ወለዲ—ንደቅኹም ምስባኽ ኣለማምድዎም
1 ጉባኤታትና ንኣምላኽ ከገልግሉ ባህጊ ብዘለዎም ብዙሓት ቈልዑ እተባረኻ ኢየን። (መክ. 12:1) ቈልዑ ምስቶም የሆዋ ንዕኡ ኣብ ምውዳስ ክካፈሉ ዝዓደሞም ሰባት እቱዋት ኢዮም። (መዝ. 148:12-14) ስለዚ: እቲ ወለዲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንደቆም ዝህብዎም ምልምማድ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ እምነቶም ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዘማቕሉ መመርሒ ምሃብ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ።—ዘዳ. 6:6, 7
2 ንቘልዑ በብደረጅኡ ኣለማምድዎም:- ቈልዑ ምስ ወለዶም ኣብቲ ኣገልግሎት ሓቢርካ ምኻድ ኣዝዮም ንኣሽቱ ከለዉ ክለማመድዎ ኢዩ ዝግባእ። ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድኩም: ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ምእንቲ ክካፈሉ ንደቅኹም ኣዳልውዎም። ኣብቲ ኣፍ ደገ እንታይ ክገብሩ ከም እትደልይዎም ኣቐዲምኩም መድቡ። ኣዝዮም ንኣሽቱ ዝዀኑ ቈልዑ ትራክትታትን ናይ ዕድመ ወረቐትን ክህቡ ከምኡውን ሰባት ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክመጹ ክዕድሙ ይኽእሉ ኢዮም። ጽቡቕ ገይሮም ዘንብቡ ቈልዑ ኣብቲ ኣፍ ደገ ጥቕሲ ከንብቡ ክዕደሙ ይኽእሉ ኢዮም። ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ተጠቒሞም መጽሔታት ክዕድሉ ይኽእሉ ኢዮም። ተመክሮ ምስ ኣጥረዩ ድማ: ኣብቲ ኣቀራርብኦም መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙ ኣለማምድዎም። ብዙሓት መንእሰያት ኣስፋሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ምብጽጻሕ መጽሔት ከምኡውን ስርዓታውያን ኰይኖም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ ጀሚሮም ኢዮም። ሓደ ቘልዓ ካብ ምስ ካልእ ቈልዓ: ብዕድመ ዓቢ ምስ ዝዀነ ሰብ ክዓዪ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ብዕድመ ዓቢ ዝዀነ ሰብ ነቲ በዓል ቤት: እቲ ቘልዓ ኣብቲ ኣገልግሎት ይለማመድ ከም ዘሎ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ።
3 ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ናይ መንግስቲ ኣስፋሒት ንምዃን ምእንቲ ክትበቅዕ ሽማግለታት ክሕግዝዋ ሓተተቶም። ሽሕኳ ኣብቲ ግዜ እቲ ዕደሚኣ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ: ኣንቢባ ድማ ዘይትኽእል እንተ ነበረት: ኣብቲ ኣፍ ደገ ናይቲ ኣባይቲ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከተቕርቦ ትኽእል ነበረት። ነቲ ጥቕስታት ዝርከበሉ ቦታታት ሸምዲዳ ብምዝካር ጥራይ ትግንጽል እሞ: ነቲ በዓል ቤት ከንብብ ትሓቶ ድሕርዚ ድማ መግለጺ ትህበሉ።
4 ቈልዑ ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኰይኖም ምእንቲ ክካፈሉ ጽቡቕ መደብ ምውጻእ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ካብ ናይ ወለዲ ኣብነት እውን ክማሃሩ ኣለዎም። ወለዲ ኣየናይ ክፍሊ ናይታ ሰሙን ኵሉ ግዜ ንዕዮ ስብከት ከም እተመደበ ደቆም ምእንቲ ክፈልጡ ዘየቋርጽ ናይ ኣገልግሎት ሰሙናዊ ልምዲ ክገብሩ የድልዮም።
5 ቈልዑ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንኣገልግሎት ከፍቅሩን ክሕጐስሉን ምስ ዝለማመዱ: ኣብ መጻኢ: ምናልባት ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እውን ሓዊስካ: ንዝዓበየ መሰላት ንምምጥጣር ክለዓዓሉ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረ. 15:58) ኵልና ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ቈልዑ ከም ወደስቲ የሆዋ መጠን ጽቡቕ ምዕብልና ምእንቲ ክገብሩ ከነተባብዖም ኣሎና።