ምልክታታት
◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ መጋቢት:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ)። ሚያዝያን ግንቦትን:- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት። ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዳህሰሰ ዞባታት: ዝኾነ ብሮሹር (ብዘይካ እታ ቤት ትምህርቲ [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] እትበሃል ብሮሹር) ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ሰነ:- መጽሓፍ ንእስነትካ ከምኡውን/ወይ መጽሓፍ ስድራቤት። መታሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።
◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ንወከሎ ሰብ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኣብ 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ቀልጢፉ ጸብጻብ ክገብር ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ኣፍልጣ።
◼ እተን ኣብ ሽግር ወይ ስደት ዘለዎ ቦታታት ንዘለዉ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣብ ናይ ማሕበር ናይ ረዲኤት ሳጹን ውጽኢት ክገብራ ዝደልያ ጉባኤታት: ነዚ ዕላማ እዚ ዘገልግል ሳጹን ከዳልዋ ይኽእላ ኢየን: ነቲ ኣታዊ ገንዘብ ድማ ብፍላይ “ረዲኤት” ተባሂሉ ኣብቲ ናይ ገንዘብ መልኣኺ ቅጥዒ S-20 ክምዝገብ ኣለዎ።
◼ ኣብ መድረኽ ኰይኖም ምልክታታት ዝነግሩ ኵሎም ኣሕዋት ብዛዕባ ናይ መርዓ ምቅርራብ ወይ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘርኢ ምልክታታት አብ መድረኽ ኰይኖም ከይነግሩ ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ከይልጥፉ ነዘኻኽር። ንመርዓ ወይ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ተባሂሉ ዋላ ሓንቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክልወጥ የብሉን። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ መንግስቲ ኣደራሽ ዝግበር ናይ መርዓ ዝርርብ ዝምልከት ሓጺር ምልክታ ጥራይ ክግበር ጽቡቕ ይኸውን።
◼ ንገለ ሕታማት እተተኻኸለ ዋጋታት:- ዓውደ ኣዋርሕ:- 5.00 ብር ንኹሉ፣ ኣውድዮካሴት (ንጽል):- 15.25 ብር (ፓይነራት): 16.50 ብር (ኣስፋሕቲ)፣ መዝሙር ምስጋና (8 ካሴት):- 104.00 ብር (ፓይነራት): 121.50 ብር (ኣስፋሕቲ)። ናይ ካልኦት ካሴታት ዋጋ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
◼ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መኻዚኖ ክመጹ እንጽበዮም ጹሑፋት:-
ትግርኛ:- ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እትኣምን ዝገብረካ ምኽንያት (T-13) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይኣምኑ? (T-14) ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ (T-16)። ኣምሓርኛ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ጣልያንኛ:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት።