ዕላማኡ ዚወቅዕ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
1. ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ዕላማኡ እንታይ እዩ፧
1 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ ወፈራ ስብከት ቅድሚ ምኻዶም፡ ኣከቦም። (ሉቃ. 10:1-11) በቲ “ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ ኸም እተላእኩን ንበይኖም ከም ዘይኰኑን ብምዝኽኻር ድማ ኣተባብዖም። ብተወሳኺ፡ መምርሒታት ብምሃብ ነቲ ዕዮ ንኺዓይይዎ ኣዕጢቕዎምን “በብኽልተ” ገይሩ ወዲብዎምን እዩ። ሎሚ እውን፡ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምውፋርና እንገብሮ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ተመሳሳሊ ዕላማ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ንኼተባብዓናን ንኼዕጥቐናን ንኺውድበናን እዩ።
2. ንውሓት ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንደይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧
2 ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ 10 ክሳዕ 15 ደቒቕ እዩ ዚወስድ፣ እዚ ድማ ጕጅለታት ብግቡእ ንምውዳብን ክሊ ንምምዳብን ንጸሎትን ዜጠቓለለ እዩ። ሕጂ ግና ምትዕርራይ ተገይሩሉ ኣሎ። ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሾውዓተ ደቒቕ ኪወስድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ኣኼባ ጉባኤ ዚግበር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቶም ተኣከብቲ ድሮ ጽቡቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ስለ ዝገበሩ፡ ዝያዳ ኺሓጽር ይግብኦ። ሓጺር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምግባር ንዅሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንኼሕልፉ ኺሕግዞም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ገሊኦም ፈለምቲ ወይ ኣስፋሕቲ ቕድሚ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ኣገልግሎቶም ጀሚሮም እንተ ጸኒሖም፡ ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ ኣገልግሎቶም ዚቋረጽ።
3. ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኣስፋሕቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ምእንቲ ኪኸውን ብኸመይ እዩ ኺምደብ ዚከኣል፧
3 ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኣስፋሕቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ምእንቲ ኪኸውን ብግቡእ ኪምደብ ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከባ ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ብሓደ ተጠርኒፈን ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ክንዲ ዚእከባ፡ ነናተን ወፍሪ ኣገልግሎት ኪህልወን ጠቓሚ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣስፋሕቲ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምናልባት እውን ናብ ክሊ ንኪኸዱ ቀሊል ይዀነሎም። ኣስፋሕቲ ብቕልጡፍ ኪውደቡ ይኽእሉ፣ ሓለውቲ ጕጅለታት ድማ ነቶም ኣብ ጕጅለኦም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ዝያዳ ኣቓልቦ ንኺህብዎም ይሕግዝ። ኣካል ሽማግለታት፡ ኵነታት እቲ ኸባቢ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዚሓይሽ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ሓጺር ጸሎት ብምግባር እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምዝዛሙ፡ ኵላቶም ኣበይን ምስ መንን ከም ዚዓይዩ ኺፈልጡ ኣለዎም።
4. ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ ካልእ ኣኼባታት ጉባኤ ዝተሓተ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጌርካ ኺርአ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
