ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 8 ገጽ 71-86
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደስቲ ኣስፋሕቲ
  • ብቕዓታት ምምላእ
  • ንንኣሽቱ ምሕጋዝ
  • ወፈያን ጥምቀትን
  • ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚርከብ ዕቤት ጸብጻብ ምሃብ
  • ናይ ብሕትኻ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ
  • መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ
  • ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧
  • ብሕታዊ ሸቶታት ምውጻእ
  • ኣባጊዕ የሆዋ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የድልየን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • መዓልትን ለይትን ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርቡ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ሳጹን ሕቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 8 ገጽ 71-86

ምዕራፍ 8

ኣገልገልቲ እቲ ብስራት

የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ፡ ክንስዕቦ ዚግባእ ፍጹም ኣርኣያ ገይሩ እዩ ሂቡና። (1 ጴጥ. 2:21) ዝዀነ ይኹን ሰብ ሰዓቢ የሱስ ምስ ዚኸውን፡ ከም ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ እዩ። የሱስ፡ ስብከት ብስራት ዕረፍቲ ዜምጽእ ከም ዝዀነ ኺሕብር ከሎ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 11:28, 29) እቶም ነዚ ጻውዒት እዚ እተቐበሉ ኸኣ፡ እዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

2 የሱስ ቀንዲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንገሊኦም ውልቀ ሰባት ሰዓብቱ ኪዀኑ ጸዊዕዎም እዩ። (ማቴ. 9:9፣ ዮሃ. 1:43) ንዓታቶም ድማ ኣብ ኣገልግሎት ኣሰልጢንዎም፡ ነቲ ንሱ ዚገብሮ ዝነበረ ዕዮ ኺዓይዩ እውን ልኢኽዎም እዩ። (ማቴ. 10:1–11:1፣ 20:28፣ ሉቃ. 4:43) ጸኒሑ፡ ንኻልኦት 70 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኬበስሩ ልኢኽዎም እዩ። (ሉቃ. 10:1, 8-11) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺልእኮም ከሎ፡ “እቲ ንዓኻትኩም ዚሰምዓኩም፡ ንዓይ እውን ይሰምዓኒ። እቲ ንዓኻትኩም ዚንዕቀኩም፡ ንዓይ እውን ይንዕቀኒ። እቲ ንዓይ ዚንዕቀኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 10:16) በዚ ኸምዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ረዚን ሓላፍነት ከም እተዋህቦም ኣጕሊሑ እዩ። እወ፡ ንየሱስን ነቲ ልዑል ኣምላኽን እዮም ዚውክሉ! ኣብዚ ግዜና እውን፡ ኵሎም እቶም ነቲ የሱስ፡ ‘ንዓ ሰዓብየይ ኩን’ ብምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ዚቕበሉ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት እዮም ዚስከሙ። (ሉቃ. 18:22፣ 2 ቈረ. 2:17) ኵሎም እቶም ዚቕበልዎ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን መለኮታዊ መዝነት ኣለዎም።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20።

3 ነቲ የሱስ ክንስዕቦ ዘቕረበልና ጻውዒት ተቐቢልና፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ‘ብምፍላጥና’ ተባሪኽና ኢና። (ዮሃ. 17:3) መገድታት የሆዋ ተማሂርና ኢና። ብሓገዙ ድማ ኣእምሮና ብምሕዳስ ተለዊጥና፡ ሓድሽ ስብእና ለቢስና፡ ኣካይዳና ድማ ምስቲ ቕኑዕ መለክዒታት የሆዋ ኣሰማሚዕና ኢና። (ሮሜ 12:1, 2፣ ኤፌ. 4:22-24፣ ቈሎ. 3:9, 10) ልባዊ ሞሳና ኸኣ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ነዚ ብማይ ብምጥማቕ ከነርእን ደሪኹና እዩ። ክንጥመቕ ከለና ድማ፡ ኣገልገልቲ ዄንና ንምዘዝ ኢና።

4 ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎት ብንጹህ ኣእዳውን ብንጹህ ልብን ኪኸውን ከም ዘለዎ ወትሩ ኽንዘክር ኣሎና። (መዝ. 24:3, 4፣ ኢሳ. 52:11፣ 2 ቈረ. 6:14–7:1) በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ኣቢልና፡ ንጹህ ሕልና ረኺብና ኢና። (እብ. 10:19-23, 35, 36፣ ራእ. 7:9, 10, 14) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ መዐንቀፊ ምእንቲ ኸይኰኑ፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ኪገብርዎ ምዒድዎም እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ኣብነታዊ ኣካይዳ ንዘይኣመንቲ ናብ ሓቂ ንምምጻእ ዘለዎ ጥቕሚ ሓቢሩ ኣሎ። (1 ቈረ. 10:31, 33፣ 1 ጴጥ. 3:1) እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ኣገልጋሊ እቲ ብስራት ንምዃን ምእንቲ ኺበቅዕ፡ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ሓደስቲ ኣስፋሕቲ

