ናይ አገልግሎት አኼባ
2 ለካቲት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 198
10 ደቒቕ:- “መጽሓፍ ቅዱስ — እቲ ዝበለጸ ምንጪ ናይ ምትብባዕና ኢዩ። መጽሓፍ ምምርማር ገጽ 117–21። ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ወጻኢ እታ ጉባኤ ዘለዉ ምትብባዕ የድልዮም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ኣስፋሒ ንኻልኦት ንምትብባዕ ብኸመይ ቃል ኣምላኽ ክጥቀም ከም ዘለዎ ኣረድእ።
15 ደቒቕ :- ሽማግለ: ካብ ናይ 1994 ዓመታዊ መጽሓፍ ካብ ገጽ 19–32 እተመርጸ ቀንዲ–ቀንዲ ሓሳባት ተጠቒሙ: ዓለምለኻዊ ምስፍሕፋሕ ናይ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ይመያየጥ። ከምኡውን እተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ዝገበራኦ ደገፍ የጉልሕ። የሆዋ ንህዝቡ ነቶም ዓቕሞም ውሱን ዝኾነ እውን ከይተረፈ ከመይ ገይሩ ኣኻዕቢቱ ከም ዝባርኾም የርኢ። እታ ጉባኤ እዚ ሓድሽ ዓመታዊ መጽሓፍ እዚ ዘይተቐበለት እንተድኣ ኾይና እዚ ክፍሊ እዚ ምስቲ ነቲ ከባቢ ዘድሊ ዝሰማማእ ገይርካ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝገበሮ ምብጻሕ እተዋጽአ ነጥብታት ወይ ድማ ካብ ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገለ ቀንዲ ነጥብታት ብምድጋም ይካየድ።
15 ደቒቕ:– “ወሃቢ ‘ናይ ኩሉ ጽቡቕ ውህበት’።” ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ካብ ገጽ 28–31 እተመስረተ ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- እምነት። ኣብ ገጽ 129–32 መጽሓፍ ምምርማር እተመስረተ ኮይኑ ሽማግለ ምስ ጉጅለ መንእሰያት እናተመያየጠ ዝህቦ ዝርርብ። ብዛዕባ ናይ እምነት መግለጺታት ምስ ተመያየጠ: ነቶም ጉጅለ ሕቶታት ይሓቶም። ብዙሓት እምነት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም? ናይ እምነትና መሰረት እንታይ ኢዩ? ጽኑዕ እምነት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና? ነዚ እምነት እዚኸ ብኸመይ ኢና ክንገልጾ እንኽእል? እቲ ሽማግለ ነቶም መንእሰያት ብምንኣድን ብምትብባዕን ይድምድም።