“ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት”
1 “ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ መሳኻኽር የሆዋ ዝረኸብዎ ኣደናቒ ዝኾነ ዘበራብር ጸብጻብ በረኸት ክንሰምዕ ከሎናስ ኩላትና ተሓጒስና ኢና። ድሕሪ እቲ ን26 ዓመታት ኣብ ማላዊ ዝነበረ ኣራዊታዊ ጭቆና: ዕዮና ብሕጊ ተፈቒዱ ምስ ወጸ ናይ ሓጎስ ንብዓት ነቢዕና ኢና። እቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበረ ረሲእ ኮሚዩኒዝም ሮሞቕ ኢሉ ክወድቕ ከሎን እቶም ብዘይ ኣጋንኖ ኣሽሓት ኣሕዋትና ካብቲ ጨቋኒ ኣርዑት ሓራ ክወጹ ከለዉ ምስ ረአና ኸኣ እፎይ ኢልና ኢና። ሓርነት ኣምልኾና ኣብ ግሪኽ ተቓውሞ ምስ ገጠሞ ኣተሓሳሲቡና ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ዓወት ምስ ተጎናጸፍና ተፈሲህና ኢና። ብዘዕባ እቲ ንደለይቲ ሓቂ ዝኾኑ ጽሑፋት ብብዝሒ ዘውጽኣ ዘለዋ ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ዝገብራ ዘለዋ ናይ ማሕበር ጨንፈራት ክንሰምዕ ከሎና ተሓጒስና ኢና። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኪየቭዪክረይን ካብ 7, 400 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ከም ዝተጠምቑ ክንሰምዕ ከሎናስ ከይተደነቕና ኣይተረፍናን። እወ: እዚ ኣብ ዕዮ መንግስቲ አምላኽ ፍጥነት ዘለዎ ስጉምትታት እዚ ንመንፈስና ሓፍ ኣቢልዎ ኢዩ።
2 እቲ ከም እንሕጐስ ዝገብረና ምኽንያት ዓቢ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ከይንፍሳህ ግና ክንጥንቀቕ አሎና። እቲ ተኸታቲሉ ዝመጽእ ጥዑም ወረ: ኣንጻርነት ናይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ፈርከሽከሽ ኢዩ ዝብል ዘሎ መሰኻኽር የሆዋ ድማ ኣብ ምልእቲ ዓለም ተቐባልነት ይረኽቡ ኣለዉ ከብለና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ መዐሸዊ ኢዩ። ዘዕግብ ዓወት እኳ እንተ ተጓናጸፍና ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ሃገራት ነቲ ንብስራት ሓጹር ኮይንዎ ዝነበረ ብምድኻሙ መጠነኛ ዓወት ንጨብጥ ድኣ እምበር: እቲ ምስ ዓለም ዘሎና መሰረታዊ ርክብ ከም ዘይተለወጠ ክንርስዕ የብልናን። ከም ሰዓብቲ የሱስ መጠን ‘ካብ ዓለም ኣይኮንናን።’ ከምዚ ብምዃንና ድማ “ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ኢና።” (ዮሃ. 15:19፣ ማቴ. 24:9) እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ ነቲ “ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ኹሎም ክስጐጉ ኢዮም” ዝብል መሰረታዊ ሕጊ ሓደ’ኳ ዝልውጦ የለን። — 2 ጢሞ. 3:12
3 ናይ ታሪኽ ገጻት ንሓቅነት ናይዚ መጠንቀቕታ እዚ ይምስክርሉ ኢዮም። የሱስ: እቲ መስራት ክርስትና ኣብ ቅድሚ ሓያላት ገዛእትን ግዙኣቶምን ቀሪቡ ዘደንቕ ምስክርነት ምስ ሃበ መዓልታዊ ጸርፊ በጺሕዎ ኢዩ ከምኡውን ኣብ ዘየባትኽ ናብ ሞት ዘምብጽሕ ሓደጋ ወዲቑ ኢዩ። እቶም ሃዋርያቱ እኳ ንብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ክኾኑ እንተሓገዙን ነቲ ናይ ክርስትያን ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምጽሓፍ እንተተኻፈሉን እቲ ተኣምራታዊ ዝኾነ ውህበት መንፈስ እንተ ኣርኣዩን ከምቲ ናይ ክርስቶስ ይጽልኡን ብኽፉእ ዓይኒ ድማ ይጥመቱ ኢዮም ነይሮም። እዚ ኹሉ ጥዑም ጠባይን ፍቕሪ ጐረቤትን ኣናሃለዎም ከሎ ኩሎም ክርስትያናት ብመብዛሕትኦም ሰባት ከም “ሻራ” ተቖጺሮም ‘ኣብ ኵሉ ቦታ ይጻረርዎም ስለ ዝነበሩ’ ብንዕቀት ኢዮም ዝረኣዩ ነይሮም። (ግብ. 28:22) ሎሚ የሆዋ ነታ ዓለምለኸ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቓዱ ንኽትፍጽም ብዘደንቕ መገዲ እናተጠቕመላ ኸሎ: ኹላቶም ደቂ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከየቐረጹ ይቃወምዋን የካፍእዋን ኢዮም ዘሎዉ። ተቓውሞ ጠጠው ክብል ኢዩ ኢልካ እትጽበየሉ ምኽንያት የልቦን።