5 ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ካብ ዝጀመርካሉ እዋን ኣትሒዝካ፡ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ነገራት ንኻልኦት ኪነግር ኣተባብዓዮ። ንኣዝማዱን ንፈተውቱን ንመሳርሕቱን ንኻልኦት ሰባትን ብዘይወግዓዊ መገዲ ኺዛረብ ይኽእል እዩ። ሓደስቲ ዘበሉ፡ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ፡ ማለት ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ኪዀኑ ኣብ እንምህሮም ትምህርቲ፡ እዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። (ማቴ. 9:9፣ ሉቃ. 6:40) እቲ ሓድሽ ሰብ ብመንፈስ እናዓበየ ምስ ከደን ነቲ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ምስ መለኾን፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሳተፍ ዘለዎ ድሌት ከም ዚገልጽ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ብቕዓታት ምምላእ

6 ንሓደ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ በቤት እናኸደ ኼገልግል ቅድሚ ምውሳድካ፡ እተወሰነ ብቕዓታት ከም ዘማልአ ርግጸኛ ኽትከውን ኣሎካ። ሓደ ሰብ ምሳና ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኪኸይድ ከሎ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሓብር ከም ዝጀመረ እዩ ብግህዶ ዜፍልጥ። ስለዚ ድማ፡ ናብራ ህይወቱ ምስቲ ቕኑዕ መለክዒታት የሆዋ ኸም ዘሰማምዐን ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ከም ዚኽእልን ጌርካ እዩ ዚውሰድ።

7 ምስቲ ሰብ ሓቢርካ መጽናዕቲ ኽትገብርን መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተመያይጦን ከለኻ፡ ኵነታቱ ኽትፈልጥ ትጽቢት ይግበረልካ እዩ። ምስቲ እተማህሮ ተሰማሚዑ ይነብር ምህላዉ ተዓዚብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ሽማግለታት ብዛዕባ ገለ መዳያት ህይወት እቲ ተምሃራይ ንኽልቴኹም ኬመያየጡኹም ይደልዩ ይዀኑ።

8 እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ ክልተ ሽማግለታት (ሓደ ኻባታቶም ኣባል ኮሚተ ኣገልግሎት) ነዚ ጕዳይ እዚ ምሳኻን ምስቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ኪመያየጡሉ መሰናድዎ ኺገብር እዩ። ሒደት ሽማግለታት ኣብ ዘለወን ጉባኤታት፡ ሽማግለን ክኢላ ኣገልጋሊ ጉባኤን ነዚ ኺገብርዎ ይኽእሉ እዮም። እቶም ዚሕረዩ ኣሕዋት ነዚ ምይይጥ እዚ ኸይተደናጐዩ ኺገብርዎ ኣለዎም። ድሌት እቲ ተምሃራይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እንተ ተነጊርዎም፡ ንዓኻን ነቲ ተምሃራይን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኼዛራርቡኹም ይኽእሉ እዮም። እቲ ምይይጥ፡ ደስ ዜብል ሃዋህው ዝዓሰሎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ተምሃራይ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ቅድሚ ምዃኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ኬማልእ ኣለዎ፦

  1. (1) መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምን እዩ።—2 ጢሞ. 3:16።

  2. (2) ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጦን ይኣምነሉን እዩ፣ ሕቶታት ምስ ቀረበሉ ድማ፡ ብመሰረት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት ወይ ናይ ርእሱ ሓሳባት ዘይኰነስ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ይምልስ እዩ።—ማቴ. 7:21-23፣ 2 ጢሞ. 2:15።

  3. (3) ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምስ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ እተዋህበ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕልዎ እዩ።—መዝ. 122:1፣ እብ. 10:24, 25።

  4. (4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዝርና፡ እንተላይ ብዛዕባ ዝሙትን ድርብ መውስቦን ግብረ ሶዶምን ዚምህሮ ነገራት ይፈልጥን ምስዚ ትምህርትታት እዚ ተሰማሚዑ ይመላለስን እዩ። እቲ ሰብ ዘመዱ ምስ ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ክልቲኦም ብግቡእ እተመርዓዉ ኪዀኑ ኣለዎም።—ማቴ. 19:9፣ 1 ቈረ. 6:9, 10፣ 1 ጢሞ. 3:2, 12፣ እብ. 13:4።

