ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/07 ገጽ 4
  • ደቅኻ ንየሆዋ ኺውድሱ ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደቅኻ ንየሆዋ ኺውድሱ ምሃሮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደቅኻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኣሰልጥኖም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ወለዲ—ንደቅኹም ምስባኽ ኣለማምድዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 5/07 ገጽ 4

ደቅኻ ንየሆዋ ኺውድሱ ምሃሮም

1. ንኣሽቱ ቘልዑ ንየሆዋ ኺውድሱ ይኽእሉዶ፧

1 መዝሙር 148:12, 13 ንንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን “ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” ብምባል ተተባብዖም። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ናይ ዝገበሩ ንኣሽቱ ቘልዑ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: “ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ: . . . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።” (1 ሳሙ. 2:18) ንሰበይቲ ንእማን: ንሰብኣያ ኻብ ለምጹ ኼሕውዮ ዚኽእል ነብዪ የሆዋ ኣብ እስራኤል ከም ዘሎ ዝነገረታ: “ንእሽቶ ጓል” እያ ነይራ። (2 ነገ. 5:1-3) እቶም የሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ ተኣምራት ምስ ገበረ: “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ዝበሉ: ቈልዑ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 21:15) ወለዲ ንደቆም ንየሆዋ ኺውድሱ ኺምህርዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

2. ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብነት:- እስራኤላውያን ኣቦታት ሓቂ ኣብ ልቢ ደቆም ቅድሚ ምስራጾም: ቅድም ንሳቶም ንየሆዋ ኼፍቅርዎን ትእዛዛቱ ኣብ ልቦም ኪገብርዎን እዮም ተኣዚዞም። (ዘዳ. 6:5-9) ብዛዕባ ኣገልግሎት ዜተባብዕ ሓሳባት ትዛረብ እንተ ደኣ ዄንካ: ንኣገልግሎት ድማ ክፍሊ ሰሙናዊ መደብካ እንተ ደኣ ጌርካዮ: ደቅኻ ንኣገልግሎት ኣገዳስን ዜዕግብን ከም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ እዮም።

3. ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ኣብነት ወለዳ እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

3 ሓንቲ ሓብቲ: “ንእሽቶ ኸለኹ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ሓደ ኻብ ልምዲ ስድራቤትና እዩ ነይሩ። ወለደይ ምስባኽ ናይ ሓቂ ኸም ዜሐጕሶም ተዓዚበ እየ። ኣገልግሎት ከም ሓደ ባህ ዜብል ነገር ጌርና እናረኣና ኢና ዓቢና” ብምባል ባህ ዜብል ተዘክሮኣ ትገልጽ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ጓል ሸውዓተ ዓመት ከላ እያ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰይና: ሕጂ ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ካብ እትጽመድ ልዕሊ 32 ዓመት ገይራ ኣላ።

4. ንደቅኻ በብደረጃኡ ምስልጣን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 በብደረጃ ዚወሃብ ስልጠና:- ኣገልግሎት ክትከዱ ኸለኹም ንደቅኹም ተማልእዎም። ደወል ማዕጾ ኺድውሉ: ነቲ ብዓል ቤት ትራክት ኪህብዎ: ወይ ጥቕሲ ኼንብቡ ይኽእሉ ይዀኑ። እዚ ነቲ ኻብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሓጐስ ኪውስኸሉን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምክፋል ክእለቶም ኪተኣማመኑን ኪሕግዞም እዩ። እናዓበዩ ኪኸዱ ኸለዉ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ተሳትፎ ኺውስኽ ይግባእ። ስለዚ: ዕቤት ኪገብሩን ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪሓስቡን ሓግዝዎም።

5. ሓደ ቘልዓ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንኪኸውን እንታይ የድልዮ፧

5 ደቅኹም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኪዀኑ ብቕዓት ዘለዎም ኰይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዕኩምን ንሳቶም እውን ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ እንተ ደኣ ገሊጾምልኩምን: ከይደንጐኹም ንሽማግለታት ሓብርዎም። ኣስፋሒ ምዃን: ንየሆዋ ንምውዳስ ናይ ብሕቲ ሓላፍነት ኬሰክሞም እዩ። ሓደ ቘልዓ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንኪኸውን ማዕረ እቶም እተጠምቁ ዓበይቲ ሰባት ኪፈልጥ ከም ዘየድልዮ ኣይትረስዑ። ውሉድካ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይርድኦ ድዩ፧ ስነ-ምግባራዊ መዓቀኒታት መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕብ ድዩ፧ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈልን ከም ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፍለጥን ይደሊ ድዩ፧ ከምዚ እንተ ደኣ ዀይኑ እቶም ሽማግለታት ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ብቑዕ ከም ዝዀነ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።—ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ገጽ 79-82 ርአ።

6. ወለዲ ንደቆም ኬሰልጥንዎም ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ቈልዑ ንየሆዋ ኻብ ልቦም ኪውድስዎ ምምሃር ጻዕሪ ይሓትት። ይኹን እምበር: ንወለዲ: ደቆም መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉ ኻብ ምርኣይ ንላዕሊ ዜሐጕሶም ነገር የልቦን። የሆዋ ድማ ብዓብዪኡ: ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተግባራቱ ኺነግሩ ኸለዉ ይሕጐስ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