ሕቶ ሳጹን
▪ ሓደ ክርስትያን ናይ ዝፈልጦም ዓለማውያን ናይ መርዓ ዕድመ ቅድሚ ምክፋሉ እንታይ ነጥብታት ኢዩ ክሓስበሎም ዘለዎ?
እቲ ናይ ሃገርና ናይ መርዓ ወርሓት ክቐርብ ከሎ: ብዙሓት መሰኻኽር ካብ ብዙሓት ዓለማውያን ፈለጥቶም: አረ ካብቶም ዳርጋ ዘይፈልጥዎም ከይተረፈ ናይ መርዓ ዕድመ ይቕበሉ ኢዮም። ሓደ ክርስትያን ከምዚኦም ዝበሉ ዕድመታት ቅድሚ ምቕባሉ ብዛዕባኡ ገለ ነጥብታት ምስ ዝሓስበሎም ጽቡቕ ይገብር።
እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዘሎ መትከል መሰረታዊ መምርሒ ይህብ ኢዩ። እቲ ዓለማዊ ሕብረት ሃናጺዶ ኾን ይኸውን? ብዙሕ መስተ: ሽጋራ ምትካኽ: ጾታ ዘለዓዕል ሳዕስዒት: ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕን ካልእ ክርስትያናዊ ዘይኰነ ባህርያትንከ ይህልዎዶ ኾን ይኸውን? ዝበዝሑ ምድላዋት ኣንጻር እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15–17 ዘሎ መንፈስ: ንኻልኦት ብዕቤት ናይቲ ፍጻሜ ንምስሓብ: ሃብቲ ብጃህራ ንምርኣይ ተባሂሎም ኢዮም ብመንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝግበሩ። ኣብኡ ምርካብና ምናልባት ኣብ ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ሃልይዎ: ኣብቲ ክርስታያናዊ መትከል ምልምማጥ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። እቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ጉዳያት ዝግበረሉ ግዜ ምስቲ ናይ ኣኼባታት ምድላዋት ወይ ምስ ካልኦት ኣገደስቲ ክርስትያናዊ ግዴታታት ዝጋጮ ኢዩ። (እብ. 10:24, 25፣ ኤፌ. 5:15, 16) ኣብ መንጎ እቲ ናይ ቀረባ ኣባል ቤተሰብን ብርሑቕ ዝፈልጠካ ሰብን ዝገብሩልካ ዕድመ ፍልልይ ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኵሎም ረቋሒታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ውሳኔ ክገብር ኣለዎ: ምናልባት እቲ ውሳኔ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ የሆዋ መምርሒ ብጸሎት ምስ ዝሕሰበሉ: ንመገድና ከነቕንዕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ምሳ. 3:5, 6