4 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: ሰይጣን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዝተፈላለዩ መገድታት ኣሳጒጊዎም ኢዩ። ጽልኢ ዝመልኦም ተጻረርቲ ንክርስትያናት ዘካፍእ ቍልጭ ዝበለ ሓሶት ተዛረቡ። (ግብ. 14:2) ንዕኦም ዘፍርሕ ብዙሕ ከፉእ ፈኸራ ነይሩ ኢዩ። (ግብ. 4:17, 18) ቍጡዓት ጭፍራ ስቕ ከብልዎም ፈቲኖም ኢዮም። (ግብ. 19:29–34) ብዘይ ቅኑዕ ምኽንያት ተኣስሩ። (ግብ. 12:4, 5) መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሰጐጕቶም ኣካላዊ ዓመጽ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። (ግብ. 14:19) ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ገሊኦም ንጹሃት ብፍላጥ ተቐትሉ። (ግብ. 7:54–60) ሃዋርያ ጳወሎስ ባዕሉ ንኹሉ እዚ መህሰይቲ እዚ ኣሕሊፍዎ ኢዩ። (2ቈረ 11:23–27) ተጻረርቲ ንዕዮ ስብከት ከሐንኩሉን ኣብ ልዕሊ እቶም እሙናት ዓየይቲ ስቓይ ከውርዱን ንዝረኽብዎ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ቅልጡፋት ኢዮም ነይሮም።
5 ሎሚውን ሰይጣን ከምዚኦም ዝበሉ ሜላታት ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ። ግጉያት ኣንቆራታት ከም ዝኾንና ዝገልጽ ግሁድ ሐሶት ኢዩ ዝንገር ዘሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰብ ስልጣን ንጽሑፋትና መፍረሲ ኢዩ ብምባል ኣጊዶምዎ ኣለዉ። ንቕድስና ደም ዘሎና ክብሪ ብህዝቢ ተሳሒቑን ተቓውሞ ረኺቡን ኢዩ። ኣብ ናይ 1940 ብሰበብ ሰላምታ ንባንዴራ ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት ነሕዋትና ወቒዖምዎም: ጉድኣት ኣብጺሖምሎም: ንብረቶምውን ኣባላሽዮምሎም ኢዮም። ብሰበብ ገለልተኛታት ምዃን ኣሽሓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ኢዮም። ኣብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት መናወጽቲ ኢዮም ብዝብል ሓሶት ክሲ ተኸሲሶምስ ብሳዕቤኑ ኣማእታት ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምቤታትን ብጭከና ይሳቐዮን ይቕተሉን ኣለዉ። እቲ ናይ ምግዳድ ሓይሊ ምሕረት ዘይብሉ ኰይኑ ንሕና ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ብህዝቢ ጽሉኣት ከም ዝኾንና ኢዩ ዘርኢ። — ኣብታ ፕሮክለይመርስ (ኣወጅቲ) እትብል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 29 ተመልከት።
6 እቲ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ እንታይ ሒዙ’ሎ? ኣብ ገሊኡ ሃገራት መሰኻኽር የሆዋ ካብቲ ተጸቒጦምሉ ዝነበሩ ኵነታት በብግዜኡ ይላቐቑ እኳ እንተለዉ ጠቕላላ ኩነታቱ ግን ከምቲ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ። ዲያብሎስ ብ1914 ብምውራዱ ገና ተቖጢዑ ኢዩ ዘሎ። ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ሓጺር ከም ዝኾነ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ዓቢ ጸበባ ክቐርብ ከሎ ቍጥዓኡ ከም ዝረስን ርግጽ ኢዩ። ምስቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ክዋጋእ ምሉእ ብምሉእ ተዓጢቑ’ዩ ዘሎ ክሳዕ መወዳእታ ክዋጋእ ድማ ቈሪጽዎ ኢዩ። ንሱን ኣጋንንቱን ቍጥዓኦም ዘንፍስዎ ድማ ኣብቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘለዉ “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ህዝቢ የሆዋ ኢዩ። — ራእ. 12:12, 17
