ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/95 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 9/95 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክትዕደል ኢያ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ድማ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። ጥቅምቲ:- ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ግምቢ ዘብዐኛ። ናይተን መጽሔታት ቅዳሓት ከተበርክት ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ቅኑዕ ተገዳስነት እንተድኣ ኣልዩ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ሕዳር:- መጻሓፍቲ ናብራ ስድራቤት (እንግሊዝኛ) ከምኡውን/ወይ ንእስነትካ (እንግሊዝኛ) ንነፍሲ ወከፈን ብ3 ብር። እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።

◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ድማ ሓደ ብእኡ እተመዘዘ ሰብ: ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኣብ 1 መስከረም ወይ ብድሕሪኡ ቀልጢፉ ጸብጻብ ክገብር ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ: ነታ ጉባኤ ምልክታ ንገር።

◼ እቶም ኣብ ጥቅምቲ ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝወጠኑ እቲ ምልክታ ቀልጢፎም ክቕርብዎ ኣለዎም። እዚ ነቶም ሽማግለታት እቲ ዘድሊ ናይ ጽሑፋትን ዞባን ምትዕርራያት ክገብሩ ከኽእሎም ኢዩ።

◼ ሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ እተወገደ ወይ ካብ ማሕበር እተፈልየ እሞ ክምለስ ዝደሊ ሰብ ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-6 ዘሎ መምርሒታት ክኽተሉ ተዘኻኺሮም ኢዮም።

◼ ንናይ 1996 ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን እኹል ዝዀነ ቀረብ ናይ ቅጥዒ ናብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ተላኢኹ ኣሎ። በጃኹም ንቕጥዕታት S-10 ከምኡውን S-18 መሊእኩም ናባና ክትልእክዎ ኣይትረስዑ።

◼ ዕለት ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሕጕሳት ወደስቲ ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ለውጥታት ተገይሩሉ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ዕለታት 22-24 መስከረም 1995 ኢዩ። ነቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገም ይቕሬታ ንሓትት።

◼ ኣብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ እትበሃል ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 91 ቍጽሪ 3 እዚ ዝስዕብ ምትዕርራይ ግበሩ:- ግብሪ ሃዋርያት 15:28 ናብ ምሳሌ 15:28 ቀይርዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