  5. (5) ነቲ ንስኽራን ዚኽልክል ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕሉ እዩ፣ ወልፊ ኻብ ዜትሕዝ ወይ ንኣተሓሳስባ ዚቕይር ምስ ሕክምና ዘይተሓሓዝ ተፈጥሮኣዊ ዀነ ሰብ ዝሰርሖ ነገራት ካብ ምውሳድ ይቝጠብ እዩ።—2 ቈረ. 7:1፣ ኤፌ. 5:18፣ 1 ጴጥ. 4:3, 4።

  6. (6) ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ ዘለዎ ኣገዳስነት ተገንዚቡ እዩ።—1 ቈረ. 15:33።

  7. (7) ምስ ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበሮ ርክብ ብርግጽ በቲኹ እዩ። ኣብ ኣኼባታተን ካብ ምስታፍን ንንጥፈታተን ካብ ምድጋፍን ኣብኡ ኻብ ምክፋልን ኣቋሪጹ እዩ።—2 ቈረ. 6:14-18፣ ራእ. 18:4።

  8. (8) ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛ እዩ።—ዮሃ. 6:15፣ 15:19፣ ያእ. 1:27።

  9. (9) ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ዚርከብ ካብ ጕዳያት ኣህዛብ ገለልተኛ ብዛዕባ ምዃን ዚገልጽ ሓሳብ ይኣምነሉን ምስኡ ተሰማሚዑ ይነብርን እዩ።

  10. (10) ብሓቂ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ይደሊ እዩ።—መዝ. 110:3።

9 እቶም ሽማግለታት፡ እቲ ተምሃራይ ብዛዕባ ሓደ ኻብዚ ጕዳያት ከመይ ከም ዚስምዖ ርግጸኛታት እንተ ዘይኰይኖም፡ ምናልባት በቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ገይሮም ሕቶታት ኬቕርቡሉ ይኽእሉ እዮም። እቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ኣብ ንጥፈታት ስብከት ዚሳተፉ፡ ምስዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዚሰማማዕ ህይወት ኪመርሑ ኸም ዘለዎም፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኪርድኦ ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት ከኣ፡ ካብ ምላሽ እቲ ተምሃራይ ተላዒሎም፡ እንታይ ትጽቢት ከም ዚግበረሉ ዚፈልጥን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምስታፍ እኹል ብቕዓት ዘለዎን እንተ ዀይኑ ይውስኑ።

10 እቲ ተምሃራይ ብቕዓት እንተ ኣልይዎ፡ እቶም ሽማግለታት ቀልጢፎም ኪሕብርዎ ኣለዎም። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ እዚ ኣብ መደምደምታ እቲ ምይይጥ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቕዓት እንተ ኣልይዎ፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ውልቀ ሰብ ከም ኣስፋሒ መጠን ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልዎ። (ሮሜ 15:7) ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስታፍ ኪጅምርን ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህብን መተባብዒ ኺውሃቦ ይግባእ። እቶም ሽማግለታት፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ብቑዕ ምስ ኰነን ንመጀመርታ ግዜ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ሃበን፡ ብስሙ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ ኸም ዚዳሎን ኣብ ፋይል ጉባኤ ኸም ዚተሓዝን ኪገልጹሉ ይኽእሉ እዮም። እታ ውድብ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኽትከታተል፡ እቲ ኣስፋሒ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምእንቲ ኺሳተፍን መንፈሳዊ ደገፍ ምእንቲ ኺውሃቦን ተባሂሉ እዩ ሽማግለታት ነዚ ብሕታዊ ሓበሬታ ኻብቲ ኣስፋሒ ዚእክቡ። ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ሓደስቲ ኣስፋሕቲ፡ ዝዀነ ብሕታዊ ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ፖሊሲ ምሕላው ዓለምለኻዊ ሓበሬታ ኸም ዚትሓዝ ኪሕብርዎም ይኽእሉ እዮም።

11 ምስቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣጸቢቕና እንተ ተፋሊጥናን ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመሞ ብብሕቲ ተገዳስነት እንተ ኣርኢናዮን፡ እዚ ኣብቲ ውልቀ ሰብ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብስሩዕ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምሃብን ንየሆዋ ንምግልጋልን ዝያዳ ጻዕሪ ኺገብር ኪድርኾ ይኽእል እዩ።—ፊል. 2:4፣ እብ. 13:2።