7 ስለዚ ኣብቲ ዝመጽእ ግዜ ክንጥምት ከሎና ኣብቲ እንገብሮ ትጽቢት ምስትውዓል ከድልየና ኢዩ። ዲያብሎስ ክሓድጎ ኢዩ ወይ ክቐብጽ ኢዩ ኢልካ ዘሕስብ ምኽንያት የለን። እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከም ዝሰርጽ ጌርዎ ዘሎ ኣባና ዘለዎ ጽልኢ: ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ብሓንሳብ በግ ክብል ዝኽእል ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ስብከት ናጽነት ረኺብናዮ ዘሎና ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ። እቲ ሓርነት እቲ ብገለ ናይቲ ግዜ እቲ ደንገጽቲ ኣማሓደርቲ ወይ ብህዝቢ ተቐባልነት ብዘይብሉ ሕጊ ዝተረኽበ ኣዝዩ ተነቃፊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብሓንቲ ለይቲ ግን ሕንፍሽፍሽን ንመሰል ሰባት ዝግህስ ዘይዕገት ሃንደበታዊ ናዕብን ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
8 እቲ ሎሚ ኣብ ገሊኡ ሃገራት እንረኽቦ ዘሎና ናጽነትን ብልጽግናን ብቕጽበት ኣቋሪጹ ነሕዋትና ናብቲ ቀደም ዘሕለፍዎ ሕስራን ከውድቖም ዝኽእል ኢዩ። ጸላእትና ተመሊኾም ኢዮም ኢልና ተረሪና ናብ ግድ የለሽነትን መንፈስ ምስልካይን ክንወድቕ ኣይንድፈር። ጽልኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኩሉ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ዘይገሃድ እኳ እንተኾነ: እቲ ጽልኢ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ መወዳእታ ክቐርብ ከሎ ናይ ዓለም ተጻራርነት ድማ ኣብ ክንዲ እናዘሓለ ዝኸይድስ እናበርተዐ ክኸይድ ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና። ስለዚ “ጠቢባን ከም ተመን ገርህታት ከኣ ኸም ርግቢ” ኮይንና ክንጠንቀቕ አሎና። (ማቴ. 10:16) ክሳዕ መወዳእታ ‘ገድሊ’ ከም ዘሎና ንገንዘብ: ናይ ድሕነትና መፍትሕ ድማ ምጽማም ኢያ። — ይሁ. 3፣ ማቴ. 24:13
9 ኣብቲ እንነብረሉ ዘሎና ክፍሊ ዓለም እቲ ዕዮ ካብ ተጻረርትና ዝረአ ዕንቅፋት ብዘይምህላዉ እናበልጸገ ዝኸይድ ክኽውን ዝኽእል ኢዩ። እዚ ኣኽቢድካ ዘተሓሳስብ ነገር የብሉን ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ንቑሓት ምዃንሲ የድልየና ኢዩ። ኩነታት ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። ተጻረርቲ ከየጠንቀቑ ብገለ ጉዳይ ተጠቒሞም ኣንጻርና ክለዓሉ ይኽእሉ። ከሓድቲ ከየቋረጹ ንመጥርዒ ዝኾኖም ብዘይምቁራጽ ኢዮም ሃሰስ ዝብሉ ዘለዉ። ብዕዮና ሰጊኦም እተቖጥዑ ካህናት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የካፍኡና ኢዮም። ኣብቲ ዘሎናዮ ኣከባቢ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስራሕ ዘሎና መደብ ንብምሉኡ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዘናውጽ ናዕቢ ክልዓል ይኽእል ኢዩ። ዘርስን ዘረባ ተሓቲሙ ወጺኡ ንዓና ኣብ ጸልማት ዝድርቢ እውን ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። ተሰማዕቲ ዝኾኑ ሰባት ኮነ ኢሎም ብምክፋእ ኣብ አገልገልግሎት ንጐረባብትና ብጽልኢ ከም ዝለዓሉና ይገብርዎም ኢዮም: ዋላ እቶም ኣብ ገዛና ዘለዉ ፍራቑራትና ተናዲዶም የሳድዱና ኢዮም። ስለዚ ጽልኢ ዓለም ርሱን ከም ዘሎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ድማ ክቕልቀል ከም ዝኽእልን ተገንዚብና ምጥንቃቕ ዘድሊ ኢዩ።
10 ከመይ ገይሩ ኢዩ እዚ ዝነኽኣና? እዚ ኹሉ ነተሓሳስባናን ብናይ ዳሕራይ ዘሎና ኣመለኻኻታን ናይ ብሓቂ ይነኽኦ ኢዩ። በየናይ መገዲ? እዚዶ ነቲ ክንጽመሞ ዘሎና ከም እንጥንቀቐሉን እንፈርሓሉን ክገብረና ይግብኦ ኢዩ? ኣብቲ ካባቢና ዘለዉ ህዝቢ ብእኡ ከይርበሹ ኢልናዶ ብዕዮ ስብከትና ክንዝሕል ይግብኣና ኢዩ? ብዘይ ግቡእ ከካፍኡና ከለዉዶ ዘጨንቕ ጽኑዕ ምኽንያት ኣሎና ኢዩ? እቲ ሕሱም ተግባርዶ ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጎስ ግድን ዝዝርፈና ኢዩ? ብዛዕባ እቲ ሳዕቤኑኸ ዘጠራጥርዶ ኣለዎ ኢዩ? ፈጺሙ የብሉን! ስለምንታይ?