4 ብኣገዳስነቱ ኻብ ካልእ ኣኼባታት ጉባኤ ኣይትሕትን፦ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ነቶም ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ ንኺጠቅም ተባሂሉ ስለ ዚካየድ፡ ብምሉኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣይእከቡን ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ኣፍኲስካ፡ ወይ ካብ ካልእ ኣኼባታት ጉባኤ ዝተሓተ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጌርካ ኺርአ የብሉን። ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ልክዕ ከም ኵሉ ኻልእ ኣኼባታትና ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንኽንነቓቓሕ ዜኽእለና፡ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎ እዩ። (እብ. 10:24, 25) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ምይይጥ ንየሆዋ ዜኽብርን ነቶም ተኣከብቲ ዚጠቅምን ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ጽቡቕ ገይሩ ኺዳሎ ይግባእ። ኵሎም እቶም ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ ኣሕዋት፡ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ወፍሪ ንኺእከቡ ኺጽዕሩ ኣለዎም።
ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኣፍኲስካ ኺርአ ወይ እውን ካብ ካልእ ኣኼባታት ጉባኤ ዝተሓተ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጌርካ ኺርአ የብሉን
5. (ሀ) ሓላው ኣገልግሎት፡ ኣብ ምምዳብ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧ (ለ) ሓንቲ ሓብቲ ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ እያ ኽትመርሖ ዘለዋ፧
5 እቲ ዚመርሕ ሓው ዚገብሮ ምድላው፦ ሓደ ሰብ ንኽፍሉ ጽቡቕ ገይሩ ተዳልዩ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ እቲ ኽፍሊ ኣቐዲሙ ኺውሃቦ የድሊ። እዚ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ዚዓዪ እዩ። ርግጽ እዩ፡ ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ነናተን ወፍሪ ኺእከባ ኸለዋ ንናይ ጕጅለኦም ኣኼባ ዚመርሑ፡ እቶም ሓለውቲ ጕጅለታት ወይ ሓገዝቶም እዮም። እተን ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ተጠርኒፈን ኪእከባ ኸለዋ ግና፡ ሓላው ኣገልግሎት ዚመርሕ ሓው ኪምድብ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሓለውቲ ኣገልግሎት ንዅሎም እቶም ንወፍሪ ዚመርሑ መደብ የውጽኡሎም ከምኡ እውን ንቕዳሕ እቲ መደብ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ ይጥቅዕዎ እዮም። ሓላው ኣገልግሎት፡ ኪመርሑ ዚኽእሉ ኣሕዋት ኪምድብ ከሎ፡ ኣመዛዚኑ ኺውስን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብሉጽነት እቲ ኣኼባ፡ ኣብቲ ናይ ምምሃርን ምውዳብ ክእለት እቶም ዚመርሑ ኣሕዋት እዩ ዚምርኰስ። ኣብ ገሊኡ መዓልትታት፡ ወፍሪ ኺመርሕ ዚኽእል ሽማግለ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ወይ ካልእ ብቑዕ ሓው እንተ ዘየልዩ፡ ሓላው ኣገልግሎት ነቲ ወፍሪ ኽትመርሕ እትኽእል ብቕዕቲ ሓብቲ ኺምድብ ኣለዎ።—“ሓንቲ ሓብቲ ኽትመርሕ ምስ ዜድሊ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
6. እቲ ወፍሪ ንኺመርሕ እተመደበ ሓው፡ ጽቡቕ ምድላው ኺገብር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
6 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ወይ እውን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክፍሊ ምስ ዚውሃበና፡ ኣርዚንና ንርእዮን ጽቡቕ ጌርና ንዳለወሉን ኢና። ኣብ ጉባኤ እንታይ ከም እንብል ንኽንሓስብ ክሳዕ እቲ ናብ ኣኼባ እንኸደሉ ግዜ ኸም ዘይንጽበ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኽንመርሕ ዚውሃበና መዝነት ድማ ከምኡ ጌርና ኽንርእዮ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ሕጂ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሓጽር ብምዃኑ፡ እቲ ኣኼባ ጠቓምን ኣብ ግዜኡ ዚውዳእን ምእንቲ ኪኸውን ጽቡቕ ምድላው ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ምድላው፡ ኣቐዲምካ ኽልኻ ምውሳድ እውን ዜጠቓልል እዩ።
7. እቲ ዚመርሕ ሓው ብዛዕባ እንታይ ኬመያይጥ ይኽእል፧
