ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/94 ገጽ 2
  • ኣብ ኣማሃህራኻ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣማሃህራኻ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ዘዕጥቐና ቤት ትምህርቲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ካብቲ ናይ 1999 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ካብቲ ናይ 1996 ቲኣክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ—ክፍሊ 2
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 12/94 ገጽ 2

ኣብ ኣማሃህራኻ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር

1 እቲ ሓድሽ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ፕሮግራም ኣብ ጥሪ 1995 ክጅምር ኢዩ። ኣብዚ ፕሮግራም እዚ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ? ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘየለ ሕጂ እውን ደጊምና ነዛ ኣዝያ ጠቓሚት ዝኾነት ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍና ኣብ ሃናጺ ዝርርባትና ክንወስዳ ኢና። ኣብዚ ምሉእ ዓመት እንወስዶ ሃናጺ ዝርርብ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንጥቀመሉን ኣብቲ ትምህርቲ ምእንቲ ከነቕልብን ነቲ ካብኡ ዝርከብ ጥቕምታት ከነዕብዮን እንታይ ክንገብር ይግብኣና?​—⁠1 ጢሞ. 4:​16

2 ነዛ ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ወሲድናያ እኳ እንተኾና: ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መደብ ምውሳዳ ንኹሎም ነቲ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣቃውማኦም ከማስውሉ ክትሕግዞም ኢያ። (መዝ. 71:​17, 18) ነቲ ካብታ ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ኣርእስቲ ክትደግሞ: ንምንታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ግዜ ዘይትምድብ?

3 ህያውን ዘገድስን ሃናጺ ዝርርባት:- ካብዛ ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍና ዝወሃብ ሃናጺ ዝርርባት ህያውን ዘገድስን ብዝኾነ መገዲ ክውሃቡ ኣለዎም። ንማሕበር የሆዋ ዘሎካ ክብርን ነቲ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘሎካ መሰልን ንምዕሟቕ ምእንቲ ክትጥቀመሉ እቲ ኣብ ተግባር ክርአ ዘለዎ ሓሳባት ጐሊሑ ክቐርብ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እትካፈል ስድራቤት ናታ ቕዳሕ ናይታ ሓድነት ኣምልኾ መጽሓፍ ናብ ኣኼባ ሒዛ እንተድኣ መጺኣ: ኣባላት ናይ ስድራቤት ነቲ ሃናጺ ዝርርብ ዝያዳ ጠቢቖም ክከታተልዎን ካብቲ ዝወሃብ መብርሂታት ክጥቀሙን ኢዮም።

4 ዘነቓቕሕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ብግቡእ ምጽቃጥን ስምዒት ብዝህብን ጽቡቕ ገይርካ ምንባብ ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ስሉጥ ኣማሃህራ ኢዩ። ብተወሳኺ: እቲ ንተማሃራይ ቍጽሪ 2 ዝወሃብ ንባብ ነዊሕ ስለ ዘይኰነ እቲ ተዛራባይ ንመእተውን መዕጸውን ዝኸውን ሓሳባት ንምሃብ እኹል ግዜ ክህልዎ ኢዩ። እቲ መእተዊ ናይቲ ንባብ ተገዳስነት ዘለዓዕልን ነቶም ሰማዕቲ ድማ ነቲ ግብራዊ ቁም ነገሩ ክመምይዎ ዘዳልዎምን ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ ነቲ እተመደበሉ ግዜ ብምልኡ ብምጥቃም እቲ መዕጸዊ ገለጽቲ ሓሳባትን ኣብ ግብሪ ኣዋዓዕላ ናይቲ ንባብን ዝሕውስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

5 ብዛዕባ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ፕሮግራምን እቶም እተዋህቡ ክፍልታት ብኸመይ ከም ዝወሃቡን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ “ናይ 1995 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ክእለት ናይ ኣዘራርባን ኣማሃህራን ምእንቲ ክንምዕብል ነቶም ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ዘለዉ መምርሒታት ብምድግጋምን: ንኽፍልታትና ብጽቡቕ ብምድላውን ነቲ ዝወሃበና መምርሒታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ናብ ኣማሃህራና ነቕልብ። እቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዘይተመዝገቡ ዘለው ክምዝገቡ ምዉቕ ዕድመ ይግበረሎም ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