ደቅኻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኣሰልጥኖም
1. መዝሙር 148:12, 13 ንክርስትያን ወለዲ እንታይ ንምግባር እያ እትድርኾም፧
1 የሆዋ ንመንእሰያት፡ ኪውድስዎ ዓዲምዎም ኣሎ። (መዝ. 148:12, 13) ስለዚ እምበኣር፡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታትን ነቲ ኣምላኽ ዜውጽኦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ካብ ምምሃር ንላዕሊ ኺገብሩ ኣለዎም። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ እውን የሰልጥንዎም እዮም። በብግዜኡ ኼሰልጥንዎም ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧
2. ሓደ ወላዲ ጽቡቕ ኣብነት ምስ ዚኸውን፡ ንደቁ ብኸመይ እዩ ኺጸልዎም ዚኽእል፧
2 ጽቡቕ ኣብነት፦ እቲ መስፍን ዝነበረ ጊዴዎን ን300 ሰቡ፡ “ንኣይ ርአዩ” በሎም። (መሳ. 7:17) ቈልዑ ብተፈጥሮኦም ንወለዶም ኪርእዩን ኪመስሉን እዮም ዚደልዩ። ሓደ ናይ ለይቲ ዚሰርሕ ኣቦ፡ ቀዳም ንግሆ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ኣብ ክንዲ ዚድቅስ፡ ደኺሙ ኽነሱ ንደቁ ናብ ኣገልግሎት እዩ ሒዝዎም ዚኸይድ። በዚ ኸምዚ፡ ኣገልግሎት ቀዳምነት ኪወሃቦ ኸም ዚግባእ ብዘይ ቃል መሃሮም። (ማቴ. 6:33) ኣብ ከም ጸሎት፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባት ምሃብ፡ ስብከት ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኽፍሊ ኣምልኾ ብሓጐስ ክትካፈል ከለኻ፡ ደቅኻ ይርእዩኻ ድዮም፧ ፍጹም ኣብነት ክትከውን ከም ዘይትኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን ደቅኻ፡ ንየሆዋ ብትግሃት ከተገልግሎ ኸለኻ ምስ ዚርእዩ፡ ነቲ ንየሆዋ ምእንቲ ኼምልኽዎ ኢልካ ንምምሃሮም እትገብሮ ጻዕሪ ኣወንታዊ ምላሽ ኪህቡሉ እዮም።—ዘዳ. 6:6, 7፣ ሮሜ 2:21, 22።
3. ወለዲ ንደቆም በብግዜኡ እንታይ ኪወቕዕዎ ዚኽእሉ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኼውጽኡ እዮም ኪሕግዝዎም ዘለዎም፧
3 በብግዜኡ ዚብጻሕ ሸቶታት፦ ወለዲ ንደቆም ታተ ኺብሉ፡ ኪዛረቡ፡ ክዳኖም ባዕሎም ኪኽደኑ፡ ካልእ ነገራት እውን ንኺገብሩ ኸይተሓለሉ የሰልጥንዎም እዮም። እወ፡ ቈልዑ ኣብ ሓደ ደረጃ ኺበጽሑ ኸለዉ፡ ወለዶም ካልእ ዘይበጽሕዎ ሸቶ እዮም ዜውጽኡሎም። እቶም ወለዲ፡ ክርስትያን እንተ ዀይኖም፡ ንደቆም ዕድሚኦምን ክእለቶምን ኣብ ግምት ብምእታው መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡን ሸቶታቶም ንኺወቕዑን ይሕግዝዎም እዮም። (1 ቈረ. 9:26) ንደቅኻ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ሓሳብ ኪህቡን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንእተዋህቦም ክፍልታት ኪዳለዉን ትምህሮምዶ ኣለኻ፧ (መዝ. 35:18) ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ንኺካፈሉ ተሰልጥኖምዶ ኣለኻ፧ ንኺጥመቑን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺካፈሉን ሸቶ ተውጽኣሎምዶ ኣለኻ፧ ኬተባብዕዎም ምስ ዚኽእሉ ሕጉሳት ወንጌላውያን ከም ዚቀራረቡዶ ትገብር ኣለኻ፧—ምሳ. 13:20።
4. ወለዲ ንደቆም ካብ ቍልዕነቶም ጀሚሮም ኣብ ኣገልግሎት ምስ ዜሰልጥንዎም ብኸመይ እዮም ዚጠቕምዎም፧
4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፡ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ” በለ። (መዝ. 71:17) ደቅኻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኪዀኑ ኻብ ቍልዕነቶም ጀሚርካ ኣሰልጥኖም። መንፈሳዊ መሰረት ንኼንጽፉ እንተ ሓጊዝካዮም ምስ ዓበዩ ኺጠቕሞም እዩ።—ምሳ. 22:6።