ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ—ክፍሊ 2
1 ብዝከኣል መጠን ምስቶም ኣብ ከባቢና ዝነብሩ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ክንዕቅብ ኢና እንደሊ። እዚ ድማ ንመሰሎምን ስሚዒቶምን ሓልዮትን ክብርን ከነርኢ ክሓተና ኢዩ።
2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጽቡቕ ኣገባቦም ፍሉጣት ኢዮም። ኣብ ጕርብትና: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ከምኡውን ኣብ ኣሰምብሊታትና ዘሎና ማሕበራዊ ልምድታት ብዙሕ ጽቡቕ ሓሳባት ንኽህቡ ምኽንያት ኰይንዎም ኢዩ።—ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ 1989 ገጽ 20 ርአ።
3 ርግጽ’ዩ ጽቡቕ ጠባይ ከም እኒ ቅንዕና: ትግሃት ከምኡውን ጽቡቕ ስነ–ምግባር ዝኣመሰለ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘጠቓልል። ነቶም ኣብ ከባቢ መንግስቲ ኣደራሽና ዝነብሩ እተኽብር ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ንጐረባብትና ክብሪ ምሃብ እንተድኣ ሰኒፍና: እቲ ኣብ ካልእ መዳይ ዘሎና ኣምላኻዊ ባህርያት ክርሳዕ ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ‘ንብረትና ንወንጌል . . . ዝበቅዕ’ ክኸውን ተማሕጺኑና ኢዩ።—ፊል. 1:27
4 ሓድሓደ ግዜ እቶም ተኣከብቲ ሓልዮት ዘየርእዩ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም: ገለ ካብቶም ኣብ ጥቓ መንግስቲ ኣደራሽ ዝነብሩ ተቐመጥቲ ጥርዓናት ኣቕሪቦም ኢዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቅድሚ እቲ መንግስቲ ኣደራሽ ዘሎ ማርሻቤዲ ተኣኪቦም: በተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ገዛውቲ ክስማዕ ዝኽእል ምዉቕ ዕላል ምግባር ክገድፍዎ ኣለዎም። ቈልዑ ናብቲ መንግስቲ ኣደራሽ ምእታውን ምውጻእን ክፍቀደሎም የብሉን። ብዘይ ሓልዮት ናይ መኪና መዕጾ ገም ምባል ወይ ድማ ጥሩንባ ምንፋሕ ነቶም ጐረባብቲ ክርብሾም ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ጠባይ ነታ ጉባኤ ብሕማቕ ከም እትርአ ይገብራ። ከምኡውን ኣብቲ ከባቢ ክንዝውር ከሎና ናይ ትራፊክ ሕግታት ክንጥቀቐሉ ኣገዳሲ ኢዩ።—ሮሜ 13:1, 2, 5
5 መካይን ኣብ ናይ ውልቂ ቦታ ወይ ድማ ኣብቲ ምትሕልላፍ መካይን ዝዕንቅፋሉ ወይ ናብ ገዛውቲ ዘእቱ መገዲ ዝዓግት ቦታታት ጠጠው ክብላ የብለንን። እቶም በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ናይ ንግዲ ትካላት ንዓማዊሎም እተሓዝኡ ናይ መካይን ጠጠው መበሊ ቦታታት: ፍቓድ እንተድኣ ዘይሂቦም ክንጥቀመሎም የብልናን። ኣብቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጉባኤታት ሓደ መንግስቲ ኣደራሽ ዝጥቀማሉ ቦታ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ኣኼባታት ይምደበላ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ መንጐ እቶም ኣካል ሽማግለታት ጥብቂ ምትሕብባር ዝሓትት ኢዩ።—ናይ 1 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17 ቍጽሪ 13 ርአ።
6 መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ይምዕደና: እዚ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ እውን ሓልዮት ምርኣይ ዘጠቓልል ኢዩ። (1 ቈረ. 10:31–33) ‘ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ዝሕሾ ዝጥምት’ እንተድኣ ኰይኑ: ብዘይ ሓልዮት ኣብ ናይ ካልኦት ንብረት ኢድና ኣይነእቱን ኢና። (ፊል. 2:4) ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ነጋዶ ኣብ ናይ ንግዲ ንጥፈታቶም ጣልቃ ምእታው እውን ንገድፎ።
7 ንኻልኦት ሓልዮት ምርኣይ—ኣብ ውሽጥን ወጻእን ናይታ ጉባኤ—ናይቲ ኣብ ልብና ዝስምዓና ደጋዊ መግለጺ ኢዩ። እቲ እንገብሮን እንብሎን ‘ንብጾትና ኸም ነፍስና እነፍቅር’ ምዃና ክገልጽ ኣለዎ።—ማቴ. 7:12፣ 22:39