ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/12 ገጽ 3
  • ሰባት ንኣምላኽ ንኺሰምዕዎ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ንኣምላኽ ንኺሰምዕዎ ሓግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣብ ኣገልግሎትካ እተፈላለየ ብሮሹራት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ብሮሹራት ንኣገልግሎት ጠቐምቲ መሳርሒታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 7/12 ገጽ 3

ሰባት ንኣምላኽ ንኺሰምዕዎ ሓግዞም

1. ኣብቲ “መንግስትኻ ትምጻእ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣየኖት ብሮሹራት ከም ዝወጻ እዩ እተሓበረ፧ እዘን ብሮሹራት እዚኣተን ጠቐምቲ ዝዀናሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

1 ኣብቲ “መንግስትኻ ትምጻእ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ክልተ ሓደስቲ ብሮሹራት ወጺአን ነበራ። እታ ሓንቲ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ እትብል ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ብዝቐለለ መገዲ እተዳለወት ኰይና ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብል እያ። እተን ብሮሹራት ብዙሕ ጽሑፍ ስለ ዘይብለን፡ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ክትርጐማ ይኽእላ እየን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ከም ዝወጸት ኣብ እተነግረትሉ እዋን ብ431 ቋንቋታት ንኽትትርጐም ፍቓድ ተዋሂቡ ነበረ።

2. ካብዘን ብሮሹራት እዚአን መን እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧

2 ካብዘን ብሮሹራት እዚአን ብፍላይ መን እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢ ዓለም ዜጋጥም ኵነታት ንርአ፦

• ሓደ ኣስፋሒ ንፈለማ ግዜ ወይ ኣብ እዋን ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ ሓደ ብዓል ቤት እናተዘራረበ ኸሎ፡ እቲ ብዓል ቤት ኬንብብ ከም ዘይክእል ወይ ንባብ ከም ዜሸግሮ የስተውዕል።

• ሓደ ኣስፋሒ ነቶም መብዛሕትኡ ወይ ዋላ ሓንቲ ኻብ ጽሑፋትና ብቛንቋኦም ዘይተተርጐመሎም ሰባት ይሰብኽ። ወይ ከኣ፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት በቲ ዚመልክዎ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ኬንብቡ ኣይክእሉን።

• ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ክሉ ንዚርከቡ ጽሙማን ንኺሰብከሎም ቋንቋ ምልክት ይጥቀም።

• ሓደ ወላዲ፡ ኬንብብ ንዘይክእል ንእሽቶ ውሉዱ ሓቂ ኺምህሮ ይደሊ።

3. እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ እያ ተዳልያ፧

3 ብኸመይ ከም እተዳለዋ፦ እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣዝዩ ሒደት ጽሑፍ እዩ ዘለዋ። ብሓፈሻ ኣብ ታሕቲ ነፍሲ ወከፍ ገጽ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ዜጕልሕ ሓጺር ምሉእ ሓሳባትን ሓንቲ ጥቕስን ጥራይ እዩ ዚርከብ። ስለምንታይ፧ ሓደ ሰብ ከተንብቦ ብዘይትኽእል ቋንቋ፡ ምናልባት እውን ብዘይትፈልጦ ፊደላት እተጻሕፈት ብሮሹር ከም ዝሃበካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እታ ብሮሹር ውቁብ ስእልታት እውን እንተ ኣለዋ፡ ምማረኸትካዶ፧ ምናልባት ኣይምማረኸትካን። ብተመሳሳሊ፡ ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰባት፡ ጽሑፍ ዘለዎ ብሮሹር ኪርእዩ ኸለዉ ኣይማረኹን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ እታ ብሮሹር፡ ብጥንቃቐ እተዳለወ ስእልታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክትመያይጥ ከለኻ ኻብ ሓደ ስእሊ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ስእሊ ንኽትሳገር ዚሕብረካ ምልክት እውን ከም ዚህሉ እተገብረ።

4. እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ እያ ተዳልያ፧

4 ኣብታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ዘሎ ስእልታት፡ ምስቲ ኣብታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ዘሎ ስእልታት ሕደ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ምስቶም ብእተወሰነ ደረጃ ኼንብቡ ዚኽእሉ ወይ ከኣ ንባብ ዚመሃሩ ዘለዉ ሰባት ንምጽናዕ እያ ተዳልያ። ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ምስ ዜጽንዕ ዘሎ ኽትመያየጥ ከለኻ፡ ንስኻ ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ኣብተን ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ እትጅምረለን ገጻት፡ ኣብ ላዕሊ ብሸነኽ ጸጋም፡ ኣብቲ ገጻት እቲ ዚምለስ ሕቶ ቐሪቡ ኣሎ። ምስቲ ስእልታት ከኣ፡ ሓሳባትን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ታሕተዋይ ኵርናዕ መብዛሕትኡ ገጻት፡ ንኽእለት እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክትመያየጠሉ እትኽእል ተወሳኺ ነጥብታትን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ዝሓዘ ሳጹን ኣሎ።