7 ብዛዕባ እንታይ ከም እትመያየጥ፦ ኵነታት ካብ ክሊ ናብ ክሊ ኺፈላለ ስለ ዚኽእል፡ እቲ እሙን ባርያ ንነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ኣስተዋጽኦ ኣየዳለወን። ኣብታ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ ክትጥቀም ከም እትኽእል” እትብል ሳጹን፡ ክንጥቀመሉ እንኽእል ነጥብታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ብሓፈሻኡ እቲ ኣኼባ ብምይይጥ እዩ ዚውሰድ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብግቡእ እተዳለወ መርኣያ ወይ እውን ካብ jw.org. ኪርከብ ዚከኣል ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ቪድዮታት ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዚመርሕ ሓው ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺዳሎ ኸሎ፡ ነቶም ኣብታ መዓልቲ ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ ኣሕዋት ኬተባብዖምን ኬዕጥቖምን ዚኽእል ነገራት እንታይ ምዃኑ ኺሓስብ ኣለዎ።
እቲ ዚመርሕ ሓው ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺዳሎ ኸሎ፡ ነቶም ኣብታ መዓልቲ ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ ኣሕዋት ኬተባብዖምን ኬዕጥቖምን ዚኽእል ነገራት እንታይ ምዃኑ ኺሓስብ ኣለዎ።
8. ኣብቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ብዛዕባ እንታይ ምስ እትመያየጥ እዩ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል፧
8 መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን እዮም ዜበርክቱ። ሓያሎ ኻብቶም ኣብቲ ቀዳም ቀዳም ዚግበር ኣገልግሎት ዚሳተፉ ኣሕዋት፡ ናብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ወፍሪ ስለ ዘይከዱ ነቲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም እተለማመዱሉ መርኣያታት ኪርስዕዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ካብቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ምስ ዜመያይጥ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዜና፡ ፍጻመ፡ ወይ በዓላት ምስቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ብምስምማዕ፡ እታ መጽሔት ብኸመይ ከም እትዕደልን ንዚመጽእ ምብጻሕ ብኸመይ ባይታ ኸተንጽፍ ከም እትኽእልን ኬመያይጥ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝመጹ፡ ድሮ ነተን መጽሔታት ኪዕድልወን ጀሚሮም እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ኣሕጽር ኣቢሎም ርእይቶኦም ኬካፍሉ ወይ እውን ዜተባብዕ ተመክሮታቶም ኪነግሩ ኺዕድሞም ይኽእል እዩ። ኣብ ሰናብቲ ድማ ነተን ኣብታ ወርሒ ዚዕደላ ጽሑፋት ተጠቒሙ ኼመያይጥ ይኽእል እዩ። ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽሑፋት፡ ከም ብስራት ኣምላኽ ከምኡ እውን ንኣምላኽ ስምዓዮ ዝኣመሰላ ብሮሹራትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍን ኣብ ዝዀነ መዓልቲ ኸነበርክተን ስለ እንኽእል፡ እዘን ጽሑፋት ብኸመይ ኪዕደላ ከም ዚኽእላ ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ኪገብር ይኽእል እዩ።
9. ኣብ እዋን ፍሉይ ወፈራ ኣብ ዘሎ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ብዛዕባ እንታይ ምይይጥ ኪግበር ይኽእል፧
9 ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ እታ ጉባኤ ኣብ ፍሉይ ወፈራ ተጸሚዳ እንተ ኣልያ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ነተን ሓደስቲ መጽሔታት ምስ ወረቐት ዕድመ ወይ እውን ምስ ትራክት ኣተሓሒዝካ ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላን ሓደ ሰብ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ እንታይ ኪግበር ከም ዚከኣልን ኬመያይጥ ይኽእል እዩ። ካልእ ኣማራጺ ድማ ኸምኡ ዝኣመሰለ ወፈራታት ዘለዎ ኣገዳስነት ዜጕልሕ ተመክሮታት ምክፋል እዩ።
10, 11. ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዕዉት ንኪኸውን፡ ኣስፋሕቲ ዚገብርዎ ምድላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
10 ኣስፋሕቲ ዚገብርዎ ምድላው፦ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዕዉት ንኪኸውን ኣስፋሕቲ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣቐዲሞም፡ ምናልባት ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ንኣገልግሎት ብምድላው ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኪመያየጥሉ ዚኽእሉ ነጥብታት ኪሕዙ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ምድላው፡ ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ቅድሚ ምኻድካ መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ምሓዝ የጠቓልል፣ እዚ ድማ ብዘየድሊ ምኽንያት ከይተደናጐና ናብቲ ኽሊ ንኽንከይድ ዚሕግዝ እዩ።
