ንኻልኦት ክትጠቅም ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተኸታተሎም
1 ጽሑፍና ምስ ሓደ ሰብ ክንገድፍ ከም ዘሎናን ዘይብልናን ክንውስን ዝሕግዘና ቀንዲ ረቛሒ እንታይ ኢዩ፧ ተገዳስነት! ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባርውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዋላ ንእሽቶ እውን ትዅን ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዩ: ነቲ ሰብ ምእንቲ ክንሕግዞ ዝከኣለና ዘበለ ኢና ክንገብር እንደሊ። ስለዚ ነቲ ናይቲ ሰብ ተገዳስነት ንምዅስኳስን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ዕላማ ብምግባር ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብር ኢና። ዋላውን ጽሑፍ ኣይንግደፍ: እዚ ዕላማና ኢዩ። እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧
2 እቲ ናይ ዝሓለፈ ዝርርብካ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ መርዓ ሽግር እንተድኣ ነይሩ እሞ ንመጽሓፍ “ንዘለኣለም መንባር” ገዲፍካሉ እንተድኣ ነይርካ: ንዝርርብካ ብኸምዚ ክትከፍቶ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ናይ ዝሓለፈ ምብጽሐይ: ብዛዕባ መርዓን ዝዓበየ ሓጐስ ንኽትረክብ ክሕግዝ ዝኽእል ተግባራዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽርን ተዘራሪብና ነይርና። ኣብተን ዝበለጻ ስድራቤታት ዝበሃላውን ከይተረፈ: ሓሓሊፉ ሽግራት ከም ዝልዓልሲ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ናይ ስድራቤት ርክባት ዝለዓል ሽግራት ክንፈትሕ ክሕግዘና ዝኽእል ብሉጽ ምኽሪ ይህበና ኢዩ። ሓንቲ ስድራቤት ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓቢራ ብምጽንዓ ክትባረኽ ትኽእል ኢያ።” ኣብ ገጽ 246 ገንጽል እሞ ንቝጽሪ 23 ተመያየጠሉ። ንዮሃንስ 17:3 ኣንብብ: ከምኡውን እታ ስድራቤት ኣብ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ክትጅምር ክትሕግዛ ደገፍካ ወፊ።
3 ብዛዕባ ቈልዑን ዘድልዮም ምልምማድን ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ነቲ ምይይጥ ብኸምዚ ኣገባብ ክትቅጽሎ ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ንቈልዑ ዘድልዮም መንፈሳዊ ምልምማድን ብኸመይ ወለዲ ክሕግዝዎም ከም ዝኽእሉን ተዘራሪብና ነይርና። ዝበዝሑ ዘዘራረብክዎም ወለዲ ብዛዕባ ሕማቕ ጠባይ ናይ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት ይስምብዱ ኢዮም ዘለዉ። ብዛዕባ . . . እንታይ ትሓስብ፧ [ኣብ ከባቢኻ ብተደጋጋሚ ዝርአ ናይ መንእሰያት ሕማቕ ጠባይ ዝገልጽ ኣብነት ጥቐስ። መልሲ ተጸበ።] ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ተግባራዊ ምኽሪ ከርእየካ።” ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 246 ገንጺልካ ቍጽሪ 22 ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ተመያየጠሉ: ከምኡውን ንኤፌሶን 6:4 ኣንብብ። ዝበዝሑ ቈልዑ ተግሳጽን መምርሕን ከም ዘድልዮም ኣመልክት። ወለዲ ነዚ ኣብ ምግባር ትጉሃት እንተድኣ ኰይኖም: እቶም ቈልዑ ሕጕሳትን ብጠባዮም ድማ ዝያዳ ኣኽበርትን ኢዮም። ምስ ደቅና ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነጽንዕ ግለጸሎም።
4 እቲ ናይ መዘራረቢ ኣርእስትኻ ገነታዊት ምድሪ እንተድኣ ነይሩ: ነቲ ተገዳስነት ከተለዓዕሎ ከምዚ ክትብል ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣምላኽ ገነት ክገብራ ከሎ ምድሪ አንታይ ከም እትመስል ዘርኢ ገለ ስእላዊ መግለጺታት ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ርኢና ነይርና። ምስ ፍቑራትና ከነስተማቕሮ ዘይንኽእል እንተድኣ ኰይንና ንዓና ትርጕም ኣይምሃለዎን ነይሩ። ኣይትሰማምዓሉንዶ፧” መልሲ ተጸበ። ናብ ገጽ 162 ናይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገንጽል። ንራእይ 21:3, 4 ኣንብባ: እሞ ፍቑራትና ብኸመይ ኵሉ ግዜ ምሳና ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ግለጽ። ጽቡቕ መልሲ እንተድኣ ኣልዩ: ምዉታት ናብ ህይወት ክምለሱ ምዃኖም ንምርኣይ ንዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብባ። ናብቲ ገበር ናይታ መጽሓፍ ብምምልካት ከምዚ በል:- “ብርግጽ ሓቂ ኢዩ—ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና!” ቀረባ ምዃኑ ስለምንታይ ከም ዝፈለጥናዮ ክትመያየጥ ንኻልእ ምብጸሕ መደብ ግበር።
5 እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገደስቲ ሰባት ካብቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ክጥቀሙ ንምሕጋዝ ኢዩ። ዝበዝሑ ሰባት ነቲ ናይ መንፈሳዊ ነገራት ሸውሃቶም ንምዕባይ ዝድርኽ የድልዮም ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝበለጸ ንኽርድእዋ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ብምግናን: ኣቓልቦኦም ናብ ሓደ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ውሱን ተግባራዊ ቁም ነገር ምርሓዮ። ነዞም ሸቶታት እዚኣቶም ዝፍጽሙ ተመላሊስካ ምብጻሕ ካልኦት ንገዛእ ርእሶም ክጠቕሙ ብዝበለጸ ክሕግዞም ኢዩ።