ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ መጋቢት
6 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
13 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታትን። ነቲ ብዛዕባ መሳርሒና ዝምልከት ሕቶ ሳጹን ተመያየጥሉ።
15 ደቒቕ:- “ብዙሕ ተዋሂቡ—ብዙሕ ድማ ይድለ።” ብሕቶን መልስን። ነቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ክኾኑ ዝበቕዑ ክሓስብሉ ኣተባብዓዮም።
17 ደቒቕ:- እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ “ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ሰባት ይስምዑ” ዘርእስቱ ካብተን “እንተ ዘይተመሊስናዮም ደኣ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ፧” እትብል ዓንቀጽ ናይ ሓምለ 1994 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም ከምኡውን “ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ብስሉጥ ምፍላጣ” እትብል ናይ ለካቲት 1995 ሕታም ምርኩስ ብምግባር ዝርርብ ይሃብ። ሓጺር ተሞክሮ ብዛዕባ ናይ ቤተ—ቤት ዕዮ ዘርኢ ኣወንታዊ ውጽኢት ወስኽ። ኣብ መዕጸዊ ናይ ለካቲት 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከም እተድሊ ጥቐስ።
መዝሙር 31ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
13 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናብታ “መዘኻኸሪ ንጸሓፍን ንናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን” ሳጹን ብምትኳር ሓጺር ሓሳባት ሃብ። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- “ናብ ብዘላ ዓለም ክዝርጋሕ ዘለዎ እዋናዊ ዜና ናይታ መንግስቲ።” ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ንኣድላይነት ናይቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዘሎ ኣገዳሲ ዕዮ ኣጋንን። ንኹሎም: ሓደስቲውን ከይተረፈ: ምሉእ ብምሉእ ክካፈሉ ኣተባብዓዮም።
20 ደቒቕ:- ድግማ ናይ “ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ኣይንሕዘን።” (ናይ 2/95 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው ርአ።) ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ተመያየጠሎም:- 1. ኣብ ክንዲ መወዳእታ ዘይብሎም ሕግታት ዝህልወና: ንየሆዋ ዘሐጕስ ውሳኔ ክንገብር እንታይ ኢዩ ዝሕግዘና፧ 2. (ሀ) ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባናን ኣተሓሳስባ ናይ ብዙሓት ሰባትን እንታይ ዓቢ ምንጽጻር ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ናይ ቀብሪ ማሕበራት ዘይንሓብር ስለምንታይ ኢና፧ 3. (ሀ) በቲ ብዓለም ዝወጸ ኣገባብ ገይርና ዘይንሓዝን ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ዮኤል 2:12, 13 ብዛዕባ ሓዘንን ደጋዊ ክዳንን ዝምልከት እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ 4. (ሀ) ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:15, 16 ዘሎ ምኽሪ ክንክተል እንተድኣ ኴንና እንታይ ባህልታት ኢና እነወግድ፧ (ለ) ኣብ ግዜ ሓዘን እውን ይኹን ቲኦክራቲካዊ ልማድና ምፍጻም እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧ 5. ምስ ናይ ቀብሪ ስነ—ስርዓት እተተሓሓዘ “ቀሊል ኣቀራርባ” እተርእየሉ ግብራዊ መገድታት ጥቐስ። 6. ንናይ ቀብሪ ስነ—ስርዓት ዝኸውን ወጻኢ ምቕናስ እንታይ ንኽትገብር ኢዩ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልካ፧ 7. ንምጽንናዕን ምትብባዕን ስቕ ኢልካ ኮፍ ካብ ምባል ንላዕሊ እንታይ ውጽኢታዊ መገድታት ኣሎ፧ 8. እቲ መጸናንዒ ንምሃብ እንገብሮ ጻዕርታትና ኣብቲ ልሙድ ናይ ሓዘን ግዜያት ወይ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ድሕሪ እቲ ሓዘን ጥራይ ክኸውን ዘይብሉስ ስለምንታይ ኢዩ፧ 9. ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ መጸናናዕቲ ክመጽዎ ክጽበ ዘይነተባብዕ ስለምንታይ ኢና፧ 10. ካብቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት እተፈለና ምዃንና በየናይ መገድታት ኢና እነርኢ፧ 11. ምስቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣርኣያ ብምስምማዕ: ብዛዕባ ደጋዊ መግለጺ ናይ ሓዘን ብዝምልከት ካብ ዓለም ብኸመይ ንፍለ፧ 12. እንታይ ዘይክርስትያናዊ ዝኾነ ልምዲ ኢና ብርግጽ ከነወግዶ ዝግበአና፧ 13. (ሀ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብ ዓለም ፍሉያት ክኾኑ ክፈርሁ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ኴንና ዘይምሕዛንና እንታይ ኣወንታዊ ወጽኢት ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧ 14, 15. (ሀ) ከም ግቡእ: ናይ ቀብሪ ስነ—ስርዓት ወጻኢታት ብኸመይ ክሽፈኑ ኣለዎም፧ (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢያ እታ ጉባኤ ኢዳ ከተእቱ እትኽእል: ብኸመይከ፧ 16. ከመይ ዝበለ መርገጽ ኢዩ ነቶም ዘድልዮም ናይ የሆዋ በረኸትን ናይ ሓቂ መጸናንዕን ዘረጋግጸሎም፧
መዝሙር 36ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
20 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ብዛዕባ ናይ መርዓ ዕድመ ዝምልከት ናይ ለካቲት 1995 ሕቶ ሳጹንን።
15 ደቒቕ:- “ብኸመይ ምመለስካ፧” ምስ ሓደ ወይ ክልተ ተዋስኦታት ሓዊስካ ዝግበር ምይይጥ።
15 ደቒቕ:- “ድያቆናት ክቡር ኣገልግሎት የቕርቡ።” እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ካብ ምዕራፍ 6 መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ምስ ክልተ ኣሕዋት ብዛዕባ ክልተ ዕቤት ዘርእዩ ዘለዉ ካብ ዝጥመቑ ዓመት ዝገበሩ ግን ድያቆናት ዘይኰኑ ኣሕዋት ምይይጥ ይገብር። ኣብ መዕጸዊ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ናቱ ቅዳሕ ናይታ መጽሓፍ ክህልዎ ኣዘኻኽር።
መዝሙር 52ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
27 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 205
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
8 ደቒቕ:- ብዛዕባ “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” ዝርርብ።
10 ደቒቕ:- ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ብትኽክል ምሃብ። ጸሓፊ ብዛዕባ ጸብጻብ ዝምልከት እተራእየ ሽግር ይዘራረብ። ወርሓዊ ድምር ምሉእ ሰዓታት ክኸውን ከም ዘለዎ ጥቐስ። ናይ እግረ—መገዲ ምስክርነት ዕደላ ጽሑፋት ከምኡውን ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝምዝገብ ምኽርታት ሃብ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝቑጸር ከመይ ምኽዋኑ ተንትን። (ኣገልግሎትና ገጽ 102-3) ግዜ እንተድኣ ኣልዩ ካልእ ውሽጣዊ ጉዳያትውን ክትመያየጠሎም ትኽእል ኢኻ።
12 ደቒቕ:- “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ” ምስ ተሳተፍቲ ተመያየጥ። ንዝኽሪ እተገብረ ውሽጣዊ ምድላዋት ተንትን። ንተገደስቲ ስለምንታይ ክንዕድሞምን ክካፈሉ ክንሕግዞምን ከም ዘድሊ ግለጽ።
10 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምዕዳል። ኣብቲ ብብዝሒ እተዓየየ ዞባ ዝኾነ ብሮሹር (ብዘይካ ቤት ትምህርቲ እትበሃል ብሮሹር) ከነበርክት ንኽእል ኢና። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት መጽሔታት ንምብርካት ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ድገሞም:- ዕርክነታዊ ሰላምታ ይሃሉኻ። ውዕውዕ ስምዒት ይሃሉኻ። ቀስ ኢልካ ተዛረብ። ኣብ ሓንቲ መጽሔት ብዛዕባ ሓንቲ ዓንቀጽ ተዘራረብ። ነታ እትቕጽል ሕታም ሒዝካ ከም እትምለሶም ኣፍልጥ። መጽሔታት ምቕባል እንተ ኣበዩኻውን ኣወንታዊ መደምደምታ ይሃሉኻ። ናይ ኵሎም ተገዳስነት ዘርኣዩን መጽሔት ዝገደፍካሎምን መዝገብ ሓዝ። ኣብ መዕጸዊ ሓደስቲ ሕታማት ብኸመይ ከም እተበርክት ሓደ ወይ ክልተ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባታት ኣዳሉ።
መዝሙር 176ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።