ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ክትጽብጽቦ ከሎኻስ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኢዩ !
1 እቲ ብመንፈስ ተመሪሑ ንመዝሙር 48 ዝጸሓፈ ነቶም አብ እስራኤል ዝነበሩ ‘ንጽዮን ክዞሩዋ ግምብታታ ክቈጽሩ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ከዘንትዉሉስ ንማሕደር ግምብታት ክኾሉ’ ሓደራ ይብሎም። ንየሆዋ ብምፍቃር ተለዓዒሎም: ኣብ ኵሉንትና ናይታ ምድራዊት ቦታ ምምሕዳር ናይ ቲኦክራቲክ ኣጸቢቖም ተገደሱ። እታ የሆዋ ስሙ ዘንበረላ ከተማ እዚኣ ስለ ዝነበረትስ ኵለንትናኣ ክንደይ ክቡር ኮን ነይሩ ይኸውን! ብዛዕባኣ ይዛረቡ ብፍላይ ድማ ደቆም ነቲ ኣብ ልቦም ዓቊሮሞ ዝነበሩ ነገራት ኩሉ ሰሚዖምዎ እንተኾይኖም ከረጋግጹ ነበሮም። — መዝሙር 48:12, 13
2 ሕጂ እቲ መሲሕ የሆዋ ዘካይዶ ዘሎ ቲኦክራቲካዊ ምምሕዳር ኣብታ ምድራዊት ጽዮን ዘይኮነስ ኣብታ ሰማያዊት የሩሳሌም ውዒልሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። (እብ. 12:22) እታ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ የሆዋ ካብ 1914 ኣትሒዛ ትገዝእ ኣላ። (ራእ. 12:10) ዕዮኣ ንዓና ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ከም ዝረኣዩ ወኪላት ናይታ መንግስቱ ኮይኖም ፍቓዱ ምእንቲ ክፍጽሙ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ዝገብሮ ዘሎ መሪሕነት እውን ኣጸቢቕና ንግደሰሉ ኢና። ብዛዕባዚ ዝምስጥ ዝርዝራት ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትብል ሓዳስ መጽሓፍና ተቐሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ “መሎኮታዊ ትምህርቲ” ክንቅበላ ከሎናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና ዝተሓጐስና!
3 ክሳዕ 1 መስከረም እታ መጽሓፍ ድሮ ብ20 ቋንቋታት ተሓቲማ ወጸት: ብዘይካዚውን ንድሌት እቶም ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ንኸተማልእ ብ13 ቋንቋታት ምትርጓምን ምሕታምን ይካየድ ኣሎ። ስድራኻዶ ሓንቲ ረኺቦም ኣለዉ? ተንብባዶ ኣሎኻ? ነቶም ካብኣ ዝረኸብካዮምከ ትዛረበሎምዶ ኣሎኻ?
