ነቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ብፍቕሪ ሓግዝዎም
1መልኣኽ የሆዋ ንወዲ መዝሙር ፊሊጶስ ናብቲ ኣብ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ልባዊ ተገዳስነት ዘርኣየ ኢትዮጵያዊ ምስ መርሖ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ዘንብቦ ዝነበረ ምእንቲ ክርድኦ ሓገዙ ለገሰሉ። (ግብ. 8:26–39) ነቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ክንሕግዞም ኢልናስ ፍልይ ዝበለ ጻዕሪዶ ንገብር ኢና? ከምኡ ክንገብር ይግብኣና: ምኽንያቱ እቲ መለኮታዊ ትእዛዝና ደቀ መዛሙርቲ ምግባርውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ንኽንሕግዞም እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል?
2ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ኢልካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ግዜ መድብ። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ክትበጽሖም ምትዕርራይ ግበር: ነቲ ኣብ መጀመሪያ ምብጻሕካ ዝተጀመረ ጽሑፋዊ ዝርርብ ክትቅጽሎ ፈትን። ኣብ ኣእምሮኻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ሸቶ ይሃሉኻ። ሓደስቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ከተበርክት ስርዓታዊ ኴንካ ተመለስ። ቅኑዕ ተገዳስነት እንተድኣ ኣልዩ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ከተበርክተሎም ትኽእል ኢኻ።
3ኣብቲ ናይ መጀመሪያ ምብጻሕካ ብዛዕባ ቁም ነገር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘራሪብካ እንተኔርካ: ንዝርርብካ በቲ ኣብታ “ምምርማር” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 66 ዘሎ ሓሳባት ብምቕጻል ነዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ገለ ሰባት ኣብዛ ዘመናዊት ዓለምና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ተግባራዊ ኣይኮነን ይብሉ። ብዛዕባዚ ንዓኻ ከመይ ይስመዓካ? [መልሲ ተጸበ] ሓደ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ክህልወና ዘኽእለና ጥቅው ምኽሪ ዝልግሰልና መጽሓፍሲ ጠቓሚ ምኳኑ ኣይትሰማማዓሉንዶ? [መልሲ ተጸበ] ንናብራ ስድራቤት ዝምልከቱ ክልሰ–ሓሳባትን ግብርታትን ተቐይሮም ኢዮም: እቲ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ውጽኢቶም ድማ ጽቡቕ ኣይኮነን። እተን መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ዘውዕላ ስድራቤታት ግን ብመሰረቱ ጽኑዓትን ሕጕሳትን ኢየን።” ቈሎሴ 3:18–21 ኣንብብ። ነታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትራክት ኣበርክታ’ሞ ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንህብ ግለጸሉ።
4ብዛዕባ ኵነታት ናይ ምዉታት ብኸምዚ ዝስዕብ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ ኵነታት ናይ ምዉታት ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ ኢዩ። ምስ ሞትና እንታይ ክንከውን ኢና ኢልካ ትሓስብ? [መልሲ ተጸበ] ዝበዝሓ ሃይማኖታት ኻልእ ዓይነት ቅርጺ ሒዝና ኢና ምንባር እንቕጽል ኢለን ይምህራ። ብዙሓት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ዝብሎ ብምምሃሮም ተገሪሞም ኢዮም። [መክብብ 9:5 ኣንብብ።] ምውታት ክሓስብ ዝኽእል ህላዌ እኳ እንተ ዘይብሎም: ተረሲዖም አይተርፉን ኢዮም። ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ ናብ ህይወት ክመልሶም ምኳኑ ተመባጺዑ ኣሎ።” ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ድማ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 162 ተመለስሞ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቅስታትን ስእላዊ መግለጺታትን ተዘራረበሉ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ካልእ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ምትዕርራይ ግበር።
5ብዛዕብ ናይ ዓለም ፍጻሜታት ወይ ድማ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ዘይምስምማዓት ሓሳብ ክትህብ እንተደሊኻ: ገለ ነዚ ዝመስል ክትብል ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ገለ ሰባት ውግእ ከም እንኮ መፍትሒ ናይ ግርጭታት ገይሮም ይኣምኑ። ንስኻኸ ብዛዕባዚ እንታይ ምበልካ? [መልሲ ተጸበ] መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ሰባት ብሓደ ሓቢሮም ብሰላም ክነብሩ ከም ዝደሊ የርእየና። [ሮሜ 12:17, 18 ኣንብብ] እዚ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ክዉን ክኸውን ኢዩ።” ናብታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ? እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ገጽ 25–6 ኣመልክት። የሱስ ‘ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ክኸውን’ ክንጽሊ ስለምንታይ ከም ዝማሃረና ምእንቲ ክትገልጸሎም ክትምለስ ምኳንካ ንገሮም።—ማቴ. 6:10
6 እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዋላሓደ ሰብ ከይማሃሮ ክርድኦ ክእለት ከም ዘይብሉ ተኣሚኑ ኢዩ። (ግብ. 8:31) ፊሊጶስ ነቲ ዝደልዮ ዝነበረ ሓገዝ ብፍቕሪ ሃቦ። ንሕናውን ንኻልኦት ብኸምዚ ዝኣመስላ መገዲ ብምሕጋዝ ሓቀኛ ፍቕርና ከነርእዮም ንኽእል ኢና።