ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/95 ገጽ 8
  • ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተኸታተሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተኸታተሎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድለሉ እንኽእል መገዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኻልኦት ክትጠቅም ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተኸታተሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 2/95 ገጽ 8

ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተኸታተሎ

 1 ካብ ቤት ናብ ቤት ክንዓዪ ከሎና: ዝበዝሕ ግዜ እቲ ምስ ሓደ ተገዳሲ ሰብ እነሕልፎ ግዜ ውሱን ኢዩ። ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚታት እቲ ናይ ብሓቂ ምምሃር ዝግበር ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ወይ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎና ኢዩ። (ማቴ. 28:​19, 20) ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ክንምህር: ነቲ ኣብ ናይ መጀመሪያ ምብጻሕና እተመያየጥናሉ ክንደግሞን ብድሕሪኡ ድማ ንተወሳኺ ምዝርራብ ክንዳሎን የድልየና።

 2 ብዛዕባ ኣብ ናይ ስድረቤት ስርዓት ዘሎ ዘይምርግጋእ ተዘራሪብኩም እንተነይርኩም: ካብ መጽሓፍ “ንዘለኣለም ምንባር” ምዕራፍ 29 ዘሎ ሓሳባት ክትጥቀም ትኽእል ትኸውን። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ኣብ ዝሓለፈ: ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ክህልወካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ምኽታል ጥበብ ምዃኑ ተዘራሪብና ነይርና። ሎሚ ሕብረት ዘለወን ስድራቤታት ክህልዋ እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ ምበልካ?” ክምልስ ኣፍቅደሉ። ኣብ ገጽ 247 ቍጽሪ 27 ኣመልክት እሞ ቈሎሴ 3:​12–14 ኣንብብ። ቅኑዕ ፍቕሪ ንስድራቤታት ኣሕቢሩ ክጠምረን ከም ዝኽእል ዘርእዩ ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ። ኣገባብ ዘለዎ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ሽግራት ንምፍታሕ ብኸመይ ከም ዝሕግዝ ግለጽ።

 3 ኣብ ቀዳማይ እግርኻ ብዛዕባ ምንቍልቋል ኵነታት ዓለም ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ከምዚ ብምባል ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ብሰላም ክንነብር እንተድኣ ኰይንና ዓበይቲ ለውጥታት የድልዩ ምዃኖም ከም እትሰማማዓሉ ርግጸኛ ኢየ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሽግራትና ቀዳማይ ሰበብ ሰይጣን ምዃኑ ይርኢ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ስለምንታይ ንነዊሕ ግዜ ክቕጽል ከም ዝፈቐደሉ ይገርሞም ኢዩ። ንስኻኸ እንታይ ትብል?” ክምልስ ኣፍቅደሉ። ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 20 ቍጽሪ 14ን 15ን ገንጽል እሞ ስለምንታይ ሰይጣን ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይጠፍአ ግለጽ። ብድሕሪኡ ኣብ ቀረባ መጻኢ እንታይ ከም እንጽበ ዘርኢ ሮሜ 16:​20 ኣንብብ።

 4 ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ዝርከብ በረኸታት ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “መንግስቲ ኣምላኽ ንምድርን ወድሰብን ዘደንቕ በረኸታት ከተምጽኣሎም ኢያ። እዞም በረኸታት እዚኣቶም ኣብ ገጽ 12ን 13ን ብጽቡቕ ብስእላዊ መገዲ ተገሊጾም ኣለዉ። ንዓኻ ዝስሕበካ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? [ንኽምልስ ኣፍቅደሉ።] ኣብ ከምዚኣ ዝዓይነታ ዓለም ክትነብር ከመይ ከም ዝመስል እሞ ሕሰብ።” ቍጽሪ 12 ኣንብብ። ተገዳስነት እንተድኣ ኣልዩ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 13 ዘሎ ሕቶ ሕተት እሞ ነቲ መልሲ ተመያየጠሉ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ በረኸታት ብዙሕ ሕቶታት ከም እትምልስ ኣመልክት እሞ ኣብ ዝመጽእ ምብጻሕካ ክትመያየጠሎም ሕጕስ ምዃንካ ግለጸሉ።

 5 ከምዚ ብምባል ጽንዓት ክትጅምር ትኽእል ትኸውን:-

◼ “ብዙሓት ሰባት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒሞም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታቶም መልስታት ረኺቦምሉ ኢዮም።” ናብቲ ናይ ኣርእስትታት መውጽኢ ብምኻድ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- “ኣየናይ ኣርእስቲ ኢዩ ዝያዳ ዘገድሰካ?” ክምልስ ኣፍቅደሉ እሞ ናብታ ንተገዳስነቱ ዝሰሓበት ምዕራፍ ብምኻድ ነታ ቀዳመይቲ ቍጽሪ ኣንብባ። እቶም ኣብቲ እግሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዘለዉ ሕቶታት ብኸመይ ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ዘለዉ ቀንዲ ሓሳባት ከም ዘጕልሕዎም ግለጽ። ሓደ ወይ ክልተ ቍጽርታት ብምምይያጥ መብርሂ ሃብ: ከምኡውን ተመሊስካ ክትበጽሖ መደብ ግበር።

 6 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ዘሎ ተገዳስነት ምክትታል ኣገልግሎትና ክንምልእ ዘሎና ባህጊ ኢዩ ዝገልጽ። (2 ጢሞ. 4:​5) ሰማዕትና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ ክንሕግዞም ንኽእል ንኸውን።​—⁠ዮሃ. 17:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