4 ከምቲ ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝቐረበ ሓሳብ ነቶም ስእልታት ምስ ረኣይዎምን ነቶም ኣብ እግሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ ኣንበብዎምን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ቀልጢፎም ኣንጉዕ ናይቲ ትምህርቲ ረኺቦም ኢዮም። እንታይ ሓሳባትከ ሃቡ? ገለ ካብኣቶም ዝሃብዎ ሓሳባት እንሆ።
5 ሓንቲ ሓፍቲ “ምእንቲ ክደግማስ ክውድኣ ኢለ ዝህወኽ ዘለኹ ክሳዕ ሕጂ ከምኣ ዝበለት ዘይረኸብኩ በይና ዝኾነት መጽሓፍ ኢያ። ሕጂ ኣብ ምዕራፍ 25 በጺሐ ኣለኹ። ብክንድቲ ዘንበብክዎ ብዝሒ መጠን ንብዓተይ ይፈስስ ብኽንድኡ መጠን ድማ ልበይ ብፍቕሪ የሆዋ ይመልእ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣዝያ እተተባብዕን ንእምነት እተጽንዕን ኢያ” ኢላ ጸሓፈት።
6 ሓደ ንልዕሊ 40 ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገለ ሓው “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ክሳዕ ክንድዚ ትምስጥ ምዃናስ ፈጺመ ኣይተገንዘብክዋን ነይረ። እናኣምሰኹን ኣንጊሀ ድማ እናተንሳእኹን ኣብ ክልተ ሰሙን ኣንቢቦ ወዳእኹዋ። ናይ ብሓቂ ካብተን ክሳዕ ሕጂ ዘንበብክወን መጻሕፍቲ እታ ኣዝያ እትንቀሳቕስ መጽሓፍ ኢያ። ሓንቲ ናይ ምርምር ስራሕ ውሕልነት ኢያ: ናይ ምትብባዕ ስራሕ ውሕልነት እውን ኢያ” በለ።
7 ስርዓታዊ ናይ ንባብ ፕሮግራም:- እቶም ንብምልእታ ቀልጢፎም ኣንቢቦም ዝውድእዋ እንደገና ቀስ ኢሎም ከንብብዋ ወሲኖም ኣለዉ።
8 ኣብታ ስድራኹም: ኣብ ሓቂ ዘለዉ ኣባላት ካብ ሓደ ንላዕሊ እንተድኣ ኮይኖም: ኣብቲ ናይ ስድራኹም ጽንዓት ንኽፍልታት ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምጥቃም ከድልየኩም ኢዩ። ገሊኦም ስድራቤታት ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተቐበልዋ ሒደት መዓልትታት ጸኒሖም ከምኡ ገይሮም ኢዮም። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ካልኦት ነገራት ከም ምድላው ግምቢ ዘብዐኛ ክተርፍ ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር 15 ወይ 20 ደቓይቕ ነዛ ኣወጅቲ እትብል መጽሓፍ ምንባብን ነቲ ፍረ ነገሩ ምዝርራብን ጠቓሚ ኮይኑ ክትረኽብዋ ኢኹም።
9 ካልኦት ስድራቤታት ድማ ምሸት ምሸት ቅድሚ ካብ መኣዲ ድራር ምልዓሎም ክልተ ወይ ሰለስተ ገጻት: ምናልባት ሓደ ወይ ክልተ ንኡሳን ኣርእስቲ ኢዮም ዘንብቡ። በብውልቆም እሞ ንመብዛሕትኣ ኣንቢቦማ ይኾኑ ኢዮም: እንተኾነ ግን ነቲ ፍረ ነገሩ ንምዝርራብ ዘለዎም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብሒደት ገጻት ብምምይያጦም ይረብሑ ኣለዉ። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ገሊኦም ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልግልዎ ዘለዉ ኢዮም። ከንብብዋ ኸለዉ ብዙሓት ዝዝከሩ ነገራት የለዓዕለሎም ኢዩ። ንሳቶምውን ብግዲኦም ኣብቲ ዘንብብዎ ዘለዉ ፍጻሜታት ዘበርክትዎ ግደ ክዘራረብሉ ኸለዉ ንልቦም ዘሐጉሶም ኢዩ።