12 እቶም ሽማግለታት፡ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሳተፍ ብቕዓት ከም ዘለዎ ምስ ወሰኑ፡ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ እዛ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ኪህብዎ ይኽእሉ እዮም። ንመጀመርታ ግዜ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ሃበ ድማ፡ ሓድሽ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ምዃኑ ዚገልጽ ሓጺር ምልክታ ነታ ጉባኤ ይንገር።

ንንኣሽቱ ምሕጋዝ

13 ቈልዑ እውን ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ንምዃን ብቕዓት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። የሱስ ንቘልዑ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎምን ባሪኽዎምን እዩ። (ማቴ. 19:13-15፣ 21:15, 16) ብቐዳምነት ወለዲ ንደቆም ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ግና ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስታፍ ካብ ልቦም ዘንቀዱ ንኣሽቱ ኺሕግዝዎም ይደልዩ ይዀኑ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተርእዮ ሰናይ ኣብነት፡ ንደቅኻ ኣብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ቀናኣት ኪዀኑ ብዙሕ የተባብዖም እዩ። ሓደ ቘልዓ ብኣካይዳኡ ኣብነታዊ ምስ ዚኸውንን ንኻልኦት ብዛዕባ እምነቱ ንምግላጽ ልባዊ ድራኸ ምስ ዚህልዎን፡ እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ ኪውሃቦ ይከኣል፧

14 እቲ ወላዲ ንሓደ ኻብቶም ኣባላት ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ዝዀኑ ሽማግለታት ቀሪቡ፡ ውሉዱ ኣስፋሒ ኪኸውን ብቕዓት ዘለዎ እንተ ዀይኑ የመያይጦ። እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ከኣ ክልተ ሽማግለታት (ሓደ ኻባታቶም ኣባል ኮሚተ ኣገልግሎት) ምስቲ ቘልዓን ምስ ዚኣምን ወላዲኡን (ወለዱ) ወይ ምስ መጕዚኡን ኪራኸቡ ምድላው ይገብር። እቲ ቘልዓ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ፍልጠት እንተ ኣልይዎን ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፍ ከም ዚደሊ መርትዖ እንተ ኣርእዩን፡ እዚ ጽቡቕ ዕቤት ከም ዝገበረ የመልክት። ነዝን ካልእ ንዓበይቲ እውን ዚምልከትን ረቛሒታት ድሕሪ ምግምጋም፡ እቶም ክልተ ሽማግለታት፡ እቲ ቘልዓ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንምዃን ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ይውስኑ። (ሉቃ. 6:45፣ ሮሜ 10:10) ምስ ቈልዓ ኣብ ዚግበር ምይይጥ፡ እቲ ብንጹር ንዓበይቲ ዚምልከት ጕዳያት ኪልዓል ኣየድልን እዩ።

15 ኣብቲ ምይይጥ፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ቘልዓ ስለቲ ዕቤቱ ኺንእድዎን ንጥምቀት ሸቶ ኼውጽእ ኬተባብዕዎን ኣለዎም። እቶም ወለዲ ኣብ ውሉዶም ሓቂ ንምትካል ጻዕሪ ገይሮም ኪዀኑ ስለ ዘለዎም እውን፡ ናእዳ ይግብኦም እዩ። እቶም ወለዲ ንውሉዶም ተወሳኺ ሓገዝ ምእንቲ ኺገብሩሉ ድማ፡ እቶም ሽማግለታት ናብቲ ኣብ ገጽ 179-181 ዚርከብ፡ “ንክርስትያን ወለዲ ዚኸውን መልእኽቲ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኬመልክትዎም ኣለዎም።

ወፈያን ጥምቀትን

16 ህይወትካ ምስቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ብምስምማዕን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምክፋልን ንየሆዋ እንተ ፈሊጥካዮን እንተ ኣፍቂርካዮን፡ ምስኡ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ከተደልድል ኣሎካ። ብኸመይ፧ ህይወትካ ንየሆዋ ብምውፋይን ብማይ ብምጥማቕን ኢኻ ነዚ እትገብሮ።—ማቴ. 28:19, 20።

17 ወፈያ ንሓደ ቕዱስ ዕላማ ኢልካ እተፈለኻ ምዃን የመልክት። ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ኪብሃል ከሎ፡ ብጸሎት ናብኡ ቐሪብካ፡ ህይወትካ ንዕኡ ንምግልጋልን ብመገድታቱ ንምምልላስን ከም እትጥቀመሉ መብጽዓ ምእታው ማለት እዩ። ንዕኡ በይኑ ንዘለኣለም ውፉይ ምዃን ማለት እዩ። (ዘዳ. 5:9) እዚ ብሕታውን ውልቃውን ጕዳይ እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ኪገብረልካ ኣይክእልን እዩ።

