ብዙሕ ተዋሂቡ—ብዙሕ ድማ ይድለ
1 ሓቂ ክትህልወናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ኢና! ህይወትና ኣብ የሆዋ ስለ ዝወፈና: “እቲ ብስራት ሕድሪ” ተዋሂብና ኢና። (1 ተሰ. 2:4 ትሓዓ) እዚ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ።”—ሉቃ. 12:48ለ
2 እዘን ቃላት እዚአንሲ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኢየን! ኵላትና ብፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ: ብዘደንቕ ሕብረት ናይ ኣሕዋት ከምኡውን ብእጹብ ተስፋ እተባረኽና ስለ ዝኾንና: ብሓቂ ብዙሕ ተዋሂቡና ኣሎ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ኣምሰያኡ ድማ ብዙሕ ክንመልስ ከድልየና ኢዩ!
3 ናይቶም ዘድልዩ ነገራት ግቡእ ኣረኣእያ ምዕቃብ:- ገሊኦም ካባና ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ዝድለ ብምባል ደምዲሞም ኢዮም። የሱስ ክርስቶስ ከም ርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጠን ብግቡእ ምእንቲ ክትዓዪ “እቲ ዘድሊ” ይውስን። (ኤፌ. 4:15, 16 ትሓዓ) ባዕሉ ‘ኣርዑቱ ፈኲስ: ጾሩውን ቀሊል’ ምኽዋኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ማቴ. 21:28-30) ነቶም ጸገም ዘለዎም እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ኢዩ ኣብ ግምት ዘእትዎም። (ሉቃ. 11:1-4) ብዝሑ ክንደይ ምኽዋኑ ብዘየገድስ: እቲ ዝበለጸ እንተድኣ ሂብና ክንባረኽ ኢና።—ቈሎ. 3:23, 24
4 ‘ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ድዩ ዘለዎም፧ ንግዜይን ንብረተይን ንስም ኣምላኽ ዝውድስን ንጥቕሚ ካልኦት ብዝኸውንን መገዲ ድየ ዝጥቀመሎም ዘሎኹ፧ እቲ ዝዓበየ ደስታይ ስጋዊ ነገራት ብምስትምቓር ዘይኰነስ ንየሆዋ ብምግልጋለይ ከም ዝረኽቦ ተገንዚበዮዶ ኢየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። እቲ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም እንህቦ ቅኑዕ ዝኾነ መልሲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ድራኼታት ክገልጾ ኢዩ።—ሉቃ. 6:45
5 ክፉእ ንምግባር ዝፍትነካ ነገራት ካባኻ ኣርሕቆ:- ናብ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ: ስስዔ ከምኡውን ፍቕሪ ንስሚዒታዊ ደስታ ዝደፍኡ ፈተናታትን ጸቕጥታትን ከም ሎሚ ገይሮም በዚሖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽንለማመጥ ዝፍትኑ ሞራላዊ ብድሆታት የጋጥሙና ኢዮም። ነዞም ብድሆታት እዚአቶም ብዓወት ክንጋጠሞም: የሆዋ ንኽሕግዘና ክንሓቶ ኣሎና። (ማቴ. 26:41) ብመንፈሱ ገይሩ ከበርትዓና ይኽእል ኢዩ። (ኢሳ. 40:29) ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ዓብዪ ሓገዝ ኢዩ። (መዝ. 1:2, 3) ርእስኻ ምቕጻዕን ርእስኻ ምግታእን እውን ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለወን።—1 ቈረ. 9:27
6 ነቲ ጽቡቕ ምፍታው እኹል ኣይኰነን—ነቲ ሕማቕ ዝኾነውን ክንጸልኦ ኣሎና። (መዝ. 97:10) እዚ ማለት ድማ ነቲ ሕማቕ ዝኾነ ነገራት ኣይትናፍቖን ማለት ኢዩ። ምሳሌ 6:16-19 የሆዋ ዝጸልአን ሾብዓተ ነገራት ይጽብጽብ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ንየሆዋ ከሐጕስ ዝደሊ ሰብ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ክጸልኦም ኣለዎ። በቲ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ እተባረኽና ከም ምኽዋና መጠን: ነቲ ጽቡቕ ነገራት ክንገብር ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ምስቲ ፍልጠት እቲ ተሰማሚዕና ክንነብር ኢና እንደሊ።
7 “ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት” ንምኽዋን ምሹእ ኩነታት ክህሉ ምጽላይ ግቡእ ኢዩ። (1 ቈረ. 15:58) ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብስራሕ ትሑዝ ዝኾነ መደብ ክህልወካ ዕቑባ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ: ከመይሲ ዋጋ ዘይብሎም ነገራት ክትገብር ግዜ ኣይህልወካን ኢዩ።
8 ኵሉ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ የሆዋ ካባና ዝደልዮ ነገራት ኣዝዩ ርትዓዊ ኢዩ። (ሚክ. 6:8) ንነፍሲ ወከፍ መሰል ኣገልግሎት መመስገንቲ ክንከውን ብዙሕ ምኽንያት ኣሎና። (ኤፌ. 5:20) ስለዚ ዓስብና ካብቲ ካባና ዝድለ ብዘይ መጠን ኣዝዩ ብዙሐ ምኽዋኑ ብምትእምማን ኢና “እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና።”—1 ጢሞ. 4:10