ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/95 ገጽ 5
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 2/95 ገጽ 5

ሕቶ ሳጹን

▪ ሓደ ክርስትያን ናይ ዝፈልጦም ዓለማውያን ናይ መርዓ ዕድመ ቅድሚ ምክፋሉ እንታይ ነጥብታት ኢዩ ክሓስበሎም ዘለዎ?

እቲ ናይ ሃገርና ናይ መርዓ ወርሓት ክቐርብ ከሎ: ብዙሓት መሰኻኽር ካብ ብዙሓት ዓለማውያን ፈለጥቶም: አረ ካብቶም ዳርጋ ዘይፈልጥዎም ከይተረፈ ናይ መርዓ ዕድመ ይቕበሉ ኢዮም። ሓደ ክርስትያን ከምዚኦም ዝበሉ ዕድመታት ቅድሚ ምቕባሉ ብዛዕባኡ ገለ ነጥብታት ምስ ዝሓስበሎም ጽቡቕ ይገብር።

እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:​33 ዘሎ መትከል መሰረታዊ መምርሒ ይህብ ኢዩ። እቲ ዓለማዊ ሕብረት ሃናጺዶ ኾን ይኸውን? ብዙሕ መስተ: ሽጋራ ምትካኽ: ጾታ ዘለዓዕል ሳዕስዒት: ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕን ካልእ ክርስትያናዊ ዘይኰነ ባህርያትንከ ይህልዎዶ ኾን ይኸውን? ዝበዝሑ ምድላዋት ኣንጻር እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:​15–17 ዘሎ መንፈስ: ንኻልኦት ብዕቤት ናይቲ ፍጻሜ ንምስሓብ: ሃብቲ ብጃህራ ንምርኣይ ተባሂሎም ኢዮም ብመንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝግበሩ። ኣብኡ ምርካብና ምናልባት ኣብ ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ሃልይዎ: ኣብቲ ክርስታያናዊ መትከል ምልምማጥ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። እቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ጉዳያት ዝግበረሉ ግዜ ምስቲ ናይ ኣኼባታት ምድላዋት ወይ ምስ ካልኦት ኣገደስቲ ክርስትያናዊ ግዴታታት ዝጋጮ ኢዩ። (እብ. 10:​24, 25፣ ኤፌ. 5:​15, 16) ኣብ መንጎ እቲ ናይ ቀረባ ኣባል ቤተሰብን ብርሑቕ ዝፈልጠካ ሰብን ዝገብሩልካ ዕድመ ፍልልይ ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኵሎም ረቋሒታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ውሳኔ ክገብር ኣለዎ: ምናልባት እቲ ውሳኔ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ የሆዋ መምርሒ ብጸሎት ምስ ዝሕሰበሉ: ንመገድና ከነቕንዕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳ. 3:​5, 6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