ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/94 ገጽ 2
  • ካብ ግጉይ ሕያውነት ተሓሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ግጉይ ሕያውነት ተሓሎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ንዚግበር ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ደግፍ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣቱም ሽማግለታት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 2/94 ገጽ 2

ካብ ግጉይ ሕያውነት ተሓሎ

1 ህዝቢ የሆዋ ብሕያውነቶምን በቲ ለጋስ መንፈሶምን ዝተፈልጡ ኢዮም። እዚ መብዛሕትኡ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝተዛረቦ ዘደንግጽ ምስላ ተገሊጹ ከም ዘሎ ብስጋዊ ነገር ነቲ ሳምራዊ ክንመስል ከሎና ኢዩ። (ሉቃ. 10:​29–37) ይኹን እምበር እቶም ስጋዊ ሓገዝ ዘይግብኦም ብሕያውነትና ክብለጹ ይጽዕሩ ይኾኑ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ “ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ኹሉን” ሚዛናዊ ክኸውን ይግብኦ። — ፊል. 1:9

2 ኣብ ውሽጢ እቲ ጉባኤ:- ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓገዝ ደልዩ: ካብ ስራሕ ወጺአ ወይ ካልእ ምኽንያታት ክብል ይኽእል ኢዩ። ሓድ ሐደ ግዜ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ተጊሆም ስራሕ ኣይደልዩን ኢዮም። ንህልውናኦም ዘድልዩ ነገራት ካልኦት ብኸምኡ ክህብዎም ኢዮም ዝደልዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተኾይኑስ ኣይብላዕውን” ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ። — 2 ተሰ.  3:10

3 ንኵላትና “ግዜን ኣጋጣምን” ይበጽሓና ኢዩ: እምበኣር “ናይ ዕለት እንጌራና” ብምስኣን ኣብ ስጋዊ ሽግር እንተሊና: የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎን ፍቓዱ እውን ዝገብሩን ዘድልዮም ይቕርበሎም ስለ ዝኾነ ካብ መጠን ንላዕሊ ክንጭነቕ የብልናን። (መክ. 9:​11፣ ማቴ. 6:​11, 31, 32) ሓደ ስኡን ሰብ ምስ ሓደ ካብቶም ሽማግሌታት ምዝርራብ ጠቓሚ ኰይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። እቶም ሽማግሌታት ንሓገዝ ኢሉ ዝቖመ መንግስታዊ ፕሮግራማት ክፈልጥዎ ስለ ዝኽእሉ: ነቲ ንእኡ ዘድሊ ወረቓቕቲ ንምስልላጥ ክሕግዙ ይኽእሉ ወይውን ነዚ ፕሮግራማት እዚ ዘድሊ ብቕዓታት ይርድእዎ ይኾኑ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቶም ሽማግለታት ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሓገዝ ዝሓትት ነቲ ኩነታቱ ገምጊሞም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ይውስኑ። — ምስ 1 ጢ⁠ሞ.  5:​3–16 ኣነጻጽሮ 

4 ገለ ተበለጽቲ:- ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብገለ ተበለጽቲ ገንዘቦምን ንብረቶምን ዝዕመጹ ከም ዘለዉ ማሕበር ከየቋረጸት ኢያ ጸብጻብ እትቕበል። እቲ ጽሑፍ “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናስሓቱን ናብ ዝገደደ ኪበጽሑ እዮም” ኢሉ ስለ ዘጠንቅቐናስ እዚ ኣየገርመናን ኢዩ። (2 ጢ⁠ሞ.  3:​13) መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ተበለጽቲ እዚኦም ከም ዝሽግሮምን ንመግብን ናብ ገዝኦም መምለስን ዝኾኖም ገንዘብ ስኢንና በሃልቲ ኢዮም። ሓቂ እኳ እንተምሰሉ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመስሉ ድኣ እምበር ናይ የሆዋ መሰኻኽርስ ፈጺሞም ኣይኮኑን።

5 ሓደ ጋሻ ሓገዝ ደልዩ ምስ ዝሓትት ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ናይታ ጉባኤ እዚ ሰብ እዚ ሓውና ምዃኑን ዘይምዃኑን መርሒነት ወሲዱ ክፈልጥ ስለ ዝኽእል ምስኡ ምምኽኻር ይሓይሽ። ምእንቲ ናይቲ ሰብ እቲ እንታይነት ከረጋገጽ ኩሉ ግዜ ናብታ ናይ እቲ ሰብ እቲ ጉባኤ ተሌፎን ይደውል። ብዘይተሓስበ ኣብ ሽግር ዝወደቑ ናይ ብሓቂ ኣሕዋትናን አሓትናን ንኹሎም እቶም ሓልዮት ዘርእዩ ንዕቑባኦም ተባሂሉ እዚ ከምዚ ዝበለ ሕቶ ከም ዝግበር ይርድኡ ኢዮም። ብሓደ ወገን እቶም ቀጠፍቲ በዚ ምርመራ እዚ ይቕልዑ ኢዮም። እዚ ክበሃል ከሎ ንኹሎም እቶም ዘይንፈልጦም ዘበሉ ጠርጠርቲ ምዃን ኣየድልን ኢዩ: ካብ ቀጠፍቲ ግን ክንጥንቀቕ ኢዩ ዘሎና።

6 እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ኢድካ ክትግብረሉ ዝከኣላ እንተኾይኑስ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ኢሉ ይምዕድ። (ምሳሌ 3:​27) ካብ ግጉይ ሕያውነት እናተሓለና በቲ ጥበብ ዝመልኦ ምስትውዓልና ገይርና ምሕረተኛታት ኮይንና ክንቅጽል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