ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/95 ገጽ 8
  • ዕላማ ዘሎዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕላማ ዘሎዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ትርጉም ብዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጌርና ንዕብየቶም ነበራብር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 10/95 ገጽ 8

ዕላማ ዘሎዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ

1 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ነቲ ዘዛራረብካዮ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እተዘራረብካሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ ዝነበሮ ፍልጠት ዝውስኸሉ ጥቕሲ ንኽትጥቀም ጻዕሪ ክትገብር ይግብኣካ።

2 ኣብቲ መጽሔት ዝዓደልናሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ሓደ ካብቲ ሸቶታት ምብጽጻሕ መጽሔት ንኽንምስርት ኢዩ። ከምዚ ዝመስል ቀሊል ኣቀራርባ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-

◼ “ብዛዕባ እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ደገ እትገልጽ ኣብ ዝሓለፈ ዝሓደግኩልካ ግምቢ ዘብዐኛ ኣንቢብካ ተሓጕስካ ክትከውን ተስፋ እገብር። ሎሚ ድማ: ‘ቅንኢ ኵሉ ግዜ ጌጋ ድዩ፧’ ዝብል ሕቶ ዘለዋ ካልእ ግምቢ ዘብዐኛ ሒዘልካ መጺአ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕ ሕቶዶ ኣይኰነን፧ በጃኻ ነዛ መጽሔት ውሰዳ እሞ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጽቡቕ መብርሂ መርምሮ።” ብድሕርዚ ነቲ ዝቕጽል ሕታማት ከተምጽኣሉን ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰባት እንታይ ከም እተመባጽዐ ክትመያየጥን ከም እትምለስ ግለጸሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ መጽሔት ከተብጽሓሉ ክትከይድ ከሎኻ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትምዝግብ ከም እትኽእል ዘክር።

3 ነታ “ውግእ ዘይብላ ዓለም​—⁠መዓስ፧” እትብል ዓንቀጽ ኣበርኪትካያ እንተድኣ ነይርካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ውግእ እንተዘይህሉ ነይሩ ህይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከመይ ምዀነ ነይሩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም እተመባጽዐ እሞ ከርእየካ።” ንመዝሙር 37:​10, 11 ኣንብቦ እሞ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ምስ ኰነ ድማ: ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል ግለጾ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6:​9, 10 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኢሎም ክጽልዩ ከም ዝማሃሮም ነቲ ሰብ ኣዘኻኽሮ። ናይ የሱስ ቃላት ትርጕም ከስተንትነሉ ሓግዞ። ቅኑዕ ተገዳስነት ምስ ዝህሉ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባ ኣበርክተሉ እሞ ንዝያዳ ምይይጥ ተመሊስካ ክትመጽእ ድማ ምድላው ግበር።

4 “ኤይድስ ኣብ አፍሪቃ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ዝወጸ ንቕሑ! ተበርኪቱ እንተድኣ ነይሩ: በዚ ድማ ዝርርብ ክቕጸል እንተ ተደልዩ ከምዚ ኢልካ ክጅመር ይከኣል:-

◼ “ኣብ ዝሓለፈ መጺአ ከሎኹ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ናይ ኤይድስ ምስፍሕፋሕ ተዘራሪብና ኔርና። ነታ መጽሔት ብምንባብ ከም እተገንዘብካዮ ኤይድስ ኣዝዩ ብዘሰንብድ መገዲ የስፋሕፍሕ ኢዩ ዘሎ። ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ ሓድሓደ ከባቢታት ሰብ ዘይብሎም ከይኰኑ የፍርሕ ኢዩ ከም እተባህለ ኣስተብሂልካሉ ኣሎኻ። እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኤይድስ ጠጠው ዝብለሉ መገዲ ተስፋ ዝህብዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ግዜ ንደቅሰባት ጽቡቕ ነገር ከምጽኣሎም ሓሳብ ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።” ቀጺልካ ንዮሃንስ 17:⁠3 ኣንብባ እሞ ፍልጠት ምውሳድ ብኸመይ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሕ ከም ዝኽእል ድማ ግለጽ። ድሕርዚ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ወይ ንኻልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክትምድብ ትኽእል ኢኻ።

5 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ናይ ኣገልግሎትና ኣገዳሲ ሸቶ ኢዩ። ምናልባት ናብ ሓደ መጽሔታት እተቐበለ ሰብ ብዙሕ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገይርካ ትኸውን። ኣብታ እትመጽእ ዘላ ምብጻሕ ስለምንታይ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ዘይትፍትን፧:-

◼ “ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖትን ኣብ ዘመናዊ ህይወት ዘለዎ ቁም ነገርን ብዙሕ እተፈላለየ ሓሳባት ኣለዎም። ስለምንታይ ኣምላኽ ንእከይ ከም ዘፍቀዶ ወይ ድማ ስለምንታይ ከም እንኣርግን እንመውትን ተገራጫዊ እምነታት ኣሎ። ገለ ሰባት ብኸመይ ከም ዝጽልዩን ብኣምላኽ ከም ዝስምዑን ክፈልጡ ይደልዩ።” ሓደ ካብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ንኽንገብር እንጥቀመሎም ጽሑፋት ወሲድካ ነቲ በዓል ቤት የገድሶ ኢዩ ዝበልካዮ ኣርእስቲ ክፈት እሞ: ብኸመይ ጽንዓት ከም ዝምራሕ ድማ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ።

6 የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ጥቅምቲ ዕላማ ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ንዕኡ ንምሰል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