ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ በቲ ምዝርጋሕ ናይታ ሓዳስ መጽሓፍ ኵሎም ተሓጒሶም ኢዮም
ሓዳስ መጽሓፍ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ተጕልሕ
1 አብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብምሉኡ በቲ ፕሮግራም እተሓጐስና! ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ብዛዕባ እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍን ምስኣ ተተሓሒዙ ዝሰዓበ ሓበሬታን ምስ ሰማዕና ሓጐስና ጀርቢቡ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እቲ ኣምላኽ ጥራይ ክህቦ ዝኽእል ፍልጠት—ናይ ኣምላኽ ከምኡውን ናይ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ፍልጠት—የድልዮም ኢዩ።—ምሳ. 2:1-6፣ ዮሃ. 17:3
2 እቲ ተዛራባይ ንገለ ክፋላት ናይታ መጽሓፍ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣነጺሩ ዝገለጾ። እቲ ማራኺ ዝዀነ ናይቲ ምዕራፍ ኣርእስትታት: ተግባራዊ መግለጺታት: ናይ ሓቂ ኣወንታዊ ኣቀራርባታት: ዘይተሓላለኸ ሕቶታት: ከምኡውን እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘሎ “ፍልጠትካ ምዘን” ዝብል ሳጹን: ንዅሎም እቶም ዘንብቡዋ ገለ ካብቲ ዝስሕብ መዳያት ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታትና ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ትምህርትታት ቀልጢፎም ክሕዝዎ ከለዉ ብፍላይ ክጥቀሙ ኢዮም።
3 ኣብቲ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ዝነበረ ናይ መዕጸዊ ዝርርባት በዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክንገብር ተተባቢዕና ኢና። ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ተቐበልናያ ብኡንብኡ ምስቲ ትሕዝቶኣ ክንላለ ኣሎና። ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከተበርክታ ከሎኻ ነቶም እትጥቀመሎም ነጥብታት ከም እተቕልበሎም ኣየጠራጥርን ኢዩ።
4 ንድግማ ዝዀኑ ነጥብታት:- ነታ “ወድሰብ ስለምንታይ ፍልጠት ኣምላኽ ከም ዘድልዮ” እትብል ኣርእስቲ ከቕርብ ከሎ: እቲ ተዛራባይ ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሓዊስካ ብዙሓት ነጥብታት ኣጕሊሑ ከም ዝነበረ ትዝክሮ ኢኻ:- (1) ጽንዓታት ንምምራሕ ነዛ መጽሓፍ እዚ ክትጥቀም ከሎኻ: ነቲ ቀንዲ ነጥብታት ከደናግር ዝኽእል ካልእ ተወሳኺ ሓሳባት ከተምጽእ ጥበባዊ ኣይኰነን፣ ነቲ እታ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እተቕርቦ መርትዖ ኣብ ምትሕልላፍ ኣተኵር። (2) ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽንዓት እትገብረሉ ሓንቲ ምዕራፍ ምእንቲ ክትውድእ: እቶም ምዕራፋት ንውሓቶም መጠነኛ ኢዩ። (3) ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ መወዳእታ እቶም ኣብቲ “ፍልጠትካ ምዘን” ዘርእስቱ ሳጹን ዘለዉ ሕቶታት ሓጺር ድግማ ክህቡኻ ኢዮም።
5 ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ምጥቃም:- ገለ ውሑዳት ኣስፋሕቲ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓቶም በዛ ሓዳስ መጽሓፍ ክልውጥዎ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ሓቲቶም ኢዮም። ነታ ሕጂ እትጥቀመላ ዘሎኻ መጽሓፍ ኣብ ምውዳእ እንተድኣ ኴንካ: ነቲ መጽናዕቲ ናይታ መጽሓፍ ክትውድኦ ጽቡቕ ኢዩ። እንተ ዘይኰይኑ ግን መጽሓፍ ፍልጠት እንተ ለወጥካ ዝሓሸ ኢዩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ብሮሹር ወይ ትራክት እንተድኣ ተጠቒምካ: ኣብቲ ምቹእ ዝዀነ ግዜ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣፋልጣ: ንጽንዓት ድማ ተጠቐመላ። ንመጽሓፍ ፍልጠት ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ዝወጽእ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ክግለጽ ኢዩ።
6 የሆዋ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ክንምህሮም ምእንቲ ክሕግዘና ኢሉ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ሂቡና ኣሎ። ሕጂ ጽቡቕ ጌርና ክንዳሎን ኣብዚ ጌና ብሕጂ ክግበር ዘለዎ ዕዮ ምሉእ ተሳታፍነት ክህልወናን የድልየና ኢዩ።