ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብታ ጉባኤ ውሳኔታት ክቐርቡ ከለዉ ከመይ ዝበለ ኣሰራርሓ ኢዩ ክሰዓብ ዘለዎ?
ሐደ ውሳኔ ዝድለ: ከም ንብረት ምዕዳግን ኣዳራሽ መንግስቲ ከተሐድስ ወይ ከተስርሕ ከሎኻን ናብ ማሕበር ዝለኣኽ ፍሉይ ገንዘብ ወይ ንናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ምእላይ ዝጠፍእ ገንዘብ ዝግበሩ ዓበይቲ ነገራት መደብ ክግበር ከሎ ኢዩ። ገንዘብ ጉባኤ ኣብ ዝወጸሉ ግዜ ኩሉ ግዜ እርጋእታ ክወሃበሉ ኣብ ወሳኔ ክቐርብ ዝበለጸ ኢዩ።
ምስ ዓበይቲ ውጥናት ወይ ንጥፈታት ብቐጥታ እተተሓሓዙ ፍሉያት አድለይቲ ነገራት ዘጣመረ ጉዳይ ክርከብ ከሎ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ ክግበር ይከኣል። ንኣብነት እታ ጉባኤ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ስብከት ዝውዕል ኣብ ወወርሒ ፍሉይ ገንዘብ ንኽትውፊ ሓንሳእ ውሳኔ ትገብር ትኸውን። ከምኡውን ንመጠነኛ ዝኾነ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝወጽእ መሳርሒ ከም ነቑሑን ንመጻረዪ ዝኾኑ ነገራትን ውሳኔ ክግበረሉ ኣየድልን ኢዩ።
ሓደ ነገር ግድን ኣድላዪ ኮይኑ ክርከብ ከሎ እቶም ኣካል ሽማግለታት ነዚ ኣስፍሕ ኣቢሎም ክዘራረቡሉ ይግብኦም። እቶም ሓደ ነገር ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ዝበዝሑ እንተ ኮይኖም ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ምናልባሽ ሓደ ኣባል ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ: ኣብቲ ኣገልግሎት ኣኼባ ዘቕርቦ ናይቲ ውሳኔ ጽሑፍ የዳሉ።
እቲ ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዝዓዪ ሽማግለ: ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ነገርን እቶም ኣካል ሽማግለታት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ናይቲ ነገር እቲ ዝሃብዎ ሕድርን ኣሕጺሩን ኣብሪሁን ይግለጽ። ሽዑ እታ ጉባኤ ምስኡ ዝተተሓሓዙ ሸቶታት ንኽትሓትት ዕድል ትረክብ። እቲ ነገር ከቢድ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ክሓስበሉ ግዜ ክረክብ እቲ ምድማጽ ክሳብ ዳሕራይ እንተጸንሐ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ድምጺ ዝፍጸም ኣእዳውካ ብምልዓል ኢዩ።
ብናይ ሰብ ስልጣን ነገር ወይ ኣዳራሽ መንግስቲ ንኸተስርሕ ዝውሰድ ለቕሓ ክግበር ከሎ እቲ ሕጋዊ ተደላይነት ዝሓቶ ነገር እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ድምጺ ምሃብ ኣብቶም ህይወቶም ዝወፈዩን ዝተጠምቁን ናይታ ጉባኤ ዝተወሰነ ይኸውን። ካብ ካልኦት ጉባኤታት ዝመጹ በጻሕቲ ኣብ ምድማጽ ክካፈሉ ግቡእ ኣይኮነን።
እቲ ውሳኔ ጸዲቑ ምስ ሓለፈ ተመዝጊቡ ተፈሪሙ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ፋይል ይቕመጥ።