11 እቲ እንእውጆ ዘሎና መልእኽቲ ካብ የሆዋ ዝነቐለ ድኣምበር ካባና ከም ዘይነቐለ ክንስሕቶ የብልናን። (ኤር. 1:9) ነቲ “ንስሙ ጸውዑ: ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ . . . እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ” ዝብል ምኽሪ ከነስተብህለሉ ንግደድ ኢና። (ኢሳ. 12:4, 5) ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈጸመ ክፉእ ተግባር ምእንቲ ሓደ ፍሉይ ዕላማ ንሱ ከኣ “ስሙ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ክውረ” ኢዩ። (ዘጸ. 9:16) ብየሆዋ ዝተሓገገ ስራሕ ኢና ንገብር ዘሎና ምእንቲ ድምብርጽ ከይበልና ዓው ኢልና ክንዛረብ ትብዓት ዝህበና ኸኣ ንሱ ኢዩ። (ግብ. 4:29–31) ኣብዘን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ ክፍጸም ዘለዎ ኣዝዩ ዓብይን ጠቓምን ህጹጽን ስራሕ እዚ ኢዩ።
12 እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰይጣንን እዛ ዓለም እዚኣን ዘምጽኡልና ተቓውሞ ጸኒዕና ከም እንቐውም ኢዩ ዘተባብዓና። (1 ጴጥ. 5:8, 9) የሆዋ ምሳና ኾይኑ የጽንዓናን የትብዓናን ከም ዘሎ ምፍላጥና ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰጐጕትና ዘሎና ዝኾነ ዓይነት ፍርሒ ብትንትን ኢዩ ዘብሎ። (ዘዳ. 31:6፣ እብ. 13:6) ኵሉ ግዜኳ ብተጻረርቲ ክንሰግእ ከሎና ሜለኛታትን ርዱኣትን ብልህታትን ክንከውን እንተጸዓርና ኣምልኾና ክትንከፍ ከሎ ግን ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ’ ቈሪጽና ነብርሃዮ። (ግብ. 5:29) ንርእስና ክንከላኸል ዓው ኢልና ክንዛረበሉ እንኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክንረክብ ከሎና ከምልጠና ኣይንሓድጎን ኢና። (1 ጴጥ. 3:15) ምስቶም ንዓና ንምቅላል ጥራይ ዝብህጉ ተረርቲ ተቓወምቲ ንምምጓት ግን ግዜና ኣይነጠፍእ። ከካፍኡናን ብሓሶት ክኸሱናን ከለዉ: ኣብ ክንዲ ንንድር ስቕ ኢልና ‘ንሕደጎም።’ — ማቴ. 15:14
13 ብፈተናታት ምጽማምና ንየሆዋ የሐጕሶ ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:19) ነቲ ስምረት እቲ እንታይ ዋጋ ክንከፍለሉ ኢዩ ዝግብኣና? ስለ ዝተጸላኣናን ተቓውሞ ስለ ዝገጠመናንስ ከይተሓጎስና ከነገልግልዶ ይግብኣና ኢዩ? ኣይፋልናን ኣባ ድኣ! የሆዋ ንምእዛዝና “ሓጐስን ሰላምን” ብምሃብ ክባርኸና ተመባጺዑ ኣሎ። (ሮሜ 15:13) ኣብ ገጽ እቲ ብርቱዕ ስቓይ ከሎ የሱስ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ” ተሓጒሱ ኢዩ። (እብ. 12:2) ንዓና እውን ከምኡ ኢዩ። ዓስቢ ምጽማምና ዓቢ ስለ ዝኾነ ዘሕዝን ፈተናታት እኳ ነሐልፍ እንተኾንና ‘ንሕጐስ: ባህውን ይብለና’ ኢዩ። (ማቴ. 5:11, 12) ኣብ ግዜ ጸበባ እውን ከይረፈ: እዛ ሓጐስ እዚኣ ንገዛእ ርእሳ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቱ ብምድጋፍ ንየሆዋ ክንውድሶን ክንባርኾን ምኽንያት ትኾነና ኢያ።
