ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝርከብ ሓጐስ
1 መንእሰይ እንተደኣ ዄንካ: ብዛዕባ መጻኢኻ ከም እትሓስብ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ትብለና። ኣብ ህይወትካ ንዝህልወካ ሸቶታት ኣርዚንካ ምስ እትሓስበሉ ረብሓ ኢዩ ዘምጽኣልካ። ብዛዕባ መጻኢ መደባት ከተውጽእ ከሎኻ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሕሰበሉ። ስለምንታይ፧
2 ኣብ ግዜ ንእስነቶም ፓይነራት ኰይኖም ንዘገልገሉ ዓበይቲ ሰባት እንታይ ጦብላሕታ ኸም ዝገደፈሎም ሕተቶም እሞ ብሓደ ሓሳብ “እቲ ግዜ እቲ ኣብ ህይወተይ ዝበለጸ እዋን ኢዩ ነይሩ!” ክብሉኻ ኢዮም። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምደ ሓው ከምዚ በለ:- “ንግዜ ንእስነትካ ምልስ ኢልካ ኽትርእዮ ኸሎኻ ‘ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ’ ንዝብል ጥበባዊ ምኽሪ ስዒበዮ ኢየ ኽትብል እንተ ኽኢልካ ዓብዪ ዕግበት ኢዩ ዝስምዓካ።” (መክ. 12:1) ኣብ ግዜ ንእስነትካ እዚ ዓይነት ሓጐስ ንኽትረክብ ንስኻን ወለድኻን ጽቡቕ መደብ ክትገብሩ የድልየኩም።
3 ወለዲ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተባብዑ:- የሆዋ ሓላዪ ኣቦ ኸም ምዃኑ መጠን በየናይ መገዲ ኸም እትመላለሱ የርእየኩም ኢዩ። (ኢሳ. 30:21) ነቶም ክርስትያናት ወለዲ ዘበልኩም ፍቕራዊ መሪሕነት ኣብ ምሃብ ሰናይ ኣብነት ገዲፍልኩም ኢዩ። ዝሓሸ መገዲ ናይ ምምራጽ ተግባር ናብ ደቅኹም ኣብ ክንዲ እትገድፍዎ: በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኽረኽቡ በየናይ መገዲ ኽመላለሱ ኸም ዘለዎም ብጥበብ ኣሰልጥንዎም። ድሕሪኡ ምስ ዓበዩ: እቲ ዝሃብኩምዎም ስልጠና “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ክጠቕሞም ኢዩ። (እብ. 5:14) ዓበይቲ ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምምዝዛን ክጽግዑ ኸም ዘይብሎም ካብ ተመክሮ ይፈልጡ ኢዮም፣ ኣካይዳኦም ንምቕናዕ ኣብ የሆዋ ኽውከሉ ኣለዎም። (ምሳ. 3:5, 6) እቶም ተመክሮ ዘይብሎም መንእሰያት ከኣ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኽውከሉ የድልዮም።
4 ወለዲ: ደቅኹም ናብ ዕድመ ኰተቴ እናቐረቡ ምስ ከዱ ወይ እውን ኣቐዲምኩም ኣብ ህይወቶም እንታይ ሸቶታት ከም ዘለዎም ብርዝነት ኣዘራርብዎም። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቶም ዝዓዩ ኣማኸርቲ: መምህራኖም: ከምኡውን መማህርቶም ዓለማዊ ሸቶታትን ፍቕረ-ንዋይን ክስዕቡ ኢዮም ጽልዋ ኽገብሩሎም ዝጽዕሩ። እምበኣር: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ መስዋእቲ ኸይገበሩ ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝሕግዞም ጠቓሚ ስልጠና ዝህቦም ዓይነት ትምህርቲ ኽመርጹ ሓግዝዎም። (1 ጢሞ. 6:6-11) መብዛሕትኡ ግዜ ስርዓታዊ ፓይነር ኴንካ እናገልገልካ ዘድልየካ ነገራት ንምምላእ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ናይ ሞያ ትምህርትን ከምኡውን/ወይ እናሰራሕካ ዝወሃብ ስልጠና እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
5 መንእሰያት ንጽል ኰይኖም ንኽነብሩ ኣተባብዕዎም። ጸኒሖም ክምርዓዉ እንተ ደልዮም: ኣብ ሓዳር ዝኸበደ ሓላፍነት ንምስካም ብዝያዳ ድሉዋት ይዀኑ። (ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት “ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧” ኣብ እትብል ቍጽሪ 8 ርአ።) ብዛዕባ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት: ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለዩሉ ኼድካ ብዛዕባ ምግልጋል: ከምኡውን ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤትኤል ኣወንታዊ ነገራት ብምዝራብ: ገና ብነኣሽትኦም ከለዉ ህይወቶም ንየሆዋ ብዘሐጕስን ንኻልኦት ብዝጠቅምን ሓጐስ ብዘምጽኣሎምን መገዲ ንኽጥቀምሉ ባህጊ ኣሕድሩሎም።
6 መንእሰያት: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቀዳምነት ሃብዎ:- መንእሰያት: ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ከመይ ኰን ይኸውን ኢልኩም ክትሓስቡ ኣየድልየኩምን ኢዩ። ካብ ትምህርቲ ኣብ እተዕርፉሉ ግዜ: እንተ ኽኢልኩም እውን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ክትፍትንዎ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ምዃኑ ኽትፈልጡ ኢኹም! ካብ ሕጂ ኽሳዕ ነሓሰ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን መደብ ክትገብሩ ትኽእሉዶ፧
7 መንእሰይ ሓው እንተደኣ ዄንካ: ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ብቕዓት ንኽህልወካ ምእንቲ ኽትመጣጠር ኣርዚንካ ሕሰበሉ። (1 ጢሞ. 3:8-10, 12) ብተወሳኺውን: ኣብ ቤትኤል ንኸተገልግል ወይ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንኽትካፈል ትደሊ እንተ ዄንካ ሕሰበሉ። ፓይነር ኴንካ ኣብ እተገልግለሉ እዋን ብኸመይ ብመደብ ከም እትመላለስ: ናይ ብሕትኻ ጕዳያት ብኸመይ ከም እተመሓድር: ምስ ካልኦት ብኸመይ ተሳኒኻ ኸም እትነብር: ናይ ሓላፍነት ስምዒት ብኸመይ ከም እተሕድር: ከምኡውን ካልእ ጠቓሚ ትምህርትታት ትረክብ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድሓር ንዝወሃበካ ዝዓበየ ናይ ኣገልግሎት መሰላት የዳልወካ ኢዩ።
8 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዕዉት ንምዃን እቲ ቐንዲ ረቛሒ ኣብቲ ንኣምላኽ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ህርኩት ምዃን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም: እትገብርዎ ዘበለ . . . ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ” ብምባል ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ኣተባቢዑ: ካብኡ ዝርከብ በረኸት ከኣ ሓቢሩ ኢዩ። (ቈሎ. 3:23, 24) እምበኣር የሆዋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትካ ብዙሕ ሓጐስ ብምሃብ ይባርኽካ!