ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ኣይንሕዘን
1 እቲ ኣብ ራእይ 21:4 ዘሎ ዘደንቕ ትንቢት ፍጻሜኡ ክሳዕ ዝረክብ: ሞት ዘጕሂ ክውንነት ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ። ምስ ሞትን ስነ–ስርዓት ቀብርን እተኣሳሰሩ ብዙሓት ልምድታት ስለ ዘለዉ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ሓደ ሓቀኛ ሰዓቢ ናይ ክርስቶስ ክወስዶ ዘለዎ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ብዙሕ ሕቶታት ተላዒሉ ኢዩ። ነቶም ኣብ ከባቢና ኣብ ብዙሓት ናይ ዓሌት ጕጅለታት ዘለዉ እተፈላለዩ ባህልታት ዝቕይድ ሕግታት ከነውጽእ ስለ ዘይንኽእል: ንሕልናና ከነለማምድን ንየሆዋ ዘሐጕስ ቅኑዕ ውሳኔ ክንገብርን ዝሕግዝ ካብ ቃል ኣምላኽ ገለ መሰረታዊ መምርሒታት ንርአ።
2 ናይ ብዙሓት ሰባት ኣተሓሳስባ ምስ ሞት እተተሓሓዘ እኳ እንተኾነ: ንሕና ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ትንሳኤን ርግጸኛታት ኴንና ኢና ኣማዕዲና እንጥምት። (ዮሃ. 11:25፣ 17:3) አረ ተስፋናስ ነዚ ዓቢ ጸበባ ክንሰግሮ ኢዩ። (ራእ. 7:9, 14) የሆዋ ኣምላኽና “ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር: ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን።” (ማቴ. 22:32) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓንቲ ጕጅለ ወይ ጉባኤ ክትቀውም ከላ: ብሓፈሻ እቲ ብቐዳምነት ዘገድሰና ናይ መቕበሪ ቦታ ምርካብ ዘይኰነስ ኣደራሽ መንግስቲ ክህልወና ኢዩ። በዞም ምኽንያታት እዚኦም ድማ ኢና ኣብ ናይ ማሕበራት መቓብር ዘይንኣቱ። ብናይ የሆዋ ሓገዝ ናይቶም ብሞት እተፈልዩና ኣዕሩኽና ዘድሊ ቀብሪ ክንፍጽም ክኢልና ኢና።
3 ዓለም ዋላ ሓንቲ ተስፋ የብላን: ንትንሳኤ ድማ ዳርጋ ፈጺማ ኣይትጠቕሶን ኢያ: ንሕና ግን በቲ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 17:31 ዘሎ እንብቦ ሓይሊ ንረክብ ኢና። ሞት ናይ እነፍቅሮ የጕህየና ኢዩ: ይኹን እምበር ‘ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ኣይንሓዝንን’ ኢና። (1 ተሰ. 4:13) ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይንሓዝንን ኢና: ነቲ ዓለም ዘውጽኣቶ ናይ ሓዘን መልክዒ እውን ክንክተል ኣሎና ዝብል ኣይስምዓናን ኢዩ። (ሮሜ 12:2) ሰባት ንሞት ናይ ፍቑራቶም ብእተፈላለየ መገዲ ኢዮም ዝቕበልዎ: ሰለዚ ንኻልኦት ክንፈርድ ወይ ክንነቅፍ ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ግዜ ቀብሪ ሰባት ንኻልኦት ብዘየድሊ መዐንቀፊ ምእንቲ ከይኰኑ ኢሎም ነጸላ ብኸመይ ከም ዝውንዘፍዎ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ እኳ እንተኾነ ምስቲ ኣብ ዮኤል 2:12, 13 ዘሎ ቃላት ብምስምማዕ ጓሂና ኣብ ክዳውንትና ዘይኰነስ ኣብ ልብና ክንሕዞ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ግዜ እቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ጸሊም ክዳውንቲ ኢዮም ዝኽደኑ: ንነዊሕ ግዜ ድማ ይፍለዩ፣ ንሕና ግና ብኣንጻሩ ንኻልኦት ተስፋና ክንገልጸሎም ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንጥቀመሉ ኢና።—1 ጴጥ. 3:15
