ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ክጠቕሙ ንኻልኦት ሓግዝ
1 የሆዋ እቲ ክንፈልጦ ዘድልየና ክምህረና ተመባጺዑ ኢዩ። ኣብ መዝሙር 32:8 ከምዚ ብምባል የረጋግጽ:- “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።” እዚ መረጋገጺ እዚ ንዓና ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎ። ብዘይስስዐ ካልኦት ካብቲ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። (ኢሳ. 48:17) ኣብ ወርሒ መስከረም ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ብምብርካት ነዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ኣብቲ እንገብሮ ምቅርራብና: ነቲ ተግባራዊ ቁም ነገር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከነርእየሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ።
2 ነቲ ሎሚ ኣብ መርዓ ዘሎ ሽግር ኣብ ግምት ብምእታው: ካብ መጽሓፍ “ንዘለኣለም ምንባር” እዚ ሓሳብ እዚ ከተቕርብ ትመርጽ ትኸውን:-
◼ “ዝበዝሑ ካብቶም ዘዘራረብክዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝንህር ዘሎ ወሰኽ ኣብ ሓዳር ዘይምሕጓስን ፍትሕን ኣዝዮም ይጭነቑ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ሽግር እዚ ከመይ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ነቲ ቀንዲ ምኽንያቱ ክርድእዎ ኣይክኣሉን። ቅኑዕ ጻዕሪ እንተድኣ ገይሮም: ሰብ ሓዳር መርዕኦም ከድሕኑ ይኽእሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓቀኛ ሓጐስ እውን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ መፍትሕ ናይ ዓወት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ።” ኤፌሶን 5:28, 29, 33 ኣንብብ። ገጽ 243 ገንጺልካ ቍጽሪ 16ን 17ን ተመያየጠሎም: ብድሕሪኡ ነታ መጽሓፍ ኣበርክታ።
3 ቈልዑ ካብ ወለዲ ብሉጽ ግዜን ልምምድን የድልዮም። ንመጽሓፍ “ንዘለኣለም ምንባር” ከተበርከታ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኵልና ብዛዕባ መጻኢ ድሕነት መንእሰያትና ንግደስ ኢና። ብናትካ ኣረኣእያ ወለዲ ደቆም ዕቝባ ዘሎዎ መጻኢ ክህልዎም ክሕግዝሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ 3, 000 ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ስማዕ። [ንምሳሌ 22:6 ኣንብብ።] ደቅና ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝረኽብዎ መምርሒ ብዙሕ ክጥቀሙ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ ዝበዝሐ ጠቓሚ ምልምማዶም ኣብ ቤት ብወለዶም ኢዩ ዝወሃቦም። ግዜ: ኣቓልቦ: ከምኡውን ፍቕሪ ይሓትት ኢዩ: ይኹን እምበር እቲ ጻዕሪ ዋጋ ዘለዎ ኢዩ።” ናብ ገጽ 245 ገንጺልካ ንቝጽሪ 20ን 21ን ተመያየጠሎም: ብድሕሪኡ እታ መጽሓፍ ብኸመይ ንናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክትዓዪ ከም እትኽእል ግለጽ።
4 ብኸመይ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ኣርኢኻ ንመጽሓፍ “ንዘለኣለም ምንባር” ከተበርክታ ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወትካ ኵነታት ከም እትሓስብ ርግጸኛ ኢየ። ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት: የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ክኸውን ክንጽሊ ምሂሩና ኢዩ። እዚ ምስ ተፈጸመስ ምድሪ እንታይ ክትመስል ኢያ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዚ ናይ ስኣላይ መርኣያ ናይ ገነታዊት ዓለም እንሆ። [ናብቲ ኣብ ገጽ 12ን 13ን ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣመልክት። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 12 ዘሎ ናይ ኢሳይያስ 11:6-9 ጥቕሲ ኣንብቦ።] ኣብ ከምዚኣ ዝዓይነታ ዓለም ክትነብርሲ ዘደንቕዶ ኣይኰነን፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንስኻን ስድራቤትካን ብኸመይ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ገነት ክትነብሩ ከም እትኽእሉ ከተርእየኩም ኢያ።”
5 ንኣቀራርባኻ ኣቐዲምካ ምድላው: ኣብቲ ማዕጾ ናይ ዓወትካ ቀንዲ ወሳኒ ረቛሒ ኢዩ። ቅድሚ ምዅሕኳሕካ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ እትዛረቦ ገለ ውሱን ነገር ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ። ከምኡውን ነታ መጽሓፍ ምስ ዘይቅበልዋ: ብዛዕባ ናይቲ ከተበርክቶ ዝመደብካ መጽሔት ወይ ትራክት ዘገድስ መግለጺ ሓጺር ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። ኣብ ወርሒ መሰከረም ነፍሲ ወከፍ ዘሎካ ኣጋጣሚ ነቲ ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ንምዝራእ ተጠቐመሉ። (መክ. 11:6) ካልኦት ንዘለኣለም ዝነብር ጥቕምታት ንኽሓፍሱ ክትሕግዞም ኢኻ።