14 ብፍረ ናይቲ መወዳእታኸ: ጭኑቓት ወይ ተወላወልቲ ንኽንከውን ዝገብረና ገለ ዘጠራጥር ነገርዶ አሎ ኢዩ? የልቦን: ፍረ ናይቲ ኣብ መንጎ ማሕበር የሆዋን ናይ ሰይጣን ዓለምን ዘሎ ግጭት ነዊሕ ይገብር ተፈሊጡ ኢዩ። (1ዮሃ. 2:15–17) እቲ ብርታዐ ወይ ዕብየት ናይቲ ተቓውሞ: ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ የሆዋ ዓወት ክህበና ኢዩ። (ኢሳ. 54:17፣ ሮሜ 8:31, 37) ዋላ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ፈተና እንተወደቕና: ነቲ ዓስቢ ክኽልክለና ዝኽእል ማንም የለን። የሆዋ ንጸሎትና ብምምላሽ ሰላም ስለ ዝሃበና ‘ብገለ እኳ ዘጨንቕ’ የብልናን። — ፊል. 4:6, 7
15 ኣሕዋትና ኣብቲ ቀደም ተዓጊቶምሉ ዝነበሩ ኣካባቢ ሎሚ ናይ ምስባኽ ናጽነት ተዋሂቦምን ካብ መስጐጕቲ ድሒኖምን ዝብል ወረ ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። እዚ ዝልወጥ ዘሎ ኩነታት ቅኑዓት ሰባት ምስ ብስራት መንግስቲ ክራኸቡ ሓድሽ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ከሎ ንሕጐስ ኢና። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ብጽልኢ ዝተመልኡ ተጻረርትና ዓወት ስለ ዘጓናጸፈና ብሓቂ ነመስግኖ ኢና። ምእንቲ እታ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ቤቱ ልዕል ክትብልን እቶም “ክቡር” ነገር ተባሂሎም ዘለዉ ድማ ካብ ኩሎም ህዝብታት መጺኦም ንምእታው ኣጋጣሚ ክረኽቡን ኢሉ ንስርሓና ኣድላዪ ብዝኾነ መገዲ ከም ዝባርኾን ከም ዘበልጽጎን ንፈልጥ ኢና። — ሃጌ 2:7 ኢሳ. 2:2–4
16 ብተወሳኺ ድማ ጸላኢና ሰይጣን ኣዝዩ ሓያል ምዃኑን ክሳዕ መወዳእታ ኣበርቲዑ ክቃወመና ከም ዝኾነን ኣጸቢቕና ንርድኦ ኢና። መጥቃዕትታቱ ብግልጽን ብድርቅናን ክመጽእ ይኽእል: ወይ ድማ ረቂቕን መታለልን ብዝኾነ መገዲ ይመጽእ ይኸውን: ኣብቲ ቀደም ሰላም ጥራይ እንፈልጠሉ ዝነበርና ቦታ ዘይተሓስበ ስደት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። እኩያት ተቓወምቲ ብዓመጽ ንኽጭቁኑና ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርታት ኣረሜናውን ዘየናሕስን መገድታት ይጥቀሙ ኢዮም። ኣብ ግዜኡ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ‘ምስ ኣምላኽ ይበኣሱ: ከም ዘለዉ’ ክበርሃሎም ኢዩ። ከጽንቶም ድማ ኢዩ። (ግብ. 5:38, 39፣ 2 ተሰ. 1:6–9) ክሳዕ ሽዑ ግን ክሳዕ ክንደይ ክንጽመም ከም ዘሎና ብዘየገድስ: ንየሆዋ ብተኣማንነት እናገልገልናን መልእኽቲ መንግስቲ እናሰበኽናን ቀጥ ኢልና ክንጸንዕ ቖሪጽና ኣሎና። ‘ቅቡላት ኰይንና ኣኽሊል ህይወት ከም እንቕበል ካብ እንፈልጥስ’ ኣብ ገጽ ምድሪ ካብ ዘለዉ ሰባት ሕጉሳት ንሕና ኢና። — ያእ. 1:12