ኣብታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣሕድር
1 ኣብዚ ወርሒዚ ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትብል መጽሓፍ ክንውፍያ ኢና። ዕላማና ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ንሳ እትፍጽሞን ምርዳእ ከሕድሩ ምሕጋዝ ክኸውን ኢዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ዝሕግዙና ድማ ናይ ርእይቶ ሕቶታት ኢዮም።
2 ድሕሪ ዕርክነታዊ ሰላምታ ነዚ ዝስዕብ ዝመሳሰል ክንብል ንኽእል ኢና :-
◼ “ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘሰንብዱ ለውጥታት ይርከቡ ኣለዉ: ናይ ሰላም ሸቶ ድማ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝስመ ዘሎ። ሓቀኛ ሰላም ከም ዝርከብ ኮይኑዶ ይስመዓካ? [መልሲ ተጸበ] ብዙሓት እኳ ሰባት ሰላም ክምጽኣሎም ብተስፋ ሃረር ዝብሉ እንተኾኑ: ከምቲ ኣብ መዝሙር 46:9 ተጠቒሱ ዘሎ ግን: ኣምላኽ ብኸመይ ሰላም ከምጽእ ኢሉ ከም ዝመባጻዕ ተመልከት። [ኣንብባ] ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንታይ ለውጢ ዘምጽእ ይመስለካ? [ንመልሲ ብዓል ቤት ሰሚዕካ ነታ ህይወት ኣብ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እትብል ትራክት ኣርእዮ] ነቲ ኣብዚ ተሳኢሉ ዘሎዶ ክትርእዩ ትኽእል ኢኻ?” ነቲ ኣብ ትሕቲ “ህይወት ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ትምህርቲ ቈላሕታ ይገበረሉ። ኩነታት እንተፈቒድዎ ቀጽል እሞ ቀልቡ ናብቲ ከምኡ ዝበለ ትምህርቲ ዘለዎ ኣብታ ንዘላኣለም ምንባር እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 11–13 ከም ዝምለስ ገይርካ ነታ መጽሓፍ ዓድሎ። ኣብቶም ኣብ ገጽ 227–232 ናይታ ምምርማር እትብል መጽሓፍ ኣብ ትሕቲ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትፍጽም ኢያ?” ዝብል ሕቶ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት ትምህርቲ ይርከቦ ኢዩ። ኣብቲ መጽሓፍ ዝዓደልካሉ ቦታ ወይ ካልእ ምልክት ናይ ተገዳስነት እንተድአ ርኢኻ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ምትዕርራይ ግበር።
3 ወይ ካልእ ክትብሎ እንክእል :-
◼ “ብዛዕባ እቶም ኹልና ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ክንጋጠሞም ዘሎና ዘሸብሩ ግድላት ብዙሕ ተገዳስነት ኢዩ ተገይሩሎም ዘሎ። ካብዞም ግድላት እዚኣቶም ዘርህወልና ገለ ተስፋ ከም ዘሎ ኮይኑዶ ይስመዓካ? (መልሲ ተጸበ) ገሊኦም ኣምላኽ ብኹነታትና ዕጅብ ኣይብሎን ኢዩ ዝብሉ ኢዮም። ነቲ ንሱ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ዝተመባጽዖ እሞ ተመልከቶ።” ነታ ጥቕሲ ኣንብባ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ እታ ንዘልኣለም ምንባር እትብል መጽሓፍን ሓድሽ መጽሔትን ወይ እታ እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ? እትብል ትራክት ክቕርብ ይኽእል። እታ እንዕድላ ንዘለኣለም ምንባር እትብል መጽሓፍ እተኾይና እቶም ኣብ ገጽ 156–158, 161, 162 ዘለዉ ፍረ ነገራትን ስእልታትን ይተሓሰበሎም። እዚ እቲ ብዓል ቤት ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትፍጽሞ ዘለዋ ከም ዝጸንዕ ምግባር ክሕግዘካ ኢዩ። ሽዑ ነታ መጽሓፍ ገንዘብ ኣኽፊልካ ሃቦ። ነታ “እምበርዶ ኣምላኽስ ብኣና ይግደስ ኢዩ?” እትብል ብሮሹር እንተዓዲልካዮ ኾይንካ እቲ “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ንስቓይ ዘፍቀደ?” ዝብል ሕቶ ይለዓል ይኸውን ኢዩ። ኣብታ ብሮሹር ኣብ ክፍሊ 6 ዘላ ኣርኢኻ: ኣብቲ ዝቕጽል ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትዘራረበሉ ተዳሎ።
4 ካብ ሓደ እቶም ሓደስቲ መጽሔታት ካብቲ ዝመረጽካዮ ዓንቀጽ ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ነጥቢ ተዛሪብካ ዝሓረኻዮ ዓንቀጽ ኣቕርብ:-
እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት ዘርኢ እንተመሲሉስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነታ መጽሔት ኣበራክተሉ :-
◼ “እዛ ዓንቀጽ ኣዚኣ ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ዘርዚራ ኢያ እትገልጽ። [ሓደ ወይ ክልተ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ምሉእ ሓሳባት ኣንብብ] እዛ ዓንቀጽ ኣዚኣ ንዓኻን ንስድራኻን ዘተባብዑ ተወሰኽቲ ሓሳባት እትህብ ኢያ። በዚ ትምህርቲ እዚ ዝተገደስካ ስለ እትመስል ክንድዚ ኣኽፊልና: እዛ ሕታም እዚኣን ብጸይታን ክንህበካ ደስ ይብለና።”
5 ሎሚ ሰባት ንመልሲ እዞም ንወዲ ሰብ ገጢሞምዎ ዘለዉ ግድላት ኣበይ ኬድካ ከም ዝርከቡ ንኽፈልጡስ ተደናጊርዎም ኢዩ ዘሎ። ንመጻኢ ግዜ ብሩህ ተስፋ ከም ዘሎ ከነካፍሎም መሰል ኣሎና። (ግብ. 17:27) ስለዚ እምበኣር ተጊህና ሰባት ቀልቦም ናብታ ሓቀኛ ናይ ሰላም ምንጪ ዝኾነት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘቃንዑ ንግበር።