4 ሓቀኛታት ክርስትያናት ንህጹጽነት ናይ ግዜያት ኣብ ኣእምሮኦም ይሕዝዎ ኢዮም። ብመሰረት እቲ ኣብ ኤፌሶን 5:15, 16 ዘሎ ቃላት: ‘ግዜ ብምዕዳግ’ ከም ጥበበኛታት ሰባት ኰይንና ክንመላለስ ኢና እንደሊ። ክንደይ መዓልትታት ከም እንጸንሕ ዝምድብ ሕግታት ኣየድልየናን ኢዩ። ብሓፈሻኡ: ድሕሪ እቲ ቐብሪ መጸናናዕቲ ክመጹ ኮፍ ኢልካ ንንውሕ ዝበለ ግዜያት ክትጽበ ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣብ ግዜ ሓዘን እውን ከይተረፈ ቲኦክራቲካዊ ልማዳትና ክንገብር ጠቓሚ ኢዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ሓዘን የድክም ኢዩ። ብጸሎት: ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ኣኼባታት ብምክፋልን ኣብ ኣገልግሎት ናይቲ ብስራት እጃምና ብምብርካትን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎ ይሓይሽ።—ምስ ሉቃስ 22:45 ኣነጻጽሮ።
ኣቕሊልካ ምርኣይ
5 ክርስትያናት ነቶም ካብ ባህላዊ ወግዒ ናጻ ዝኾኑ ናይ ቀብሪ ስነ–ስርዓት የማስውሎም ኢዮም። ንነገራት ኣቕሊልካ ብምሓዝ ገንዘብ: ግዜ: ጕልበት ክትቁጥብ ከምኡውን ጭንቀት ክትቅንስ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ስፍሕ ዝበለ ናይ መግቢ ምድላው ክትገብር ኣየድልን ኢዩ። የሱስ ኣብ ሉቃስ 10:24 “እቲ ዘድሊ ግና ሒደት ጥራይ ኢዩ” በለ። ብብዝሒ ጥጥቖን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ምድላው እውን ኣየድልን ኢዩ: ከመይሲ ዝበዘሐ ብላሽ ኢዩ ዝጠፍእ: ከምኡውን ኣብዚ ሕጂ ተመሓላላፊ ሕማም ዘለዎ ግዜና ጕድለት ጽሬት ሽግር ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ገሊኦም መግቢ ብምድላው ብዙሕ የጥፍኡ ይኾኑ። ሓደ ከምዚ ዝገብር ሰብ ክውቀስ ኣይግብኦን ኢዩ። ንሓለፍቲ መገዲ: ንለመንቲ ወይ ንነፍሲ ወከፍ እትፈልጦ ሰብ ክትምግብ ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ነቶም ናብቲ መቓብር ዝኸዱ ሰባት መጓዓዝያ ከተዳልወሎም እውን ኣድላዪ ኣይኰነን: ዝበዝሑ ካብቶም ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ናይ ገዘእ ርእሶም ምትዕርራያት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ንበጻሕቲ ካብ ንፋስን ጸሓይን ንምክልኻል ተባሂሉ ዝዳሎ ዳስ እውን እንተኾነ ግድን ኣይኰነን። ዝበዝሕ ኣብቲ ወርሓትን ከባብን ኢዩ ዝውሰን። ጽላል: ቴንዳ: ገለ ኮፍ መበሊ ኣብ በረንዳ ወይ ኣብ ትሕቲ ኦም ምግባር ነቲ ብሓቂ ዘድሊ ዘሎ ነገር ከገልግል ይኽእል ኢዩ። ኣጽብብ ኣቢልካ ምሓዙ ነቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ንምሕጋዝ ዘሎ ጸገም ወይ ድማ ሞት ናይ ዘፍቅርዎም ዘጓነፎም ተገደስቲ ሰባት ሽግሮም ይፈትሓሎም ኢዩ።
6 እቶም ኣብ መንጐና ዘለዉ ስፍሕ ዝበለ ምድላው ክገብሩ ዝኽእሉ እንተኾኑ እውን ነቲ ናይ ርኣዩለይ ተግባር ዘየተባብዕ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:16, 17 ዘሎ ቃላት ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝዎ ኣለዎም። ኣብዚ ናይ ኤኮኖሚ ጸገማት ዘለዎ ግዜያት እዚ ስፍሕ ዝበለ ናይ ቀብሪ ስነ–ስርዓት ካብ ምግባር ንላዕሊ ብዙሕ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ኣሎ። ‘ብጥሪትና ንእግዚኣብሄር ነኽብሮ።’ (ምሳ. 3:9) ርግጽ ኢዩ ናይ ብሕቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም እተውዕሎ ናይ ብሕቲ ጕዳይ ስለ ዝኾነ ካልኦት ክፈርዱ ኢሎም ክህቅኑ የብሎምን። (ሮሜ 14:4) እቲ ዋና በቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዘሎ ቃላት ናይ የሱስ ገይሩ ንገዛእ ርእሱ ክመርሓ ይኽእል ኢዩ።
ምጽንናዕ
