ሕቶ ሳጹን
◼ ነቲ ኣብ ናይ ምስክርነት ዕዮ እንጥቀመሉ መሳርሒ ከመይ ዝበለ ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ፧
1 ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣእምሮኡ ግቡእ ዝኾነ ጽሑፋዊ ኣቀራርባ እኳ እንተሃለዎ: ብዛዕባ እቲ ዝጥቀመሉ መሳርሒ ዝምልከት ግን ዘይተቐረበ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ማዕጾ ምስ በጽሐ እዋናዊ ዝኾነ ዝዕደል ጽሑፍ ኣይህልዎን ይኸውን። እቶም ኣብቲ ንግራት ኣገልግሎት ዝጥቀመሉ ቦርሳኡ ዘለዉ መጽሔታት: ብሮሹራት ከምኡውን ትራክትታት እተዓጻጸፉን ዝበለዩን ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ቦርሳ ብግቡእ ዘይተጠርነፈ ስለ ዝኾነ ርሳስ ወይ ድማ ናይ ቤተ—ቤት መዝገብ ብቐሊሉ ክረክቦ ኣይክእልን ይኸውን። ቅድሚ ናብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍካ ነቲ መሳርሒኻ ጥንቁቕ ኣቓልቦ ክትገብረሉ ኣገዳሲ ኢዩ።
2 ብጽቡቕ እተዳለወ ናይ ግራት ኣገልግሎት ቦርሳ እንታይ ክህልዎ ኣለዎ? መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ቤተ—ቤት መዝገብ ሓዝ። እቲ ኣብታ ወርሒ ዝዕደል ጽሑፍ ከም ዘለካ ኣረጋግጽ። ሓደስታቲ ሕታማት ናይ መጽሔታት ከምኡውን ትራክትታትን ብሮሹራትን እውን የድልዩ ኢዮም። ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ሓዝ። ናይ ቀረባ ግዜ ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እንተድኣ ኣሎካ ቅድሚ ናብቲ ማዕጾ ገጽካ ምኻድካ ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ክትደግሞም ኣጋጣሚ ክህበካ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ዘለውዎ ዞባ ትዓዪ እንተድኣ ኣሊኻ ነታ ንኹሎም ኣህዛብ ዝኸውን ብስራት (እንግሊዝኛ) እትብሃል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ክትህልወካ ጽቡቕ ኢዩ። ሓንቲ ቅዳሕ ካብተን ንመንእሰያት ተባሂለን እተዳለዋ ጽሑፋትና እንተድኣ ተማሊእካ: ምስ ኮተቴታት ክትዛረብ ቅሩብ ክትከውን ክሕግዘካ ኢዩ።
3 ኵሉ እቲ እትጥቀመሉ ኣብቲ ቦርሳኻ ብጽፈት ክምዕረይ ኣለዎ። እቲ ቦርሳ ግድን ሓድሽ ክኸውን ኣየድልዮን ኢዩ: ይኹን እምበር ጽሩይን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘሎን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ቦርሳኻ ክፍሊ ናይቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ እትጥቀመሉ መሳርሒኻ ኢዩ። ብስርዓት ገይርካ ሓዞ።