዮ ንምዕያይ ተኸፊሉ ዝሰርሕ ዓያዪ ክቝጸር እንተደኣ ኣድልዩ: እቶም ሽማግለታት ነዚ ዕዮ እዚ ብዝወሓደ ወጻኢ ኽገብሮ ዝኽእል ሰብ ይደልዩ። ነቲ ኽዕየ ተደልዩ ዘሎ ዕዮን ዘድሊ ኣቝሑን ኣብ ወረቐት ብዝርዝር ብምጽሓፍ እዮም ነዚ ዝገብርዎ። ቅዳሕ እታ ወረቐት ንእተፈላለዩ ኽወዳደሩ ዝኽእሉ ኣቕረብቲ ይወሃብ እሞ ብዛዕባ እቲ ኽዕየ ተደልዩ ዘሎ ዕዮ ሓደ ዓይነት ምርዳእ ሒዞም ክንደይ ከም ዘኽፍሉ ዝህብዎ መልሲ ይርአ። እቶም ኣቕረብቲ ዝሓትዎ ዋጋ ብጽሑፍ ድሕሪ ምሃቦም: እቶም ሽማግለታት ነቲ ዝሓሸ ዝበልዎ ይመርጹ። ሓደ ሓው ብእተወሰነ ዋጋ ነቲ ዕዮ ኽዓዮ ወይ እቲ ዝድለ ኣቝሑ ከቕርብ ዋላ እውን እንተ ሓተተ: እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኽሰዓብ ኣለዎ።

10. እቲ ናይ ጉባኤ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ይውዕል ምህላዉ ንምርግጋጽ እንታይ እዩ ዝግበር፧

10 እቶም ሽማግለታት ካብቲ ናይ ንብረት ግብሪ ወይ ናይ መሸጣ ቐረጽ ሓራ ዝገብር ምድላው እንተ ሃልዩ: ንኽጥቀሙሉ ግቡእ ስጕምትታት ይወስዱ እዮም። ሓያሎ ጉባኤታት ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዝጥቀማ: ኣባላት እታ ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ጕዳያት እተካይድ ኮሚተ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ባንክ ሕሳብ ይኸፍቱ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ድማ ጸብጻብ ጽሒፎም ንኣካል ሽማግለታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ የርእይዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ገንዘብ ብኸመይ ይወጽእ ምህላዉ ነቶም ሽማግለታት ይሕብርዎም። እቶም ሽማግለታት እቲ ናይ ጉባኤ ገንዘብ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዝውዕል ናይ ምቍ​ጽጻር ሓላፍነት ኣለዎም።

11. ሰፊሕ ጽገና ወይ ሕዳሳ ምስ ዘድሊ እንታይ እዩ ኽግበር ዘለዎ፧

11 ሰፊሕ ጽገናን ሕደሳን:- እቲ ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ጕዳያት ዘካይድ ኮሚተ ምስ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝተሓሓዝ ነገር ሰፊሕ ዕዮ ወይ ጽገና ኽግበር ዘድሊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ: መምርሒ ንምርካብ ንኣካል ሽማግለታት ይሓትት። እቶም ሽማግለታት ሰፊሕ ጽገና ወይ ሕደሳ ዘድሊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም ወይ ከኣ ካብ ካልእ ጉባኤታት ሓገዝ እንተ ኣድልይዎም: ምስቲ ኽፍሊ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይረዳድኡ። እቶም ኣብቲ ኽፍሊ ህንጸት ዝርከቡ ብቕዓትን ተመክሮን ዘለዎም ኣሕዋት ጠቓሚ ሓሳባት ክህቡ: ነቲ ዕዮ ኣብ ምክያድ ድማ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ብዙሕ ወጻኢ ዘድሊ እንተ ዀይኑ: ብትኽክል ክንደይ ዝኣክል ወጻኢ ኸም ዘደልዮ: ክፍሊ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ነዚ ኸም ዝምርምሮ ኽግበር: ከምኡውን እታ ጉባኤ ነቲ ውሳነ ንኸተጽድቖ ኽትሕተት ይግባእ።​—⁠ኣብ ናይ ለካቲት 1994 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት ሕቶ ሳጹን ተወከስ።

12. ነቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእካብ ኣጋጣሚ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ክንእከብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ኣኼባታትና ዕሽሽ ክንብሎ ወይ ኣትሒትና ኽንርእዮ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ኵላትና ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር እዚ ንኽንተባባዕ እተገብረ ምድላው እዚ ዕዉት ንክኸውን ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ንንጹህ ኣምልኾ የጕልሕ: ንስም የሆዋ ድማ ክብሪ የምጽእ። እምበኣር: ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንኽንከናኸኖ ቘራጽነት ንግበር።

ነቲ ኣደራሽን ቀጽሩን ዝግበር ክንክን

◻ ደገ:- ናሕሱ: ቀለሙ: መሳዅቱ: ከምኡውን እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ድዩ ዘሎ፧

◻ ቀጽሪ:- እቲ ቐጽሪ ብዝግባእ እተታሕዘ ድዩ፧ እቲ መገዲ ኣጋር: ሓጹር: ከምኡውን ማካይን ደው ዝብላሉ ቦታ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ድዩ ዘሎ፧

◻ ውሽጢ:- ኮፍ መበሊታት: ናይ ኤለክትሪክ ኣቝሑ: ናይ ቡንባ ኣቝሑ: ቀለም: ከምኡውን ጽሑፋት ዝቕመጠሉ ኸብሒ ንኽትርእዮ ባህ ዝብል ድዩ፧

◻ መሳርሒ:- መብራህትታትን ናይ ድምጺ መሳርሒን ብዝግባእ ዝዓዪ ድዩ፧

◻ ዓይኒ ምድሪ:- ጽሩይን ብዝግባእ ኣገልግሎት ዝህብን ድዩ፧

◻ ሰነዳት ጉባኤ:- ብዛዕባ ዋንነት ዝገልጽ ሰነድ እዋናውን ቅኑዕን ድዩ፧ ኣብተን ግብሪ ክኽፈል ዝሓታ ዓድታት ዓመታዊ ግብሪ ተኸፊሉ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

መከታተሊ ድሕነት

◻ መጥፍኢ ሓዊ ብቐሊሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ክኸውንን ኣብ ዓዓመት ዘድሊ ኽትትል ክግበረሉን ኣለዎ።

◻ ቀንዲ መውጽኢን ኣብ ግዜ ሓደጋ እትጥቀመሉ መውጽኢን እቲ መሳልልን በየናይ ሸነኽ ምዃኑ ብንጹር ክሕበር: እኹል ብርሃን ክህልዎ: ኣብ ግዜ ኣኼባ ኽፉት ክኸውን: ከምኡውን እቲ ኣብ መደያይቦ ክትድይብን ክትወረድን እትድገፈሉ መደገፊ ድልዱል ክኸውን ኣለዎ።

◻ መኽዘንን ዓይኒ ምድርን ጽሩይ: ብስርዓት እተታሕዘ: ከምኡውን ብቐሊሉ ዝባራዕ ነገራትን ናይ ብሕቲ ኣቝሑን ጐሓፍን ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

◻ ናሕስን መሽረብን በብግዜኡ ኽትትል ክግበረሉን ክጸርን ኣለዎ።

◻ መገዲ ኣጋርን ማካይን ደው ዝብላሉ ቦታን እኹል ብርሃን ክህልዎን ካብ ዝዀነ ይኹን ሸታሕ ከብል ወይ ከውድቕ ዝኽእል ነገር ክጸርን ኣለዎ።

◻ እቲ ኤለክትሪክ: መመቚ: ከምኡውን ኣብቲ ኣደራሽ ኣየር ከም ዝዘውር ዝገብር መሳርሒ ኽትትልን ክንክንን ክግበረሉ ኣለዎ።

◻ ዝዀነ ይኹን ማይ ዘልሕዅ እንተ ሃልዩ: ኦሞዲታ ምእንቲ ኸይገብር ቀልጢፍካ ኽጽገን ኣለዎ።

◻ ኣብቲ ቐጽሪ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እቲ ኣደራሽ ብመፍትሕ ክዕጾ ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

(ናብ 7ይ ገጽ 1ይ ዓምዲ ይቕጽል)

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ

(ካብ 4ይ ገጽ ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