18 ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ናቱ ኽትከውን ከም እትደሊ ብብሕቲ ኻብ ምንጋር ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ንኻልኦት ሰባት ርእስኻ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኻ ኸተርእዮም ኣሎካ። ነዚ ድማ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ብማይ ብምጥማቕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:21፣ 3:21) ንየሆዋ ኸተገልግሎ እንተ ቘሪጽካን ክትጥመቕ እንተ ደሊኻን፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ነቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ድሌትካ ኽትነግሮ ኣሎካ። ንሱ ድማ ክትጥመቕ ኣምላኽ ዚሓትቶ ብቕዓታት ተማልእ እንተ ዄንካ ንምውሳን፡ እተወሰኑ ሽማግለታት ምሳኻ ኺዛራረቡ መሰናድዎ ኺገብር እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 182-184 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ “ንዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዚኸውን መልእኽቲ፡” ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ገጽ 185-207 ዚርከብ “ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት” ክትምርምሮ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚርከብ ዕቤት ጸብጻብ ምሃብ

19 ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ንዓለምለኻዊ ምስፍሕፋሕ ንጹህ ኣምልኾ ዚምልከት ጸብጻባት፡ ንህዝቢ የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ምትብባዕ ኰይንዎም እዩ። ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ምድሪ ኸም ዚስበኽ ዝነገሮም እዋን ኣትሒዙ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እዚ ነገር እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንምፍላጥ ብዙሕ ይግደሱ እዮም።—ማቴ. 28:19, 20፣ ማር. 13:10፣ ግብ. 1:8።

20 ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ኣሳልጦ ዕዮ ስብከት ዚገልጽ ጸብጻባት ምስማዕ የሐጕሶም ነይሩ እዩ። (ማር. 6:30) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ኺፈስስ ከሎ፡ ኣብኡ ኣስታት 120 ሰባት ከም ዝነበሩ ትነግረና። ነዊሕ ከይጸንሐ ቝጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኣስታት 3,000፡ ጸኒሑ ድማ ናብ ኣስታት 5,000 ዓበየ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “የሆዋ ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ፣” “ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ።” (ግብ. 1:15፣ 2:5-11, 41, 47፣ 4:4፣ 6:7) እቲ ብዛዕባ ወሰኽ ዚገልጽ ጸብጻብ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ! በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እተቘስቈሰ መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ እዚ ዜሐጕስ ጸብጻባት እዚ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኺደፍኡሉ ኽሳዕ ክንደይ ደሪኽዎም ኪኸውን ኣለዎ!

21 ብ60-61 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ እቲ ብስራት ‘ኣብ ኵላ ዓለም ይፈርን ይዓብን’ ምንባሩ፡ ከምኡ እውን “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት [ከም] እተሰብከ” ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። (ቈሎ. 1:5, 6, 23) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ቓል እዙዛት እዮም ነይሮም፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ቅድሚ እቲ ብ70 ድ.ክ. ዝመጸ መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኪፍጽሙ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። እቶም እሙናት ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዚፍጸም ዝነበረ ነገራት ጸብጻብ ኪሰምዑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ!

መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ እቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብብሕትኻ ዚከኣለካ ትገብር ዲኻ፧

22 ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ግዜና ዘላ ውድብ የሆዋ፡ ነቲ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ዚብል ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ ቃላት ንምፍጻም ዚግበር ዕዮታት ክትምዝግብ ትጽዕር እያ። ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ህጹጽ ዚዕየ ዕዮ ኣሎና። መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ እቲ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብብሕትና ዚከኣለና ክንገብር ኣሎና። የሆዋ እዚ ዕዮ እዚ ኸም ዚፍጸም ኪገብር እዩ፣ ኣብቲ ዕዮ ግደ እንተ ኣልዩና ድማ፡ ሞገሱ ኽንረክብ ኢና።—ህዝ. 3:18-21።

ናይ ብሕትኻ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ

23 እንታይ ኢና ጸብጻብ ክንህብ ዘሎና፧ እቲ ውድብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚውሃበሉ ወረቐት፡ ጸብጻብ ዚውሃበሉ እንታይ ሓበሬታታት ምዃኑ ይሕብር እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ዚስዕብ ሓፈሻዊ ሓሳባት ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

