ንደቅኻ እንታይ ሸቶታት ኢኻ ኣዳሊኻሎም ዘሎኻ፧
1 ኣብ ህይወት ዓወት ዝርከብ ዋጋ ዘለዎ ሸቶታት ኣብ ምውጻእን ምብጽሖምን እተመርኰሰ ኢዩ። እቶም ዘይረብሕ ወይ ዘይብጻሕ ሸቶታት ዘውጽኡ ብጓህን ከይተፈጸሙን ኢዮም ዝተርፉ። ነቲ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ክትረክብ’ ኣየኖት ዕላማታት ክትክተል ከም ዝግበኣካ ንኸተለሊ ጥበብ ይሓትት ኢዩ። (1 ጢሞ. 6:19) የሆዋ ብቓሉን ማሕበሩን ገይሩ ኣየናይ መገዲ ብልክዕ ክንከይድ ከም ዝግብኣና ስለ ዝሓበረናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ክንከውን ኢዩ ዝግብኣና!—ኢሳ. 30:21
2 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መምርሒ ብምሃብ: የሆዋ ንወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ሰሪዑሎም ኣሎ። ጥበበኛታት ወለዲ: ነቶም ተሞክሮ ዘይብሎም ደቆም እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ ክመርጹ ኣብ ክንዲ ዝገድፍዎም: ነቲ ክኸድሉ ዝግብኦም መገዲ የለማምድዎም እሞ ምስ ዓበዩ ‘ኻብኣ ኣየኬላግሱን ኢዮም።’ (ምሳ. 22:6) ክርስትያን ወለዲ ካብ ተሞክሮ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርዲ ክምርኰሱ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ኢዮም፣ ኣብ የሆዋ ክውከሉ ኣለዎም። (ምሳ. 3:5, 6) እዚ: ኣብቶም ውሱን ፍልጠትን ተሞክሮን ዘለዎም ቈልዑ ዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ።
3 ወለዲ ንደቆም ኣብቲ “ዝሓይሽ” ዘበለ ምእንቲ ከተኵሩ ዝሕግዞም ዋጋ ዘለዎ ሸቶታት ክቕርብሎም ይኽእሉ ኢዮም። (ፊል. 1, 10) ነቶም ቈልዑ ነቲ ኣገዳስነቱ ከማስውሉን ካብኡ ክማሃሩን ብምትብባዕ: ብናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክጅምርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ቈልዑ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣቐዲሞም ከጽንዑን ብናቶም ቃላት ሓሳባት ክህቡ ክዳለዉን ልምዲ ከጥርዩ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ስርዓታዊ ተሳታፍነት ኣገዳሲ ኢዩ። ጕብዝ ዝበሉ ቈልዑ ትራክትታት ኣብ ምዕዳል: ጥቕስታት ኣብ ምንባብ: ወይ መጽሔታት ኣብ ምብርካት ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም። ከንብቡ ምስ ከኣሉ: ኣብ ቲኣክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምምዝጋብ ንመንፈሳዊ ምዕብልናኦም ከቀላጥፎ ይኽእል ኢዩ። ከም ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ኴንካ ምብቃዕ ወይ ንኽትጥመቕ ቅቡል ክትከውን ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ኢዩ።
4 ደቆም ነቲ ናይ ኮተቴ ዕድመ ክቃረብዎ ከለዉ ወይ ድማ ቅድሚኡ: ወለዲ ብክውንነታዊ መገዲ ብዛዕባ ናይ ህይወት ሸቶታት ከዘራረብዎም ኣለዎም። ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርትን መማህርትን ዓለማውን ስጋውን ጕያ ንኽሕዙ ብቐሊሉ ክጸልውዎም ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲ ንደቆም ነቲ ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ከይሰውኡ ንስጋዊ ድሌቶም ከማልኡ ዘዕጥቖም ናይ ስራሕ ምልምማድ ከህቦም ዝኽእል ዓይነት ትምህርቲ ክመርጹ ክሕግዝዎም ኣለዎም። (1 ጢሞ. 6:6-10) ነቲ “ውህበት” ናይ ንጽል ክቕጽልዎ ክተባብዑ ይኽእሉ ኢዮም: ድሓር ጸኒሖም ክምርዓዉ እንተድኣ ወሲኖም ነቲ ናይ መርዓ ከቢድ ሓላፍነታት ክስከምዎ ክኽእሉ ኢዮም። (ማቴ. 19:10, 11፣ 1 ቈረ. 7:36-38) ብዛዕባ ፓይነር ምዃን: ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ምግልጋል: ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት: ወይ ሚስዮናዊ ንጥፈታት ብኣወንታዊ መገዲ ብምዝራብ: ወለዲ ንቈልዑ ኣዝዮም ዕሸላትውን ከለዉ ንህይወቶም ንየሆዋ ብዘሐጕስ: ንኻልኦት ብዝጠቅም: ከምኡውን ንገዛእ ርእሶም በረኸት ብዘምጽእ መገዲ ክጥቀምሉ ኣብ ውሽጦም ክሰርጸሎም ይኽእል ኢዩ።
5 ሎሚ ኣብታ ማሕበር ነቲ ዝለዓለ ክርስትያናዊ ጠባይ ሒዞም ከምኡውን ቲኦክራቲካዊ ሸቶታት ዝስዕቡ ብዙሓት መንእሰያት ዘለዉና በጋጣሚ እተረኽቡ ኣይኰኑን። ዝበዝሐ ካብቲ ዓወቶም ብምኽንያት ፈቃራት ወለዲ ኢዩ። ወላዲ እንተድኣ ኴንካ ደቅኻ ናበይ ኣቢሎም ኢዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ፧ ናብቲ ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ዘተኰረ ህይወት ገጾም እናማዕበሉ ድዮም ዝስጕሙ ዘለዉ፧ ሓደ ካብቶም ክትገብሮም እትኽእል ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ደቅኻ ሓቂ ከተስርጽን: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባኡ ክትዛረብን ምዃኑ ዘክር። ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እምንቲ ብዝዀነት ስድራቤት ክትባረኽ ትኽእል ትኸውን።—ዘዳ. 6:6, 7፣ እያ. 24:15