“ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ዜለዓዕል፡ ዝጸንሐ መጽሔት ወይ ዝዀነ ይኹን ብሮሹር ኣበርክት”
ኣብተን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እነበርክተለንን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር እንጽዕረለንን ወርሓት፡ እቲ ብዓል ቤት ድሮ እታ መጽሓፍ እንተ ኣልያቶ ወይ መጽናዕቲ ኺጅምር እንተ ዘይደልዩ፡ “ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ዜለዓዕል፡ ዝጸንሐ መጽሔት ወይ ዝዀነ ይኹን ብሮሹር ኣበርክት” ዚብል መተባብዒ ይወሃበና እዩ። ስለምንታይ፧
ብሮሹራትን ዝጸንሐ መጽሔታትን እተፈላለየ እዋናዊ ርእሰ ነገራት ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ዚርከብ ሓደ ሓሳብ ንልቢ እቲ ብዓል ቤት ኪትንክፎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳኻ ኸተዳሉ ኸለኻ፡ እተፈላለየ ብሮሹራትን ዝጸንሐ መጽሔታትን ተማላእ። ዝጸንሐ መጽሔታት ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ነቲ መጽሔት ዚዕድል ሓው ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ እቲ ብዓል ቤት ድሮ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እንተ ኣልያቶ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ፍቓደኛ እንተ ዘይኰኑ፡ እተወሰነ መጽሔታት ወይ ብሮሹራት ከተርእዮ፡ ሓርዩ ኺወስድ ከም ዚኽእል ከኣ ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ፡ ተመሊስካ ኼድካ ንተገዳስነቱ ምእንቲ ኽትኵስኵሶ፡ ቈጸራ ግበር። ምናልባት ኣብ መወዳእታኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጅምር ይኸውን።