24 ኣብቲ “እተበርከተ (እተሓትመን ኤለክትሮናውን)” ዚብል መስርዕ፡ ነቲ ንእተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዘበርከትካዮ ድምር እተሓትመን ኤለክትሮናውን ጽሑፋት ኣስፍር። ኣብ ትሕቲ፡ “እተራእየ ቪድዮ” ድማ፡ ንቪድዮታትና ኽንደይ ሳዕ ከተርኢ ኸም ዝኸኣልካ ጽሓፍ።

25 “ተመላሊስካ ምብጻሕ” ጸብጻብ ክትህብ ከለኻ፡ ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብ ተገዳስነቱ ንምምዕባል ኢልካ ኽንደይ ሳዕ ተመላሊስካ ኸም ዝኸድካዮ ቝጸር። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንሰብ ብኣካል ብምብጻሕ፡ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ተሌፎን ብምድዋል፡ ተክስት ወይ ኢ-መይል ብምልኣኽ፡ ወይ ከኣ ጽሑፍ ብምብጻሕ ኪግበር ይከኣል እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ብእተገብረ መጠን፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ዘይተጠምቀ ውሉድ ኣብ ዘለዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚመርሕ ወላዲ ድማ፡ ኣብ ሰሰሙን ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪቘጽር ይኽእል እዩ።

26 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሰሙን ዚምራሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ወወርሒ ግና ከም ሓደ መጽናዕቲ ጥራይ እዩ ጸብጻብ ዚውሃበሉ። ስለዚ፡ ኣስፋሕቲ ንድምር እቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ እተገብረ በበይኑ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኪህቡሉ ኣለዎም። መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ዚጽብጸብ፡ ነቶም ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዚምርሓሎም መጽናዕቲ እዩ። ካብ ሓደ ኣባል ኮሚተ ኣገልግሎት ብእተዋህበ መምርሒ መሰረት መጽናዕቲ ዚምርሓሉ ዘይንጡፍ ሓው ወይ ሓብቲ፡ ወይ ከኣ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘይወድአ እሞ መጽናዕቲ ዚምርሓሉ ሓድሽ እተጠምቀ ኣስፋሒ እውን ምስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጽብጸብ እዩ።

27 ቅኑዕ ጸብጻብ “ሰዓታት” ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ግዜ እዚ ኣብ በቤት እናኸድካ ኣብ ምግልጋል፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ፡ ወይ ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ብወግዓዊ ወይ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ምምስካር እተሕልፎ ግዜ እዩ። ክልተ ኣስፋሕቲ ብሓባር ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን፡ ክልቲኦም ሰዓት ኪቘጽሩ ይኽእሉ እዮም፣ ንዚግበር ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ንዚምራሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሓዲኦም ጥራይ እዮም ኪቘጽሩ ዚኽእሉ። ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንደቆም ዚምህሩ ኽልቲኦም ወለዲ፡ ኣብ ሰሙን ክሳዕ ሓደ ሰዓት ኪቘጽሩ ይኽእሉ እዮም። ኣሕዋት ነቲ ህዝባዊ መደረ ኣብ ምቕራብ ዜሕልፍዎ ሰዓት ኪቘጽርዎ ይኽእሉ እዮም። ንህዝባዊ መደረ ዚትርጕም ተርጓሚ እውን ነቲ ሰዓት ኪቘጽሮ ይኽእል እዩ። ሰዓት ዘይቍጸረሉ ኣገዳሲ ንጥፈታት ግና ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምክፋል፡ ካልእ ዋኒን ንምግባር ዚሓልፍ ግዜ ገለ ኻብቲ ዘይቍጸር ሰዓት እዩ።

28 ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ፡ ኣብ ምምስካር ዘሕለፎ ግዜ ኽንደይ ምዃኑ ኺምዝግብ ከሎ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺጥቀመሉ ኣለዎ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዚርከቦ ኸባቢ እዮም ዜገልግሉ፣ ገሊኦም ግና ሒደት ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ኽሊ ስለ ዜገልግሉ ነዊሕ ይጕዓዙ እዮም። ክልታት ንሓድሕዱ ይፈላለ እዩ፣ ኣስፋሕቲ እውን ንኣገልግሎቶም ዚርእዩሉ መገዲ ይፈላለ እዩ። ንኣቈጻጽራ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚሓልፍ ግዜ ብዚምልከት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ሕልናኡ ኣብታ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኺጽዕን ኣይደልን እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺፈርድ እተሸመ እውን ሓደ እኳ የልቦን።—ማቴ. 6:1፣ 7:1፣ 1 ጢሞ. 1:5።