10 ብምኽንያት እቲ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ኵነታት ንበይንኻ ከተንብባ ዝሓሸ ኰይኑ ረኺብካዮ ትኸውን። ሓንቲ ሓብቲ ናብ ማሕበር ጽሒፋ ከምዚ በለት:- “ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ በብቑሩብ አንብባ ኣለኹ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ አብ ሓቂ ዕሙቕ ዝበለ ምርዳእን ፍቕርን ክህልወኒ ትሃንጸለይ ኣላ: ናብ የሆዋ ከም ዝቐረብኩ ኮይኑ ይሰምዓኒ ኣሎ: ክፍሊ ናይ ማሕበሩ ብምዃነይ ድማ ኣዝየ አመስግኖ። ዘንበብክዎ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ድማ ናይ ብሓቂ ይምቅረኒ አሎ።”
11 እታ መጽሓፍ እኳ ገዛፍ እንተኾነት እተን ነፍሲ ወከፍ ክፋላት ግን ገዘፍቲ ኣይኮናን። እቲ ናይ መኽፈቲ ክፋል ቀልጢፍካ ክትሓልፎ ዝከኣል እኳ እንተኾነ: ካብ ኣቤል ጀሚሩ ክሳዕ 1992 ኣብ 108 ገጻት ጥራይ ዝምስጡ ጸብጻባት ኢዮም ቀሪቦም ዘለዉ። ካልኦት ክፋላት ካብ 13 ክሳዕ 150 ገጻት ዝሓዙ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ክፋል ኣብ ብዙሓት ምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ኢዩ። ተሃዊኽካ ሕልፍ ሕልፍ ኣብ ክንዲ እትብሎ ኣብ ሓደ ግዜ: ሓደ ክፋል ሓደ ምዕራፍ ወይ ሓደ ንኡስ ኣርእስቲ ውሰድ። ተሓጐሰሉ ተጠቐመሉ ድማ።
12 ነቲ እተንብቦ ግዜ ወሲድካ ሕሰበሉ:- ከተንብብ ከሎኻ እንታይ ኢዩ እቲ ክትበጽሖ እትደሊ? ዕላማኻ ንማለቱ ገጻት ንምሽፋን ማለት ነታ መጽሓፍ ንምውዳእ ክኽውን የብሉን። እዛ ኣወጅቲ እትብል መጽሓፍ ናይ መንፈሳዊ ውርሻኻ መዝገብ ዝሓዘት ኢያ። ኣጸቢቕካ ክትፈልጣ ይግብኣካ። ሓሳብ ናይቲ እተንብቦ ግዜ ወሲድካ ኣስተንትኖ። ንዕዮ እቶም ጥንታውያን መሳኻኽር የሆዋ ክትምርምሮ ከሎኻ ንእምነቶም ከመይ ገይርካ ክትቀድሖ ከም እትኽእል ሕሰበሉ። (እብ. 12:1, 2) ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ዓብዪ ክሕደት ከተንብብ ከሎኻ ናይ ርእስኻ መንፈስ ክትሕሉ ኢልካ ነቶም እተባረሩ ዝጠለፍዎም መፈንጠራታት ፈሊኻ ኣቕልበሎም። ነዚ ናይዚ ዘበንና ዛንታ ክትምርትምሮ ከሎኻ ድማ ንመንፈሳዊ ባህርያት ናይቶም የሆዋ ዝተጠቕመሎም ሰባት: ኣብ ህይወቶም እቲ ኣዝዩ ዓቢ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘርኣይዎን ነቲ የሆዋ ዝፈቐዶ ገሊኡ ከቢድ ዝኾኑ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝመለሽሉን ተዓዘቦም። — እብ. 13:7
13 ናብቲ የሆዋ ነዚ ሕጂ እንረኽቦ ዘሎና ጽሩይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ: ንህዝቡ ከመይ ገይሩ ከም ዝመርሖም ዘርኢ ዝርዝራት ሃሰስ ክትብል ከሎኻ: ንእምነት ዘደልድል ከም ዝኾነ ክትረኽቦ ኢኻ። ኣብቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዝርአ ምስንዳእን ብምስፍሕፋሕ ናይታ ማሕበርን ኣብሊጽካ ምስ ትፈልጥ: ምርዳእኻ እናዓበየ ክኸይድ ኢዩ። ንመፈጸምታ ትንቢት ብስራት ከመይ ኢሉ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ከም ዝበጽሖም ከተንብብ ከሎኻስ ብርግጽ ክትሕጐስ ኢኻ። ተሞክሮ ናይቶም ኣብ ኩሉ ወገናት ዓለም ብስራት መንግስቲ ንምእዋጅ ዝሰርሑ ዘለዉ እሙናት ልብኻ ዘምውቕ ኢዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ፍቕሪ የሆዋ ኢሎም ቅድሚ ሕጂ ዝተጸመምዎ ፈተናታት ከተንብብ ከሎኻ: ነቲ ናይ ርእስኻ ዝመጽኣካ ፈተና ምእንቲ ክትገጥመሉ ርእስኻ ክትዕርድ ኢኻ።