11 ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ካብቲ ዚጅመረሉ ሰዓት ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲምካ ንኽትመጽእ መደብ ምግባር እውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ሰዓትና ንኽንርከብ ጻዕሪ ንገብር እኳ እንተ ዀንና፡ ብፍላይ ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ደንጒና ምስ እንመጽእ ግና ዝያዳ ዕንቅፋት ዚፈጥር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ዚመርሕ ሓው ነታ ጕጅለ ቕድሚ ምውዳቡ፡ ኣብ ግምት ዘእትዎ ረቛሒታት ኣሎ። ሒደት ኣስፋሕቲ እንተ ደኣ ኣልዮም፡ ኵሎም ብኸፊል ናብ እተዓይየ ኽሊ ንኺሰዶም ይመርጽ ይኸውን። ገለ ኻብቶም ኣስፋሕቲ ብእግሮም ምስ ዝመጹ፡ እቲ ኽሊ ድማ ርሕቕ ዝበለ ምስ ዚኸውን፡ ምስቶም ብማኪና ዝመጹ ኺምድቦም ይኽእል እዩ። እቲ ኽሊ ብዙሕ ገበን ኣብ ዚፍጸመሉ ቦታ ምስ ዚኸውን፡ ንኣሕዋት ምስ ኣሓት ወይ እውን ኣብ ከባቢአን ኰይኖም ኬገልግሉ ኺምድብ ይኽእል እዩ። ስንኩላን ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ድማ ኣብ ሰጥ ዝበለ መገዲ ወይ ኣብ ሓጺር መደያይቦ ዘለዎ ኣባይቲ ንኺዓይዩ ይምደቡ ይዀኑ። ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ዝያዳ ተመክሮ ምስ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኺምደቡ ይኽእሉ እዮም። ኣስፋሕቲ ደንጕዮም እንተ መጺኦም ግና፡ ምእንታኦም ተባሂሉ ኣብቲ ኣመዳድባ ገለ ምትዕርራይ ኪግበር ወይ ከም ብሓድሽ ኪምደብ ኬድሊ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ኼደንጕየና ዚኽእል ቅቡል ምኽንያት ኪህልወና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ምድንጓይ ልማድ እንተ ደኣ ጌርናዮ፡ ‘ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለና ሞሳ ስለ ዝጐደለ ድዩ፧ ወይስ ንጕዳያትና ኣቐዲምና ስለ ዘየተዓራረና እዩ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
12. መብዛሕትኡ ግዜ፡ መገላግልትኻ ኣቐዲምካ መዲብካ ትመጽእ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ ነገራት ኣሎ፧
12 ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚመጹ ኣስፋሕቲ፡ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ መገላግልቶም ባዕሎም ኪመርጹ፡ ወይ ንኺምደበሎም ኪጽበዩ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ መገላግልትኻ ኣቐዲምካ መዲብካ ትመጽእ እንተ ዄንካ፡ ኵሉ ሳዕ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ጥራይ ተቛሪንካ ኣብ ክንዲ እትኸይድ፡ ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ብምዕያይ ‘ልብኻ ኸተግፍሕ’ ትኽእልዶ፧ (2 ቈረ. 6:11-13፣ እግረ ጽሑፍ) ሓድሓደ ግዜ ድማ ምስ ሓድሽ ኣስፋሒ ንኽትዓዪ መደብ ብምግባር፡ ናይ ኣመሃህራ ኽእለቱ ንኼማዕብል ክትሕግዞ ትኽእልዶ፧ (1 ቈረ. 10:24፣ 1 ጢሞ. 4:13, 15) ንዅሉ መምርሒታት፡ ዋላ እውን ካበይ ኣትሒዝካ ስብከት ከም እትጅምር ንዚምልከት መምርሒ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ፡ ነቲ እተገብረ ምቍራን ኣይትቐይሮ፣ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ እተመደበልካ ኽሊ ኺድ።
13. ኵሎም ኣስፋሕቲ ጻዕሪ ብምግባር እጃሞም ምስ ዜበርክቱ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
13 እቶም የሱስ ንኼገልግሉ ዝወደቦም 70 ደቀ መዛሙርቱ፡ ኪሰብኩ ድሕሪ ምውዓሎም “ብሓጐስ ተመልሱ።” (ሉቃ. 10:17) ኪሰብኩ ቕድሚ ምጅማሮም፡ የሱስ ምስኦም ኣኼባ ምግባሩ፡ ዕዉታት ንኪዀኑ ከም ዝሓገዞም ፍሉጥ እዩ። ሎሚ እውን እንተዀነ፡ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ተመሳሳሊ ጥቕሚ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ጻዕሪ ብምግባር እጃሞም ምስ ዜበርክቱ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ነቲ፡ ‘ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ክንሰብኽ’ እተዋህበና መዝነት ንኽንፍጽም ኬተባብዓናን ኬዕጥቐናን ኪውድበናን እዩ።—ማቴ. 24:14።