መዓልትን ለይትን ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርቡ
1 መዘና ዘይብሉ መሰል ኢዩ ተዘርጊሑልና ዘሎ። ንሱ ኸኣ መሰኻኽር የሆዋ ናይ ምዃን መሰል ኢዩ። ክፍሊ ናይቶም ነቲ ብሕድሪ ዝዕየ ዘሎ ዝዓበየ ናይ መንግስቲ ኣዋጅ ዕዮ ንኽፍጽሙ የሆዋ ዝጥቀመሎም ዘሎ ዓለምለኸ ናይ ወንጌላውያን ማሕበር ድማ ኢና! (ማር. 13:10) ግዜና ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ብምግንዛብ ብዝከኣለና መጠን ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንካፈልዶ ኣሎና፧
2 ንስብከትና ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ምላሽ ከም ዝህብሉ ኣይንፈልጥን ኢና። “ዓብዪ ጭፍራ” ምዃኖም የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ኵላቶም ድማ ‘ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት ብምቕራቦም’ ይልለዩ። (ራእ. 7:9, 15 ትሓዓ) እቶም ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ተጸሚዶም ዘለዉ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር ዝግደሱ ሰማዕቲ ወይ ስቕ ኢሎም ተኣከብቲ ጥራይ ኣይኰኑን። ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ዝእውጁ ዓየይቲ ኢዮም!
3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ይኹን ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንየሆዋ ክንውድሰሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ ሰብ ጥራይ እኳ እንተድኣ ኣዘራሪብና እንታይ ዓይነት ሰፊሕ ምስክርነት ክወሃብ ከም ዝኽእል እሞ ሕሰቡሉ። ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ብውዕዉዕ ስምዒት ተለዓዒልና ብዛዕብኡ ንኽንዛረብ ክድርኸና ኣለዎ።—መዝ. 92:1, 2
4 ካልኦት ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ሓግዝዎም:- የሆዋ ከየቋረጸ ብወሰኽ ይባርኸና ኢዩ ዘሎ። (ሃጌ 2:7) ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ብዙሕ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ነይሩ ኢዩ። ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም እነጽንዓሉ ዕላማ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኽኾኑ ክንሕግዞም ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20) መብዛሕትኦም ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል ጽቡቕ ዕብየት ኣርእዮም ኢዮም። “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” እተማህርዎ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ክነግርዎም ጀሚሮም ኢዮም። (ግብ. 2:11) ኣብቲ ዝግበር ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽሳተፉ ክዕደሙ ምተኻእለዶ፧
5 ኣብ ሚያዝያ ብቑዓት ዝዀኑ ሓደስቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሓብሩና ንምዕዳም ፍሉይ ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና። ተመሃራይካ ነዚ ንምግባር ባህጊ ከም ዘለዎዶ ገሊጹ ኢዩ፧ ባህጊ እንተድኣ ኣለዎ ኰይኑ: ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት የማልኦ ድዩ፧ (ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ኣብ ገጽ 97-9 ርአ።) እቲ ተማሃራይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፍ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ነዚ ምስቲ ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ተመያየጠሉ: ንሱ ድማ ንኽልተ ሽማግለታት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንኽምርምሩ ይምድበሉ። እቲ ተማሃራይ ከም ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኰይኑ ንኸገልግል ብቑዕ እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ ኣገልግሎት ክሓብረካ ዓድሞ። ናይ ኣገልግሎት ተዓዘብትን ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕትን ነቶም ኣብ ሚያዝያ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ንኽጅምሩ ብቑዓት ክዀኑ ዝኽእሉ ብፍላይ ንኽሕግዝዎም ንቑሓት ክዀኑ ይግብኦም።
6 ወለዲ ደቆም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ክዀኑ ዝበቕዑ ወይ ዘይበቕዑ እንተዀይኖም ክምርምሩ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝ. 148:12, 13) ውሉድካ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ክሳተፍ ድልየት እንተድኣ ኣሕዲሩ: ጽቡቕ ጠባይ ድማ እንተድኣ ኣልይዎ ንሓደ ካብቶም ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንኽዘራረቡሉ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ክልተ ሽማግለታት ምሳኻን ምስኡን ድሕሪ ምርኻቦም: ከም ኣስፋሒ ኰይኑ ንኽቑጸር ዝበቅዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስኑ ኢዮም። ቈልዑ ንኣምላኽ ኣብ ምውዳስ ክሓብሩና ከለዉ ንኽንሕጐስ ፍሉይ ምኽንያት ኣሎና!
7 ቅዱስ ኣገልግሎትና ከነቕርበሉ ዝግባእ የሆዋ ጥራይ ኢዩ። (ሉቃ. 4:8) ነቲ ድንቂ ዝዀነ መሰል ‘ኣዚና’ ንኽንውድሶ እንጥቀመሉ ይግበረና።—መዝ. 109:30፣ 113:3