ምልክታታት
◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ ለካቲትን መጋቢትን:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ምዕዳል ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብተመላሊስካ ምብጻሕ ምክትታል ክግበረሉ ኣለዎ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ንምጅማር ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት። ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዳህሰሰ ዞባታት ዝኾነ ብሮሹር (ብዘይካ እታ ቤት ትምህርቲ [እንግሊዝኛ] እትበሃል ብሮሹር) ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።
◼ እቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ንንጥፈታት ናይቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ክግምግምዎ ኣለዎም። እቲ ዘድሊ ሰዓታት ክመልእዎ እንተድኣ ዘይክኢሎም: እቶም ሽማግለታት ደገፍ ንኽወሃብ ምድላው ክገብሩ ኣለዎም። ሓሳባት ንምርካብ: ነቲ ናይ 1 ጥቅምቲ 1993 ከምኡውን 1 ጥቅምቲ 1992 ናይ ማሕበር ደብዳበታት (S-201) ርኣዩ። ከምኡውን ነቲ ናይ መስከረም 1986 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው ቍጽሪ 12–20 ርኣዩ።
◼ እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ዓርቢ 14 ሚያዝያ 1995 ክውዕል ኢዩ። እቲ ዝርርብ ኣቐድም ኣቢሉ ክጅመር ዝኽእል እኳ እንተ ኾነ: እቲ ምዛር ናይቲ ናይ ዝኽሪ ቅጫን ወይንን ግን ክሳዕ ጸሓይ እትዓርብ ከም ዘይጅምር በጃኹም ዘክርዎ። ካብቲ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምንጭታት ጸሓይ ሰዓት ክንደይ ከም እትዓርብ ሕተቱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዘይካ እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ካልእ ኣኼባ ክህሉ የብሉን። ጉባኤኹም ዓርቢ ኣኼባታት እንተድኣ ኣልዩዋ: እቲ መንግስቲ ኣደራሽ ናጻ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ኣኼባታት ናብ ካልእ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ክትልውጥዎ ይከኣል ኢዩ።
◼ እቲ ኣብ 23 ሚያዝያ 1995 ዝወሃብ ፍሉይ ዝርርብን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕትን ምስ ተገብረ: ነቲ ብሰፊሕ ምዝርጋሕ ናይታ እዋናዊ መልእኽቲ ሒዛ ዘላ ኣርባዕተ ገጽ ዘለዋ ትራክት ገይርካ ዝግበር ፍሉይ ዕዮ ምልክታ ክወሃብ ኢዩ። ኣስፋሕቲ: ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም እሞ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘደናግር ሽግር ዘተኣማምን መምርሒ ዝደልዩ ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብሩሎም ክተባብዑ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ: እቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ ከምኡውን ግንቦት ናብ ግራት ኣገልግሎት ክወጹ ዝጅምሩ ሓደስቲ ሓዊስካ: ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ ነዚ ፍሉይ ወፈራ ደገፎም ክህቡ ኢዮም።
◼ እቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ ከምኡውን ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝደልዩ: መደባቶም ሕጂ ከተዓራርዩን ቀልጢፎም ከመልክቱን ኣለዎም። እዚ ነቶም ሽማግለታት ዘድሊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ክገብሩን እኹል ጽሑፋት ክህልዎምን ክሕግዞም ኢዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ሓደ ሓጋዚ ፓይነር ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልና ተስፋ ንገብር።