7 እቲ ብቐሊሉ መጸናንዒ ክህብ ዝኽእል ባህልታት ግቡእን ዝነኣድን ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:11 ‘ንሓድሕድና ንመዓዓድ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ’ ይብል: ኣብ ቍጽሪ 14 ብምውሳኽ ድማ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም” በለ። ምህላውና ጽቡቕ ኢዩ: ግን ካብቶም ስቕ ኢሎም ኮፍ ዝብሉ ንላዕሊ ክንገብር ንኽእልዶ? ብዛዕባ ዘጸናንዕ ቃላት ሕሰብ: ፖስት ካርድ ወይ ደብዳበ (ደጋጊምካ ክንበብ ዝኽእል) ጽሓፍ: ተሌፎን ግበር: ኣብ ገዛ ወይ ንሕጊ ዝምልከት ዕዮታት ሓግዝ። ተብግሶ ውስድ: ነቶም ዝሓዝኑ ቅረቦም: ብዘተባብዕ ገይርካ ተዛረቦም: ዘጸናንዕ ቃላት ምእንቲ ከተካፍሎም ሕጽር ዝበለ መገዲ ምስኦም ኪድ። ርግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ መክብብ 3:4 ዘሎ ቃላት ኣብ ኣእምሮና ንሓዝ: ናይ ሓጐስ መንፈስ ከይነንጸባርቕ ከኣ ንጠንቀቕ። መጸናንዒ ዝኾነ: ግን ምስቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ጠባይ ኢና ከነርኢ እንደሊ።—ሮሜ 12:15
8 ነቲ ፍቕራዊ ጻዕርና ኣብተን ድሕሪ እቲ ሞት ዘለዋ ቀዳሞት መዓልትታት ጥራሕ ክኸውን ኣይንደልን ኢና፣ ኣብ ክንድኡስ: ኣብቲ ዝስዕብ ብዙሕ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ጽቡቕ ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ እቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕና’ ዝኾነ ነቶም ዘድልዮም ንምጽንናዕ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብቓሉን ብብዙሕ እተሓትሙ ጽሑፋትን ገይሩ ሂቡና ኣሎ።—2 ቈረ. 1:3-7
9 ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ስለ ዘይንሓዝን: ብድሕሪ ሞት ናይ ሓደ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝነብር ዝነበረ ወይ ዝሞተ ርሕቕ ዝበለ ዘመድ ከጸናንዑና ክመጹ ኣብ ገዛ ኰይንና ክንጽበ ምኽንያትዶ ኣሎና ኢዩ? ከምኡውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣዕሩኽና ክበጽሑና ኢሎም ፍሉይ መደብ እንተ ዘይገበሩ ንቕየምዶ ኢና? እቶም ቀብሪ ኣብ ካልእ ቦታ ተፈጺሙ ከሎ በጻሕቲ ክመጽዎም ኮፍ ኢሎም ዝጽበዩ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሰባት: እቲ ንዓና ዘሎና ተስፋ የብሎምን። ነቲ ኣብ መክብብ 7:8, 9 ዘሎ ቃላት ኣብ ኣእምሮና ሒዝና: ኣብ ኣገልግሎቱ ብምቕጻል ጾርና ናብቲ ኣምላኽ ምጽንናዕ ዝኾነ የሆዋ ምድርባይዶ ኣይሓይሽን? ኣሕዋትና ኸኣ ግዜ ዓዲጎም ጥቕምታት ናይታ መንግስቲ ክደልዩ የኽእሎም።
10 ከምዚ ዝበለ ናይ ጓሂ ግዜያት ብቓላትን ብግብርን ምስክርነት ክትህብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይህብ ኢዩ: በዚ ድማ ክፍሊ ናይዛ ተስፋ ዘይብላ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዘይኰንና ነርኢ። ኣብ ዘተሓታትት ባህልታት ብዘይ ምክፋልና ንጐረባብትን ኣዝማድን ነቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ክርእዩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። እቲ ቀሊል ኣቀራርባና እውን ጽቡቕ ምስክርነት ይህብ ኢዩ። እቲ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት—ተስፋ ናይ ትንሳኤ: ምኽንያት ናይ ሞት ከምኡውን ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት—ዘተኮረ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ገለ ጽቡቕ ሓሳባት ክውስኽ ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሕያውነት ዘለዎ ተግባራት ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ: ትራክት ወይ ድማ ካልእ ሕታማት ንበጻሕቲ ክንሃንጽ ምጥቃምና: ብብሕትና እቲ ብርሃንና ከም ዝበርህ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:14–16) ስቕ ኢልካ ኮፍ ኣብ ክንዲ ምባልሲ ከምዚኦም ዝበሉ ጻዕርታት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሹ ኢዮም!
