ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ብስሉጥ ምፍላጣ
1 የሱስ መእተዊታት ብምጥቃም ኣዝዩ ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ተገዳስነት ንኸለዓዕል እንታይ ክብል ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ከተስትዮ ብምሕታት ብቐሊሉ ዝርርብ ጀሚሩ ኢዩ። እዚ ንኣቓልቦኣ ቀልጢፉ ሰሓቦ: ከመይሲ “ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም” ነይሮም። ብርግጽ እቲ ዝቐጸለ ዝርርብ ንዓኣን ንኻልኦት ብዙሓትን ኣመንቲ ክኾኑ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ዮሃ. 4:7–9, 41) ካብ ኣብነቱ ክንማሃር ንኽእል ኢና።
2 ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ከተበርክታ ክትቅረብ ከሎኻ: ‘ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ዝያዳ ዘገድሶም ነገር እንታይ ኢዩ? ንኰተቴ: ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብ: ንበዓል ቤት ወይ ድማ በዓልቲ ቤት ዝስሕቦም እንታይ ኢዩ?’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ካብ ሓደ ንላዕሊ መእተዊታት ኣዳሊኻ: እቲ ነቲ ኵነታት ዝሰማማዕ መእተዊ ድማ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
3 ምብልሻው ናብራ ስድራቤት ንብዙሓት ስለ ዘተሓሳስቦም: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ሎሚ መዓልታዊ ጸቕጥታት ናይ ናብራ ኣብ ስድራቤታት ከበድቲ ወጥርታት ይገብሩ ኣለዉ። ደገፍ ካበይ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ? [ክምልሱ ኣፍቅደሎም።] መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብሓቂ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] ቅዱሳት ጽሑፋት ስድራቤታት ንኽዕቈባ ዘኽእለን ጠቓሚ መምርሒታት ይህብ ኢዩ። ኣብዛ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል ሕታም ገጽ 238 ቍጽሪ 3 እንታይ ከም ዝብል እሞ ተዓዘብ።” ቍጽሪ 3 ኣንብባ እሞ ኣበርክታ።
4 ናይ ውሽጢ ናይ ዜና ጸብጻብ ትጥቀም እንተድኣ ኣሊኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነቲ ናይ ዜና ጸብጸብ ሰሚዕካዮዶ [ዘገድሶም ጸብጻብ ጥቐስ]? ብዛዕባኡ እንታይ ሓሲብካ? [ክምልስ ኣፍቅደሉ።] እዝስ ዓለም ናበይ ኣቢላ ትኸይድ ከም ዘላ ዘጨንቐካ ኢዩ: ኣይኮነን ድዩ? መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና መረጋገጺ ምዃኖም ተነብዩ ኣሎ።” ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 150–3 ዘሎ ተዘራረብሉ።
5 ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ዝዓቢ ዘሎ ሽግር ናይ ዓመጽ ይጭነቑ ኢዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ “ምምርማር” ገጽ 10 ኣብ ትሕቲ “ዓመጽ/ካብ ዓመጽ ናጻ ምዃን” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ቀዳማይ መእተዊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ምስ ሰባት ካብ ዓመጻ ብብሕቶም ብኸመይ ናጻ ከም ዝኾኑ ንዛረብ ኣሎና። ኣብ ከባቢና ብዙሕ ዓመጻ ኣሎ: ንህይወትና ድማ ይትንክፎ ኢዩ። ከማይን ከማኻን ዝኣመሰሉ ሰባት ምሸት ኣብ መገዲ ካብ ዓመጻ ናጻ ከም ዝኾኑ ክስምዖምሲ: እንታይ ክግበር የድሊ ምበልካ?” ንመዝሙር 37:10, 11 ኣንቢብካ ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 156–8 ተጠቒምካ መንግስቲ ኣምላኽ ከተምጽኦ ዘለዋ በረኸታት ተርእዮም ትኽእል ኢኻ።
6 ቅልል ዝበለ ኣቀራርባ ክትጥቀም እንተድኣ መሪጽካ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ “ምምርማር” ገጽ 12 ኣብ ላዕሊ “መጻኢ/ድሕነት” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ዝሰማማዕ መእተዊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ንጐረባብትና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳልዩልና ዘሎ ዓቢ መጻኢ ርግጽ ምዃኑ ክሓስብሉ ነተባብዖም ኢና ዘሎና። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እዝስ ንዓኻ ዝእመን ኰይኑዶ ይስመዓካ? [ክምልስ ኣፍቅደሉ።] ምዕራፍ 19 ናይዛ ሕታም እዚኣ እዙዛት ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከስተማቕርዎም ዘለዎም ካልእ በረኸታት ተጕልሕ።” ተገዳስነት እንተድኣ ኣልዩ ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ኣበርክታ።
7 ውጽኢታዊ ዝኾነ መእተዊ ምድላው ነቶም ጽድቂ ዝጠምዩ ክትበጽሖም ክሕግዘካ ኢዩ።—ማቴ. 5:6