5. ነዘን ብሮሹራት እዚአን መዓስን ብኸመይን ኢና ኸነበርክተን እንኽእል፧

5 ብኸመይ ከም እትጥቀመለን፦ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዚዕደል ጽሑፍ ካልእ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብተን ብሮሹራት ንሓንቲአን ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ። (“ብኸመይ ከተበርክተን ከም እትኽእል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ከተርእዮ እትደልዮ ነገር ከም ዘሎ ብምሕባር ነታ ብሮሹር ከተበርክተሉ ትኽእል ኢኻ።

6. በተን ክልተ ብሮሹራት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ተጠቒምካ መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቶን መልስን ኢኻ እትመርሕ። በታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ ግና፡ እታ ብሮሹር እተዳለወ ሕቶታት ስለ ዘይብላ፡ እቲ ምይይጥ ብሕቶን መልስን ኣይኰነን ዚቐርብ። ኣብ ኵሉ ባህልታት ዚርከቡ ሰባት፡ ዛንታ ኺሰምዑ ባህ እዩ ዚብሎም። ስለዚ እምበኣር፡ ንሰባት በቲ ስእላዊ መግለጺ ተጠቒምካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ዛንታ ወይ ታሪኽ ንገሮም። ነቲ ስእሊ ግለጸሎም። ውዕዉዕ መንፈስ ይሃሉኻ። ነቲ ተመሃራይ ርእይቶኡ ኺገልጽ ሕተቶ። ነቲ ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ጥቕስታት ኣንብቦ፡ ነቲ ተመሃራይ ከኣ ኣብርሃሉ። ኣብቲ ምይይጥ ምእንቲ ኺሳተፍን ከም እተረድኦ ምእንቲ ኽትፈልጥን ድማ ሕቶታት ሕተቶ። እቲ ተመሃራይ ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ይጥቀም እንተ ኣልዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስእሊ ኸተመያይጦ ኸለኻ፡ ነቲ ኣብ ጐድኑ ዚርከብ ሓሳባትን ጥቕስታትን ምስኡ ዄንካ ኣንብቦ።

7. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃራይና ንኺዓቢ፡ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

7 ነቲ ተመሃራይ ኪዓቢ ሓግዞ፦ እቲ እትገብርዎ ምይይጥ ንተመሃራይካ፡ ብዛዕባ የሆዋ ባዕሉ ምእንቲ ኺፈልጥ ንባብ ንኺምሃር ኪድርኾ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:3፣ ዮሃ. 17:3) ስለዚ፡ በታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ትመያየጡ እንተ ኣሊኹም፡ ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ምናልባት ንባብ ንኽትምህሮ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፣ ድሕሪኡ ናብታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ከተሰጋግሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ተመሃራይ ነዘን ብሮሹራት እዚአን ኣጽኒዑ ምስ ወድአ፡ ንጥምቀት ኪዳሎ ኣይክእልን እዩ። ቀጺልካ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃር እትብሃል መጽሓፍ ወይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ምርዳእ ንኺረክብ ኪሕግዞ ብዚኽእል ካልእ መጽሓፍ ተጠቒምካ ከተጽንዖ ኣሎካ።

8. በዘን ንኣገልግሎት እተዳለዋ ሓደስቲ ብሮሹር ከተመስግን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

8 ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ኪሰምዕዎ ኣለዎም። (ኢሳ. 55:3) የሆዋ “ዅሉ ዓይነት ሰብ፡” እንተላይ እቶም ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰምዕዎ ኺምሃሩ እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞ. 2:3, 4፡ NW) ንሰባት ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሰምዕዎ ምእንቲ ኽንምህሮም፡ እዘን ብሮሹራት እዚኣተን ስለ እተዳለዋልናስ ከነመስግን ኣይግብኣናንዶ፧

ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]

ብኸመይ ከተበርክተን ከም እትኽእል

ነቲ ብዓል ቤት ገጽ 2-3 ኣርእዮ እሞ፡ ከምዚ ዚስዕብ በሎ፦ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለት ዓለም ክትነብር ምደለኻዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዓለም፡ ድኻ ወይ ሕሙም ዚብሃል ዘይብላ ውቅብትን ሰላማዊትን ቦታ ኸም ዚገብራ ይመባጻዕ። ኣብኡ ንኽንነብር እንታይ ኽንገብር ከም ዘሎና እሞ ኣስተብህል። [ነታ ኣብ ገጽ 3፡ ብሸነኽ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ኢሳይያስ 55:3 ኣንብባ።] ኣምላኽ ‘ናባይ ንዑ’ እሞ ‘ስምዑ’ እዩ ዚብለና ዘሎ። ግናኸ፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ኢና ኽንሰምዖ እንኽእል፧” ገጽ 4-5 ገንጽል እሞ፡ መልሱ ተመያየጡሉ። ግዜ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ነታ ብሮሹር ግደፈሉ፡ ተመሊስካ ኽትበጽሖን መልሱ ኸተመያይጦን ድማ መደብ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