ጓሂ
11 በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ናይ ሓዘንና መግለጺ በቲ ዘደንቕ ተስፋና ክሃድእን ሚዛናዊ ክኸውንን ኣለዎ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ኣብ ትሕቲ እታ “ሓዘን” እትብል ኣርእስቲ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ግዜ ናይ የሱስ ምድራዊ ህይወት ሓዘን ብናይ ሰባት ደጋዊ መግለጺ ከምኡውን ዘሰንዮ ዝነበረ ድምጽን ሕንፍሽፍሽን ብተደጋጋሚ ይግበር ነበረ። ምንም እኳ የሱስ ‘ብውሽጡ እንተ ኣሕነቕነቐ’ ከምኡውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እንተ ነብዐ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተራእየ ኣዝዩ ናይ ጃህራ መግለጺ ከም እተጠቕመ ጸብጻብ የለን።” (ጥራዝ 2: ገጽ 447) ኣብነቱ ክንቀድሖ ዝግባእ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ጓሂ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ከም እንነብዕ ክገብረና ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ እቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ብርቱዕ ኣውያት ብምጅማር ነቲ ሓዘን ኣዝዩ ከም ዝብርትዕ ክገብርዎ ይርኣዩ ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ ነቲ ምዉት ይስዕምዎ ኢዮም። ከምዚኦም ዝበሉ መግለጺታት ካብ ልቢ ዝብገሱ ዘይኰኑስ ርኣይቲ ንምምራኽ ኢልካ ዝግበሩ ኣምሰሉ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይኰንና: ከምቶም ግጕይ ኣመለኻኽታ ዝኽተሉ ኰይንና ክንርአ ንደሊዶ ኢና?—ዮሃ. 17:14
12 ኣብ ብዙሓት ክፍልታት ናይ ኣፍሪቃ: ገለ ከባቢታት ናይ ኢትዮጵያ ከምኡውን ኣብ ሃገርና ዘለዉ ገለ ናይ ዓሌት ጉጅለታት: ኣብቲ መንፈስ ናይቶም ዝሞቱ ህያው ስለ ዝኾነት ብዝርአ ነገር ገይርካ ክትእበድ ኣለዋ ዝብል እምነት እተመስረተ ባህልታት ኣለዎም። እዚ ባህልታት እዚ ነቲ ሰባት ክዝምሩ: ክቑዝሙ ወይ ኣልኮል ክሰትዩ ምሉእ ለይቲ ነቒሖም ዝሓድሩሉ በዓላት የጠቓልል ኢዩ። ኣንስቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ይኽደና: ኣብ ምድሪ ኮፍ ይብላ: ርእሰን ይነጽያ: ፍርቂ ነብሰን ኣይክደናን: በቶም መናፍስቲ ምእንቲ ክስምዓ ይበኽያ: ይንቅጥቀጣ ወይ ድማ ሓቢረን የልቅሳ። ካልኦት ብዙሓት እንስሳታት ብምሕራድ የብዕሉን ይስዕስዑን ይኾኑ። ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ መስዋእቲ ኣብ ምዱብ መዓልትታት ይገብሩ ከምኡውን ምጽንባል ናይ መቓብር ሓወልቲ ኣብ ውሱን መዓልቲ ይገብሩ። ኵሉ እዚ ምስቲ ምዉታት ምንባር ይቕጽሉ ኢዮም ዝብል ናይ ሰይጣን ሓሶት እተታሓሓዘ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ገለ ነገር ከም ዘይፈልጡ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ።—ምስ ዘዳግም 14:1, 2 ኣነጻጽሮ።
13 ርግጽ ኢዩ: እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ነቲ ፍልይ ዝበለ ጠባይና ከስተብህልሉ ኢዮም። ገሊኦም ክነቕፍዎ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር ንዓለም ብኹሉ ሸነኽ ከነሐጕሳ ከም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን።” (2 ጢሞ. 1:7) ብዘየድሊ መዐንቀፊ ዘይንኸውን እኳ እንተኾንና: ዓለማውያን ሰባት ብዛዕባና እንታይ ይሓስቡ ይኾኑ ብዝብል ፍርሂ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ክንለማመጠሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘለዎም ቅኑዓት ሰባት: በቲ ኣቕዋምና ተገዳስነቶም ተለዓዒሉ ናብ ሓቂ ክሰሓቡ ይኽእሉ ይኾኑ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ዓለማውያን ሰባት ኣብ ናይ ሓደ ክርስትያን ገዛ ክርስትያናዊ ዘይኰነ ባህልታት ክገብሩ ይሓቱ ይኾኑ። እቲ ክርስትያን ንከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብሕያውነት ግን ጽኑዕ ኰይኑ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ: ክገብሩ ዝደልዩ እንተድኣ ኰይኖም ግን ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ክነግሮም ይኽእል ኢዩ። እቲ ርእሲ ናይታ ስድራቤት ነቶም ዘይኣምኑ ኣዝማድ ክቆጻጸሮም ዘይክእል እንተድኣ ኰይኑ: እቶም ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ከም ዘይሰማምዑ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም: በዚ ድማ ምስቲ ብየሆዋ እተኾነነ ልምድታት ክተኣሳሰሩ ከም ዘይደልዩ የርእዩ።
ወጻኢታት
14 ናይ ቀብሪ ወጻኢታት ብኸመይ ከም እትሽፍኖም እውን ሕቶታት ተላዒሎም ኢዮም። ከምቲ እተገልጸ ቀሊል ዝኾነ ኣቀራርባ ወጻኢታት ክቕንስ ይኽእል ኢዩ። ንጉባኤታትና ዝኸውን ናይ ቀብሪ ገንዘብ ስለ ዘይብልና ከምኡውን ብእተመሓደረ ውጽኢት ክግበር ስለ ዘይንልምን እቶም ስድራቤት ናይቲ መዋቲ ገንዘብ ክምድቡ ኣለዎም። ገሊኦም ይልቅሑ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ነቶም እተሸገሩ ስድራቤት ብውጽኢት ይኹን ብለቓሕ መልክዕ ብሕታዊ ናይ ገንዘብ ደገፍ ምግባር ተቓውሞ የብሉን። ግን: ጉጅለታት ኣሕዋት ንቐብሪ ዝኸውን ገንዘብ እትእክብ ማሕበር ከቑሙ ክዓዩ እንተድኣ ጀሚሮምሲ: ከምቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ናይ ሞት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣይንኸውንንዶ? እተን ኣብ መዝሙር 37:25 ከምኡውን እብራውያን 13:5, 6 ዘለዋ ቓላት ድሮ ሓቂ ምዃነን ኣረጋጊጸን ኢየን: ገናውን ከምኡ ኢለን ክቕጽላ ኢየን።
15 መጽሓፍ ቅዱስ ሕያውነትን ልግስን ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ: ገለ ሰባት ነቶም እተሸገሩ ክድግፉ ከም እተለዓዓሉ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። (እብ. 13:16፣ ያእ. 1:27፣ 2:15–17) ናይ ሓቂ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩ: ገለ ነቲ ናይ ካልኦት ሸኸም ብምጻር ብወለንታ ፍቕሪ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (ገላ. 6:5) እዚ ኣብቶም ብምኽንያት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብ ብምስኣኖም ዝሓዝኑ ዘለዉ ኣሕዋቶምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮን ተገዳስነት ዘለዎ ፍቕሪ ብምርኣይ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ። (ዮሃ. 13:35) ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚታት ከምዚ ዝዓይነቱ ብብሕቲ ዝግበር ሓገዝ እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ነቶም ዝግብኦም ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:3, 8–10, 16 ዘሎ ምኽሪ በታ ጉባኤ ገለ ምድላው ክግበር ከም ዝኽእል የርእየና። እቲ ሓሳባት ናይቲ ምኽሪ ቀንዲ ሓላፍነት ኣብ ኣባላት ናይ ስድራቤት ኢዩ ዝገብር: ይኹን እምበር ነቲ ንቐሊል ናይ ቀብሪ ስነ–ስርዓት ንምግባር ንድኻታት መበለታት ብወግዒ ብጉባኤ ደረጃ ዝግበር ሓገዝ የፍቅዶ ኢዩ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ሽማግለታት ክዘራረብሎም ኢዮም: ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ውሳኔታት ናብ ጉባኤ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።
16 ነቲ ሞት ዘይብሉን ዝሞቱ ፍቑራት ብትንሳኤ ዝምለስሉን ግዜ ብሃንቀውታ እናኣማዕደና: ዘጸናንዕ ብስራት ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝኾኑ ሰባት ከነብጽሓሎም ግዜ ንዕድግ ኢና። ከምዚ ብምግባር ካብዛ ተስፋ ዘይብላ ዓለም እተፈለና ምዃንና ነርኢ: ከምኡውን ብመንፈስ ንጹሃት ክንከውን ንጽዕር።