ትርጉም ብዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጌርና ንዕብየቶም ነበራብር
1 ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ንምሕጋዝ ስርዓታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጌርና ብወሓዚ መንፈሳዊ መግቢ ከየቋረጽና ክንምግቦምስ ኣድላዪ ኢዩ። ተመላሊስካ ምብጻሕና መመሊሱ ኢዩ ንመንፈሳዊ ዕብየቶም ዘበራብሮ። (1ቈረ. 3:6–9) እቲ እንገብሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ትርጉም ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን ከኣ: ነቲ ሰብ እቲ ኣብ አእምሮና ጌርና ኣቐዲምና ክንዳሎ ኣድላዪ ኢዩ።
2 ናብቶም ትራክት ዝገደፍናሎም ተመላሊስካ ምብጻሕ:- ምናልባሽ ኣብቲ መጀመርያ ዝኸድናዮም ግዜ እታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እትብል ትራክት ገዲፍናሎም ንኸውን።
ነቲ ቅድም ዝተዛረብናዮ ኣሕጽር ኣቢልና ድሕሪ ምድጋም: ከምዚ ዝበለ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል ኢና :-
◼ “ነዚ ለውጥታት እዚ ከምጽኦ ዝኽእልሲ መን ኢዩ? (መልሲ ተጸበ) ንስኻውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንኽትነብር ባህ ከም ዘብለካ ዘየጠራጥር ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኵነታትከ ባዕላትና ከመይ ጌርና ንረኽቦ?” ሽዑ ነቲ ኣብ ትሕቲ “ከመይ ኢሉ ከም ዘከኣለካ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ፍረ ነገር ቖላሕታ ይገበረሉ። ኣበየናይ ተገዳስነት ከም ዘርኣየ ፈሊጥካ ድማ ኣብታ ንዘለኣለም ምንባር እትብል መጽሓፍ “ዜጋ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን” እትብል ምዕራፍ 15 ኣቕልብ። በተን ክልተ ቀዳሞት ቍጽርታት ተዘራሪብካ ነታ “ብዛዕባ ኣምላኽ ምምሃር ብኸመይ ክትንክፈና ይግብኦ?” እትብል ሕቶ ሕተቶ ኣብቲ ዝቕጽል ተመላሊስካ ምብጻሕካ ነቲ ሕቶ ንምምላሽን ብዛዕባ እቲ ምዕራፍ ኣብዚሕካ ንምዝርራብን ምስንዳው ይገበር።
3 ናብቶም እታ “እምበርዶ ኣምላኽ ብኣና ይግደስ ኢዩ?” እትብል ብሮሹር ዝገደፍናሎም ክንበጽሕ ከሎና ከምዚ ዝስዕብ ክንብል ንኽእል :-
◼ “ኣብቲ ቅድም መጺአሉ ዝነበርኩ ግዜ ብዛዕባቶም ንወዲ ሰብ ገጢሞሞ ዘለዉ ብዙሐት ግድላትን ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብሮም ዘተስፈዎን ተዘራሪብና ኔርና ኢና። ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ኣምላኽ ንስቓይ ንኽንድዚ ዝኣክል ንውሓት ክጸንሕ ዘፍቀዶ? እቲ ዘዕግብ መልሲ ኣብታ ዝረኣናያ ብሮሹር ኣብ ክፍሊ 6 ኢዩ ዝርከብ።” ዝጥዕሞ እንተኾይኑ እቲ ብዓል ቤት ነታ ናቱ ብሮሹር ከምጽኣ ሕተቶ። ቍሩብ ዓንቀጻት ምስ መርመርና “ካብቲ ናይ ኣምላኽ መብጻዓታት ክንጥቀምስ እንታይ ምግባር ኢዩ ዘድልየና?” ኢልና ንሕተቶ። ኣብቲ ዝቕጽል ምብጽሓካ ነቲ ኣብ ትሕቲ ክፋል 11 “መሰረት ሓዳስ ዓለም ይህነጽ አሎ” ዝብል ኣብ ገጽ 28–31 ዘሎ ፍረ ነገር ኣብ ዝርርብ ከተጕልሖ ትኽእል ትኽውን።
4 ናብቶም መጽሔት ዝገደፍናሎም ተመላሊስካ ምብጻሕ:- ነቲ ብዓል ቤት እተገድስ ሓንቲ ፍልይቲ ዓንቀጽ መሪጽካ እንተድአ ኰይንካ ምስ ተመለስካ ሓሳባትካ ኣብ ሓንቲ ጥቕስን ኣብቲ ነታ ጥቕሲ ዘብርህ ፍረ ነገራትን ኣተኲርካ ካብታ ዓንቀጽ ተወሳኺ ነጥብታት ኣምጽእ። ዝቕጽል ተገዳስነት እንተልይዎ ጥቕምታት ናይታ መጽሔት ክዝርበሎም ይከኣል ኢዩ። ከምኡውን እታ እትቕጽል ሕታም መጽሔት ከምኡ ዝበለ ትምህርቲ ዝሓዘ ዓንቀጽ እንተልይዋ ኮይኑ ርኣይዋ። እንተ ዘይኮነ ቀልብና ብዛዕባ እቲ እተዘራረብናሉ ሓሳባት ዘተኵር ኣርእስቲ ካብታ ንዘላኣለም ምንባር እትብል መጽሓፍ ብምምራጽ ኣብቲ ዝቕጽል ምብጻሕና ክንዘራረበሎም ንሰናዳእ።
5 ነቲ ትርጉም ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምክትታል ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይና ኣብ የሆዋን ኣብ ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ኢዩ ዝገልጽ። (ዮሃ. 13:34, 35) ትርጉም ዘለዎ ስርዓታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ነቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ መንፈሳውነቶም ንምብርባር ቀጸልቲ ይግበረና።