ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/95 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ዘሎ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • “ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ዜለዓዕል፡ ዝጸንሐ መጽሔት ወይ ዝዀነ ይኹን ብሮሹር ኣበርክት”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 3/95 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ነቲ ኣብ ናይ ምስክርነት ዕዮ እንጥቀመሉ መሳርሒ ከመይ ዝበለ ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ፧

1 ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣእምሮኡ ግቡእ ዝኾነ ጽሑፋዊ ኣቀራርባ እኳ እንተሃለዎ: ብዛዕባ እቲ ዝጥቀመሉ መሳርሒ ዝምልከት ግን ዘይተቐረበ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ማዕጾ ምስ በጽሐ እዋናዊ ዝኾነ ዝዕደል ጽሑፍ ኣይህልዎን ይኸውን። እቶም ኣብቲ ንግራት ኣገልግሎት ዝጥቀመሉ ቦርሳኡ ዘለዉ መጽሔታት: ብሮሹራት ከምኡውን ትራክትታት እተዓጻጸፉን ዝበለዩን ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ቦርሳ ብግቡእ ዘይተጠርነፈ ስለ ዝኾነ ርሳስ ወይ ድማ ናይ ቤተ​—⁠ቤት መዝገብ ብቐሊሉ ክረክቦ ኣይክእልን ይኸውን። ቅድሚ ናብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍካ ነቲ መሳርሒኻ ጥንቁቕ ኣቓልቦ ክትገብረሉ ኣገዳሲ ኢዩ።

2 ብጽቡቕ እተዳለወ ናይ ግራት ኣገልግሎት ቦርሳ እንታይ ክህልዎ ኣለዎ? መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ቤተ​—⁠ቤት መዝገብ ሓዝ። እቲ ኣብታ ወርሒ ዝዕደል ጽሑፍ ከም ዘለካ ኣረጋግጽ። ሓደስታቲ ሕታማት ናይ መጽሔታት ከምኡውን ትራክትታትን ብሮሹራትን እውን የድልዩ ኢዮም። ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ሓዝ። ናይ ቀረባ ግዜ ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እንተድኣ ኣሎካ ቅድሚ ናብቲ ማዕጾ ገጽካ ምኻድካ ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ክትደግሞም ኣጋጣሚ ክህበካ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ዘለውዎ ዞባ ትዓዪ እንተድኣ ኣሊኻ ነታ ንኹሎም ኣህዛብ ዝኸውን ብስራት (እንግሊዝኛ) እትብሃል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ክትህልወካ ጽቡቕ ኢዩ። ሓንቲ ቅዳሕ ካብተን ንመንእሰያት ተባሂለን እተዳለዋ ጽሑፋትና እንተድኣ ተማሊእካ: ምስ ኮተቴታት ክትዛረብ ቅሩብ ክትከውን ክሕግዘካ ኢዩ።

3 ኵሉ እቲ እትጥቀመሉ ኣብቲ ቦርሳኻ ብጽፈት ክምዕረይ ኣለዎ። እቲ ቦርሳ ግድን ሓድሽ ክኸውን ኣየድልዮን ኢዩ: ይኹን እምበር ጽሩይን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘሎን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ቦርሳኻ ክፍሊ ናይቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ እትጥቀመሉ መሳርሒኻ ኢዩ። ብስርዓት ገይርካ ሓዞ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