ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ —ጸኒዕና ንኽንቀውም ኣድላዪ ኢዩ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብእምነት ጥዑያት’ ክንከውን ተማሕጺኑና ኣሎ። (ቲቶ. 1:9, 13) ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ጥዑይ ዝዀነ ሓሳባት ንመያየጥ ከምኡውን ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽንክእል’ ነቲ ምሉእ መንፈሳዊ ኣጽዋር ብኸመይ ከም እንጸውር ንማሃር ኢና።—ኤፌ. 6:11፣ ፊል. 4:8
2 ኣኼባታት እቲ ዘድልየና ይህበና:- ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ተሳታፍነት ምግባርና ጸኒዕና ደው ንኽንብል ኣድላዪ ኢዩ። (1 ቈረ. 16:13) ኣብ ኣኼባታት ንኣምላኽ ንምምስጋንን ምውዳስን ጸሎት ይቐርብ: ከምኡውን ምእንቲ እታ ጉባኤን ዘድልያ ነገራትን ናብኡ ልመና ይቐርብ ኢዩ። (ፊል. 4:6, 7) ኣብቲ ናይታ መንግስቲ መዝሙራት ምሕባር ንየሆዋ ከነምልኾ ከሎና ዘሎና ኣረኣእያን ስምዒትን ክንገልጽ የለዓዕለናን የኽእለናን ኢዩ። (ኤፌ. 5:19, 20) እቲ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ቅድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን ብሓባር ዘሎና ብጻይነት የተባብዓና: ይሃንጸና: ከምኡውን የሐድሰና ኢዩ።—1 ተሰ. 5:11
3 ዝሓለፈ ሚያዝያ እታ “ናይ ሓሶት ሃይማኖት መወዳእታ ቀሪቡ” ዘርእስታ ፍልይቲ ዝርርብ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ኣፍቀርቲ ሓቂ ካብ ዓባይ ባቢሎን ንኽወጹ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዱ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲራ ኢያ። (ራእ. 18:4) ኣብ ሰነን ሓምለን ነቲ መገዲ ጽድቂ ዘብርሁ: ብዛዕባ ናይ ብርሃን ነጸብራቓት ዝምልከቱ ሰለስተ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት ክትወስድ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘለዓዕል ኢዩ ነይሩ! (ምሳ. 4:18) ነቶም ኣኼባታት እቲኣቶም ዘይተኻፈልናዮም ኔርና እንተንኸውን እቲ ኸምልጠና ዝኽእል ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ።
4 ኣብቲ “ሕጕሳት ወደስቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባና: እቲ ንኣገልግሎትና ዘሰስን ናይ ትምህርቲ ኣድላይነት ተጸቒጥሉ ነይሩ ኢዩ። ከምቲ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 72 እተመልክቶ እቲ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ነቲ ንብምልእታ ጉባኤ ዝኸውን ቀጻሊ ትምህርቲ ምድላው ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ሓደ ካብቲ ኣብዚ መደብዚ ዘለዉ ክፍልታት በታ ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ጽሕፍቲ ተጠቒምና ንመልእኽትና ዝያዳ ውጽኢታዊ ገይርና ከነቕርበሉ እንኽእል መገድታት ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ይሕግዘና ኣሎ። እዚ ትምህርቲ እዚ ከምልጠና ኣይንደልን ኢና።
5 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባና ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣስለጥቲ ክንከውን የዕጥቐና ኢዩ። እዚ ኣብቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ንኽንሳተፍ መምርሒ ምእንቲ ክወሃበና እተገብረ ኣኼባ ተራእዩ ኢዩ። ካብቲ እተራእየ ፍሉይ ዓለምለኻዊ ውጽኢታት: ናይ የሆዋ በረኸት ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 9:6, 7 ኣረኣእዮ።) እቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታት ዝሳተፉ ዝነበሩ ተተባቢዖም ኢዮም: ከምኡውን እቲ ነቲ ወፈራ ዘድሊ ዝነበረ ሓገዝ ክፈሪ ሓጊዞም ኢዮም።
6 ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ በቲ ብመጻሕፍትን እተፈላለየ ዓንቀጻትን ተሓጊዝና ካብ ቃል ኣምላኽ እንመሃሮ ዘሎና: እቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ክብ ኢሉ ኢዩ። ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ፍጻሜታት ብቕልጡፍ ይሓልፉ ካብ ሃለዉ: ንፍጻሜ ናይቲ ዓሚቝ ትንቢታት ክንርድኦ ከድልየና ኢዩ።
7 ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባ ምስታፍ ቀዳምነት ሃቦ:- ኣብቲ ኣሕዋትና ብፈተናታት ዝሳቐይሉ ዘለዉ ብዙሓት ሃገራት: ጌና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክእከቡ ንዕኦም ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ይህብሉ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ብሩንዲ: ሩዋንዳ: ላይበርያ: ከምኡውን ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ኣብቲ ኣኼባታት ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ስለ ዝመጹ: እቲ ቍጽሮም ክልተ አረ ሰለስተ ዕጸፊ ናይቶም ኣስፋሕቲ ኢዩ ዝበጽሕ። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ የሆዋ ነቶም ኣሕዋት ብሓደ መንፈስ ንኽጸንዑ ይሕግዞም ኣሎ።—ፊል. 1:27፣ እብ. 10:23-25
8 ናይ ጉባኤ ስርዓታዊ ተሳትፎ ሸለል ኢልዎ ዝነበረ ዝዀነ ሰብ: ነዚ ኵነታት እዚ ከዐርዮ ሕጂ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ። (መክ. 4:9-12) ጸኒዕና ጠጠው ምእንቲ ክንብል: ከምቲ ብስርዓታዊ ናይ ኣኼባ ተሳትፎ ዝዳሎ: ምስ ብሱላት ኣሕዋት ሓባራዊ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ክንገብር የድሊ።—ሮሜ 1:11