14 ሓደ ክፍሊ ምስ ኣንበብካ ጥቕሙ ንኽተዘራረብን ነቶም ዝርዝራት ክትምርምሮምን ግዜ ውሰድ። ቈልዑ እንተልዮምኻ ነቶም ስእልታት ብምግላጽን ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ተራእዮም ዘለዉ ሰባት ብምዝራብን ኣብኡ እትዋት ይኹኑ። ዋላ በይንኻ እተንብብ ኩን ነቲ እትምሃሮ ዘሎኻ ንኻልኦት ከተካፍሎ ጸዓር። ነታ መጽሓፍ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምምራሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ተጠቐመላ። እታ ንዓኣ ምድግጋምካ ኣብ ልብኻን ኣብ ኣእምሮኻን ክትሓትመልካ ንኻልኦት እውን ክትጠቕሞም ኢያ።
15 ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዝርዝራት ብተገዳስነት ተመልከቶ:- ነዛ ኣወጅቲ እትብል መጽሓፍ ምንባብ እትውፍዮ ክፍለ ግዜ ዘሐጉስን ዘርብሕን ክኸውን ኣለዎ።
16 ስድራኻዶ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ክበጽሕዋ ምደለዩ? ገጽ 208–9 ነቶም ማሕበር ሓደ ክፍለ ዘበን ኣቢሉ ይገብር ኣብ ከባቢ ፒትስበርግ እትጥቀመሎም ዝነበረት መሳለጥያታት ኢዩ ዘርኢ። ገጽ 216–17 ምስቶም ዳሕራይ ኣብ ብሩክሊን ዝዕየየሉ ዝነበረ ህንጻ ኢዩ ዘፋልጠካ። እቶም ኣብ ገጽ 352–6 ዘለዉ ስእልታት ነታ ናይ ሎሚ ዘላ ዋና ናይ ዓለም ቤት ጽሕፈት የርእየካ። ምዕራፍ 26ን 27 ነቲ ኣብ ቤትኤል ዝግበር ናይ ስራሕ ዝርዝራት ዝመልአ ክኸውን ከሎ ገጽ 295–8 ድማ ብዛዕባ ናብራ ቤትኤል ዝበለጸ ካልእ ተወሳኺ ትምህርቲ ይህብ።
17 መብዛሕትና ንናይ ማሕበር ጨንፈራት ክንበጽሖም ኣይንኽእልን ኢና። እዛ ኣወጅቲ እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 357–401 ናብ ግሽነት ዓለም ኢያ ትወስደካ። ሃወኽ ኣየድልን ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ቍሩብ ግዜ እናወስድካ ተሐጎሰሉ። ቦታ ንምፍላይ ነታ ኣብ ገጽ 415–17 ዘላ ካርታ ዓለም ተጠቐመላ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ጨንፈር ስእሊ ዘሰንዮ ሓሳባት ኣንብቦ። በቲ ሓባሪ ገይረካ ካልእ ዝምስጥ ትምህርቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ክትረክብ ኢኻ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዘለዉ ኣባላት ናይ መንፈሳውያን ስድራኻ ንምፍላጥ ተጠቐመሉ።
18 ሰባት ብሓባር ክራኸቡ ኸለዉ ሓድሓደ ግዜ ፍልጠት ዓለም ዘስዕብ ጸወታ ይጻወቱ ኢዮም። ነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ዛንታ ህዝቢ የሆዋ ዘለዉ ክዝከሩ ዝግብኦም ዕለታትን ዝናታትን ምፍላጥዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይምበለጸን? ብዙሓት ከምዚ ዝበሉ ነገራት ኣብታ ኣወጅቲ እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 718–23 ተመዘጊቦም ክትረኽቦም ኢኻ። እቲ መዝገብ እቲ ሐደ መሰረታዊ ዝኾነ መምርሒ ኢዩ ዝበህበካ። ካብቶም ኣብቲ መጽሓፍ ዝርከቡ ዝርዝራት ወሲድካ ክትውስኸሎም ትኽእል ኢኻ። ነዚኦም ከም ድግማ ተጠቐመሎም። ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ መንእሰያት ምናልባት ቀልጢፎም ብቓሎም ከጽንዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ገሌና ዓበይቲ ዝኾንና ቍሩብ ዝሕል ክንብል ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር እዚኣቶም እንተድኣ ፈሊጥናዮም ንኹላትና ክጠቕሙና ዝኽእሉ ዝርዝር ዛንታ ቲኦክራቲክ ኢዮም። ነቶም ዕለታትን መሰረታውያን ክውናት ነገራትን ምስ ተመሃርካ ኣብቲ መሰረት እቲ ህነጽ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነት ክንደይ ዝርዝርራት ከም ትዝክር ተመልከት። ቀጺልካ ብዛዕባ እታ ነፍሲ ወከፍ ኵነት ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝገበረቶ ክፍሊ ተዛረብ። ኣስዒብካ ኣብ ህይወትካ ከመይ ከም ዝተሰምዓካን ምስቲ የሆዋ ዝገብሮ ዘሎ ብኸመይ ከም ተሰማምዖን ተዛረበሉ።
19 ነቲ ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚታት ተመልከቶ:- ነዛ ናይ የሆዋ መሰኻኽር አወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትብል መጽሓፍ ኣንቢብካ ምስ እትዘራረበሉ እቲ ዓብዪ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 60:22 ኣብ ቅድሜኻ ቅልዕ ኢሉ ክግለጸልካ ኢዩ። እታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 519 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “‘እቲ ንእሽቶ ሽሕ ክኸወን’ ዝብል መብጸዓ መፈጸምትኡ ተራእዩ ኢዩ። ብብዝሒ እኳ ድኣ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ 50 ንላዕሊ ዝኾና ሃገራት ‘ሒደት እኳ ይኹኑ’ ኣብ ዘይነበርዎ: ኣብ 1919 ሓደ’ኳ ይኹን ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበሮ: ኣብቲ ፈጺሞም ሰቢኾምሉ ዘይፈልጡ: ሎሚ ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ወደስቲ የሆዋ ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ገለ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ሎሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት አረ ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መሰኻኽር የሆዋ ኢዮም ዘለዉ! ኣብ ምልእቲ ዓለም መሰኻኽር የሆዋ ‘ሓደ ብርቱዕ ህዝቢ’ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። ቍጽሮም ምስተን እንተወሓደ 80 ዝኾና ብገዛእ ርእሰን ዝመሓደራ ሃገራት ምስናይ ነፍሲ ወከፈን ቍጽሪ ህዝቢ ክወዳደር ከሎ ናይቶም ዓለምለኻዊት ሕብርቲ ጉባኤ ቍጽሪ ይበዝሕ።
20 ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ምውሳኽ ፈጺሙ ኣይተወደአን ዘሎ። የሆዋ ናብቲ ቅድሚ ሎሚ ከምኡ ዝበለ ዘይተገብረ ደረጃ እኳ ድኣ ኢዩ ኣቀላጢፍዎ ዘሎ። ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣብኡ እትካፈል? ነቶም ተኸፊቶምልካ ዘለዉ ኵሎም ኣጋጣሚታትከ ትፈልጦም ዲኻ? ነቲ ካልኦት ዝገብርዎ ዘለዉ ብዝፈለጥካ መጠን ናብቲ ሎሚ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዝመርሖ ዘሎ ዓቢ ስራሕ መሊእኻ ክትካፈል ኢልካ ንኽትቀራረብ ልብኻ ክድርኸካ ኢዩ።