29 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚሓልፍ ግዜ ብምሉእ ሰዓታት እዩ ጸብጻብ ኪውሃበሉ ዘለዎ። ሓደ ኣስፋሒ ዕድመ ብምድፋኡ ዓቕሙ ምስ ዚድረት፡ ዓዲ ውዒል ምስ ዚኸውን፡ ኣብ መናበዪ ኣረግቶት ምስ ዚጥወር፡ ወይ ኪንቀሳቐስ ምስ ዘይክእል ጥራይ እዩ ብፍሉይ ዓይኒ ኺርአ ዚኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስፋሒ፡ በብ15 ደቒቕ እናጠርነፈ ጸብጻብ ኪህብ ይኽእል እዩ። ኣብ ወርሒ ን15 ደቒቕ ጥራይ እኳ ምስክርነት እንተ ሂቡ፡ ነዚ ጸብጻብ ኪህበሉ ኣለዎ። ስሩዕ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ድማ ይቝጸር። እዚ ስርዓት እዚ ብሰንኪ ሕማም ወይ መጕዳእቲ ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ኪንቀሳቐስ ንዘይክእል ሰብ እውን ይዓዪ እዩ። እዚ ምድላው እዚ እተገብረ፡ ነቶም ንጥፈታቶም ኣዝዩ ድሩት ዝዀነ ሰባት ጥራይ እዩ። እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት፡ ሓደ ኣስፋሒ ነዚ ስርዓት እዚ ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ይውስን።

መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ

30 እቲ ኣብ ወወርሒ እትህቦ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍርኻ ኣብ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ ይምዝገብ እዩ። እዚ መዛግብቲ እዚ ናይታ ጉባኤ እዩ። ናብ ካልእ ጉባኤ ኽትግዕዝ እንተ መዲብካ፡ ንሽማግለታትካ ኽትሕብሮም ኣሎካ። ሽዑ፡ እቲ ጸሓፊ ንመዝገብካ ናብታ ሓዳስ ጉባኤኻ ኺልእኮ እዩ። እዚ ድማ እቶም ሽማግለታት፡ ናብታ ጉባኤ ኪቕበሉኻን መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህቡኻን ዜኽእሎም ዝያዳ ምሹእ ኵነታት ይፈጥር እዩ። ካብ ሰለስተ ወርሒ ንዚውሕድ እዋን ካብ ጉባኤኻ ኽትገይሽ እንተ ዄንካ፡ እቲ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ናብ ጉባኤኻ ልኣኮ።

ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧

31 ሓድሓደ ግዜ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሃብ ትርስዕዶ፧ ኵላትና ሳሕቲ መዘኻኸሪ የድልየና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ጸብጻብ ብዛዕባ ምሃብ ቅኑዕ ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢልናን ከምዚ ምግባር ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ተረዲኡናን፡ ከይረሳዕና ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንህብ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና።

32 ገሊኦም ሰባት፡ “ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ከም ዝገብር፡ የሆዋ ስለ ዚፈልጥ፡ ነታ ጉባኤ ጸብጻብ ክህብ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧” ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ሓቂ እዩ፡ የሆዋ እንታይ ከም እንገብር ይፈልጥ እዩ፣ ኣገልግሎትና ብምሉእ ነፍሲ እተዋህበ እንተ ዀይኑ ወይ ካብቲ ብሓቂ ኽንገብሮ እንኽእል ንታሕቲ እንተ ዀይኑ እውን ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኖህ ኣብታ መርከብ ዘሕለፎ መዓልትታትን ነቲ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ኺጐዓዙ ዘሕለፍዎ ዓመታትን ከም ዝመዝገቦ ኣይትረስዕ። ኣምላኽ ቍጽሪ እቶም እሙናትን ዘይእዙዛትን እውን ጸብጻብ ሒዙ እዩ። ምድሪ ከነኣን በብደረጃኡ እተወርሰትሉ መገድን እቲ እሙናት መሳፍንቲ እስራኤል ዝዓመምዎ ዕማማትን እውን መዝጊቡ እዩ። እወ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ኣገልገልቱ ብዙሕ ዝርዝራት መዝጊቡ እዩ። ነዚ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መዝገብ ብመንፈሱ ገይሩ ኸም ዚጸሓፍ ገይሩ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ብዛዕባ ቕኑዕ መዝገብ ምሓዝ ዘለዎ ኣረኣእያ ንጹር ገይሩልና እዩ።

33 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ታሪኻዊ ፍጻመታት፡ እቲ ብህዝቢ የሆዋ እተመዝገበ ጸብጻባትን መዛግብትን ልክዕ ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ብንጹር ቍጽርታት ጸብጻብ እንተ ዘይውሃብ ነይሩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ ትርጉም ኣይምተረድኣናን። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ርአ፦ ዘፍጥረት 46:27፣ ዘጸኣት 12:37፣ መሳፍንቲ 7:7፣ 2 ነገስት 19:35፣ 2 ዜና መዋእል 14:9-13፣ ዮሃንስ 6:10፣ 21:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 19:19።

