ናብ ብዘላ ዓለም ክዝርጋሕ ዘለዎ እዋናዊ ዜና ናይታ መንግስቲ
1 ሰንበት 23 ሚያዝያ: “መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ” ብዝብል ዝማርኽ ኣርእስቲ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ክውሃብ ኢዩ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ኣኼባ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እተታሓሳስብ ኣርባዕተ ገጽ ዘለዋ ዜና ናይታ መንግስቲ ክትወጽእ ኢያ። እቲ ሒዛቶ ዘላ እዋናዊ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ሰለስተ ሰሙን ግዜ ማለት ካብ 24 ሚያዝያ ክሳዕ 14 ግንቦት ናብ ብዘላ ዓለም ክዝርጋሕ ኢዩ።
2 ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ዘለዉ ሰባት ተደናገሮም ኢዮም ዘለዉ። ዝነብርሉ ቦታ ብዘየገድስ: ብሽግራት ይሳቐዩ ኢዮም ዘለዉ። እቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ነቶም በዚ ዝፍጸም ዘሎ ዝጭነቑ ቅኑዓት ሰባት ናይ ሓቂ ኣገዳስነት ኣለዎ: ከመይሲ ናብቲ ዘይጋገ ምንጪ መምርሒ ናይ ወድሰብ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመርሖም ኢዩ። (መዝ. 119:105) ኣብ 23 ሚያዝያ ምስ ወጸት ኵልና ቅዳሕ ናይዛ ዜና ናይታ መንግስቲ ክንረክብ ንጽበ ኣሎና። ክሳዕ ሽዑ ነዚ ናይ ሰለስተ ሰሙን ጽቡቕ ወፈራ ንምቅርራብ ብዙሕ ዝዕየ ኣሎ።
3 ኵሎም ቅንኢ ዘለዎ እጃም ክህልዎም ኣተባብዕዎም:- ኣብቲ ዕዮ መን እጃም ክህልዎም ይኽእል? ብርግጽ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ክዓዪ ህንጡይ ክኸውን ኢዩ! ብዛዕባ እቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝካፈሉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ክበሃል ኢዩ፧ ገሊኦም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምሳና ዝሓበሩ: ቀጻሊ ምዕባለ ኸኣ ዝገብሩ ዘለዉ ኢዮም። ንናብርኦም ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣሰማሚዖም እንተድኣ ኰይኖምሲ: ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ክቑጸሩ ብቑዓትዶ ኢዮም? እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕ አስፋሒ ነቲ ጉዳይ ምስቲ ተማሃራይ ክመያየጠሉ ይኽእል ኢዩ: እቲ ተማሃራይ ድማ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ክልተ ሽማግለታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ንምፍጸም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ ወይ አምሓርኛ) ኣብ ገጽ 98ን 99ን ዘሎ ሓሳባት ምስኡ ኰይኖም ክርእይዎ ኢዮም። እቶም ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ክኾኑ ዝበቕዑ ኣብቲ ወፈራ ምሉእ ተሳታፍነት ምእንቲ ክህልዎም እዚ ብዝከኣል መጠን ቀልጢፉ ክግበር ኣለዎ። እቶም ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ክቑጸሩ ገና ዘይበቕዑ ዘለዉ እውን ነዚ እዋናዊ ዜና ናይታ መንግስቲ ንዝፈልጥዎምን ንኣባላት ናይ ስድራቤቶምን ከካፍልዎም ክተባብዑ ይኽእሉ ኢዮም።—ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳር 1988 ገጽ 17 ቍጽሪ 8 ርአ።
4 እዚ ዕዮ እዚ ኣጸጋሚ ኣይኰነን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ እጃም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ወለዲ: ኵሎም ኣባላት ናይታ ስድራቤት ካብ ቤት ናብ ቤት ንምብርካታ እተዳለዉ ምእንቲ ክኾኑ በዛ ዜና ናይታ መንግስቲ ገይሮም ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ልምምድ ክፍለ-ግዜ ክውስኹ ይኽእሉ ኢዮም። ቀሊል ኣቀራርባ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ሓጺር መእተዊ ምስ ገበርካ: ነቲ በዓል ቤት ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣበርክተሉ እሞ ከንብባ ድማ ኣተባብዓዮ። ሰብ ቤት ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዮም: ነቲ ተገዳስነት ክትኩስኵስ ተመሊስካ ክትመጽእ ምእንቲ ኽትክእል መዝግቦ ኢኻ። (1ቈረ. 3:6, 7) መፍትሕ ናይ ኣሳልጦ: ቀሊልን ብጽቡቕ እተዳለወን ኣቀራርባ ምግባር ኢዩ።
5 ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን “ዕዙዛት” እንኾነሉ ኣጋጣሚ ክህሉ ኢዩ። ኣብ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም ኣብታ “ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ኩኑ” ዘርእስታ እታው ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃብ ኢዩ።—1 ቈረ. 15:58