ወለዲ—ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርኩም ኣላምድዎም
1 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።” (ምሳሌ 22:6) ወለዲ: ውሉዳትኩም ካብ መገዲ ሓቂ ‘ኸየልግሱ’ እንተድኣ ደሊኹም: ካብ መዓስ ጀሚርኩም ኢኹም ከተላምድዎም ዘለኩም፧ ካብ ሕጻንነቶም!
2 ጳውሎስ: ንጢሞቴዎስ እተዋህቦ መንፈሳዊ ትምህርቲ “ካብ ሕጻንነት” ከም ዝጀመረ ምዝራቡ: ገና ናጽላ ኸሎ ትምህርቲ ኽወሃቦ ኸም ዝጀመረ ኢዩ ዘመልክት። (2 ጢሞ. 3:14, 15 NW ) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ጢሞቴዎስ ምስ ዓበየ ንፉዕ መንፈሳዊ ሰብ ኰነ። (ፊል. 2:19-22) ወለዲ: ንስኻትኩም እውን ንውሉዳትኩም ‘ካብ ሕጻንነቶም’ ጀሚርኩም ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽዓብዩ’ ከተላምድዎም ኣለኩም።—1 ሳሙ. 2:21
3 ንኽዓብዩ ዘድልዮም ማይ ኣስትይዎም:- ልክዕ ከምቲ ፈልሲ ዓብዪ ኦም ንኽኸውን ብቐጻሊ ማይ ክሰቲ ዘድልዮ: ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ እውን ዓብዮም ብሱላት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኽዀኑ እኹል ማይ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ኽረኽቡ የድልዮም ኢዩ። ንውሉዳት ሓቂ ንምምሃርን ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኽምስርቱ ንምሕጋዝን ዘኽእል ቀዳማይ መገዲ ስሩዕ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እንተዀነ ግን ወለዲ: ውሉድኩም ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ብኣቓልቦ ኽሰምዕ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእትዉዎ። ንነኣሽቱ ቘልዑ ኣብ እተወሰነ እዋን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መጽናዕቲ ኻብ ምግባር ንላዕሊ: ሕጽር ዝበለ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ትምህርቲ ኢዩ ዝያዳ ውጽኢታዊ።—ዘዳ. 11:18, 19
4 ውሉዳትኩም ንኽመሃሩ ዘለዎም ዓቕሚ ኣትሒትኩም ኣይትርኣይዎ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ዝገልጽ ዛንታ ኣዘንትውሎም። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈጸመ ፍጻመ ስእሊ ኸም ዝስእሉ ወይ ከም ዝዋስኡ ግበርዎም። ቪድዮታትናን ኣውድዮ ካሴታትናን ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማታትና ብግቡእ ተጠቐምሉ። ከከም ዕድመን ዓቕምን ውላድኩም ነቲ ናይ ስደራቤት መጽናዕቲ ቐያይርዎ። ኣብ መጀመርታ ዝወሃብ ልምምድ መባእታውን ሒደትን ኢዩ ዝኸውን፣ ውሉድኩም እናዓበየ ምስ ከደ ግን ሰፊሕን ቀጻልን ስልጠና ኽወሃቦ ይግባእ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህያውን ዘየሰልክን ግበርዎ። ውሉዳትኩም ነቲ ቓል ‘ባህጊ’ ኸሕድሩ ትደልዩ ኢኹም: እምበኣር ነቲ መጽናዕቲ ብእተኻእለኩም መጠን ማራኺ ግበርዎ።—1 ጴጥ. 2:2
5 ኣብ ጉባኤ ኸም ዝካፈሉ ግበርዎም:- ውሉዳትኩም ኣብ ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽካፈሉ ብቐጻሊ ሸቶ ኣውጽኡሎም። ቀዳማይ ሸቶ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ክልተ ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለዉዎም ወለዲ “ክልቲኦም ቈልዑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ሰጥ ኢሎም ኮፍ ብምባል ኢዮም ክለማመዱ ጀሚሮም” በሉ። ድሕሪ ግዜ: ውሉዳትኩም ኣብ ኣኼባታት ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣዘራርባ ሓሳብ ክህቡን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽምዝገቡን ሓግዝዎም። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክበጽሕዎ ዘለዎም ሰናይ ሸቶታት ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከዱ ኸለኹም ትራክት ምዕዳል: ጥቕሲ ምንባብ: መጽሔት ምዕዳል: ከምኡውን ምስ ሰብ ቤት ትርጕም ዘለዎ ዝርርብ ምግባር ኢዩ።
6 ብውዕዉዕ መንፈስኩም ኣብነት ኵንዎም:- ውሉዳትኩም መዓልታዊ ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረቡን ናብኡ ኽትጽልዩን ድዮም ዝሰምዑኹም፧ ቃሉ ኸተጸንዑ: ኣብ ኣኼባታት ክትካፈሉ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትሳተፉ: ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባርኩም ድማ ክትሕጐሱ ድዮም ዝርእዩኹም፧ (መዝ. 40:8) እዚ ወሳኒ ኢዩ: ብሓባር ኴንኩም ክትገብርዎ ኸኣ የድሊ። ሓንቲ ዓባይ ጓል ብዛዕባ እታ ሽዱሽተ ደቃ ዓብዮም እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽዀኑ ዝሓገዘት ኣዲኣ ክትዛረብ ከላ “ኣዝዩ ዝመሰጠና: እቲ ናይ ኣደይ ኣብነት ኢዩ—ካብ ቃላታ ንላዕሊ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ” በለት። ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቘልዑ ኸኣ “ ‘የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ኢዩ ዝዋሃቦ’ ዝብል መግለጺ ከም ተራ ሓረግ ዘይኰነስ: ኣገባብ ናብራ ህይወትና ኢዩ ነይሩ” በለት።
7 ወለዲ ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርኩም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ እናመሃርኩም: ብቐጻሊ ሸቶታት እናውጻእኩም: ከምኡውን ብእተኻእለኩም መጠን ብሉጽ ኣብነት እናዀንኩም ኣላምድዎም። በዚ ድማ ሓጐስ ክትረኽቡ ኢኹም!