34 ጸብጻብና ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ እንገብሮ ነገራት ዜጠቓልል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ የሆዋ ግብራዊ ጥቕሚ ኣለዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያት ካብ ወፈራ ስብከት ምስ ተመልሱ፡ ንየሱስ “ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ . . . ነገርዎ” ዚብል ስለ እንረክብ፡ ጸብጻብ ሂቦም እዮም። (ማር. 6:30) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ጸብጻብ፡ እተወሰነ መዳይ ኣገልግሎትና ፍሉይ ቈላሕታ ኸም ዜድልዮ ይሕብር እዩ። እቲ ኣሃዛት ኣብ ገሊኡ ንጥፈታት ግስጋሰ ኸም እተገብረ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ግና፡ ንኣብነት ወሰኽ ወይ ዕቤት ብዝሒ ኣስፋሕቲ ኸም እተዳኸመ ይሕብር እዩ። ምናልባት ድማ ምትብባዕ የድሊ ይኸውን፡ ወይ ኪፍታሕ ዘለዎ ጸገማት ይህሉ ይኸውን። ሓላፍነት ዘለዎም ሓለውቲ ነቲ ጸብጻባት የስተብህሉሉ፡ ንግስጋሰ ውልቀ ሰባት ወይ ምልእቲ ጉባኤ ዚዕንቅፍ ነገራት ኬዐርዩ ድማ ይጽዕሩ እዮም።

35 ብዘይካዚ፡ እቲ ጸብጻባት ንውድብና፡ ኣብቲ ወፍሪ ኣበየናይ ሸነኽ ዝያዳ ዓየይቲ ኸም ዜድልዩ ንምውሳን ይሕግዛ እዩ። ኣየናይ ከባቢታት እዩ ዝያዳ ፍርያም ዝዀነ፧ ኣበይ እዩ ብዙሕ ግስጋሰ ዘይግበር ዘሎ፧ ንሰባት ሓቂ ንምምሃር እንታይ ጽሑፋት የድሊ፧ ብዛዕባ እዚ ዚውሃብ ጸብጻብ፡ ንውድብና ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ንዕዮ ስብከት ዜድሊ ጸሑፋት ኣቐዲማ ኽትፈልጥ ይሕግዛ እዩ።

36 ንመብዛሕትና ጸብጻባት የተባብዓና እዩ። ኣሕዋትና ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስባኽ እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ምፍላጥና ዜሐጕስዶ ኸይኰነ፧ ወሰኽ ከም እተገብረ ዚገልጽ ጸብጻባት፡ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ውድብ የሆዋ ሓፈሻዊ ፍልጠት ኪህልወና ይሕግዝ እዩ። ተመክሮታት ንልብና የተባብዖ፡ ብቕንኣት ድማ ይመልኦ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ኽንነጥፍ ይድርኸና እዩ። (ግብ. 15:3) ስለዚ፡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምሃብ ምትሕብባርና ኣገዳሲ እዩ፣ ነቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ኣሕዋት ዘሎና ተገዳስነት ድማ የርኢ እዩ። በዚ ንእሽቶ መገዲ እዚ፡ ንስርዓት ውድብ የሆዋ ዘሎና ተገዛእነት ነርኢ ኢና።—ሉቃ. 16:10፣ እብ. 13:17።

ብሕታዊ ሸቶታት ምውጻእ

37 ናትና ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ናይ ካልእ ሰብ እነወዳድረሉ ምኽንያት የብልናን። (ገላ. 5:26፣ 6:4) ውልቃዊ ዅነታት ሰባት ይፈላለ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት ንእንገብሮ ምምሕያሽ ንምልካዕ፡ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ብሕታዊ ሸቶታት እንተ ኣውጺእና ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ነዚ ሸቶታት እዚ ምውቃዕና፡ ዝሓሰብናዮ ብምዕማም ዚርከብ ዕግበት የምጽኣልና እዩ።

38 የሆዋ ነቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዜዕቍቦም ሰባት ቀልጢፉ ይእክቦም ከም ዘሎ ግሁድ እዩ። ኣብቲ ነዚ ብዚምልከት ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፡ “እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ” ዚብል ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ራእ. 7:9, 14፣ ኢሳ. 60:22) ኣብዘን ኣገደስቲ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣገልጋሊ እቲ ብስራት ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—ማቴ. 24:14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