ብሮሹራት ንኣገልግሎት ጠቐምቲ መሳርሒታት
1 ሓደ ክኢላ ብዓል ሞያ ነናቶም ዕዮ ዘለዎም ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ይሕዝ ኢዩ ። ከም ኣወጅቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንመንፈሳዊ ድሌት ናይቶም እንሰብከሎም ሰባት ብኽእለት ምእንቲ ከነማልኣሎም ክሕግዙና ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ብሮሹራት ኣለዉና ። (ምሳ. 22 : 29) ኣብ ሓደ ማዕጾ ሓደ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ከትረክብ ትኽእል ኢኻ ። ኣብ ካልእ ድማ እቲ በዓል ገዛ ቅንዕቲ መንግስቲ ዝጽበ ይኸውን : ሓደ ካልእ ድማ ምንባር ገለ ዕላማ ይህልዎ ዶኾን ኢሉ ዝሓስብ ይኸውን ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምሕጋዝ ብሮሹራትና ብኸመይ ምተጠቐምናሎም ?
2 ነታ “ኣምላኽ ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ ?” እትብል ብሮሹር ከተበርክትዋ ከሎኹም ገለ ነዚ ዝመስል ክትብሉ ትኽእሉ :-
◼ “ገለ ሰባት ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ስቓይን ፍትሒ ምጕዳልን ክዕዘቡ ከለዉ ንኣምላኽ ናብ ምኽሳስ ይኸዱ ። ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝኾነ ብሓቂ ብኣና ዝግደስ ነይሩ እንተ ዝኸውን ንስቓይና ጠጠው መበሎ ነይሩ ኢሎም ምኽንያት የቕርቡ ። ንስኹምከ ከመይ ይስመዓኩም ? [መልሲ ተጸበዩ] መዝሙር 72 : 12 – 14 ኣምላኽ ብሓቂ ብኣና ዝግደስ ምዃኑ የርእየና ። ስቓይን ፍትሒ ምጕዳልን ናቱ ጕድለት ኣይኮኑን ። እቶም ክፉእ ዝገብሩ ቀልጢፎም ክጽረጉ ምዃኖም ተመባጺዑ ኣሎ ። እዛ “ኣምላኽ ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ ?” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር : ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብርን ንሕና ድማ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ተርእየና ።” በቶም ኣብ ገጽ 27 ቍጽሪ 22 ዘለዉ ሓሳባት ጌርኩም ዝርርብኩም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም ።
3 ነታ “ዕላማ ህይወት” እትብል ብሮሹር እንተድኣ ትጥቀሙ ኣሊኹም ከምዚ ኢልኩም ክትጅምሩ ትደልዩ ትኾኑ :-
◼ “ውዒሉ ሓዲሩ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ይሓስብ ኢዩ ። ን70 ወይ 80 ዓመታት ምንባር ድሕሪኡ ድማ ሙማት ጥራሕ ድዩ ወይስ ህይወት ካብዚ ንላዕሊ ትርጕም ኣለዋ ኢዩ ? እንታይ ምበልኩም ? [መልሲ ተጸበዩ] ኣብ መዝሙር 37 : 29 ኣምላኽ ንሰብን ንምድርን ዘለዎ ዘደንቕ ዕላማ ንረክብ ።” ነቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብኩም : ናብቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ተመሊስኩም ኣብ ገነት ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ዝያዳ ሓሳብ ሃብዎ ።
4 ነታ “እንሆ” እትብል ብሮሹር ነቲ ናይ ገበራ ስእሊ ኣርኢና ከምዚ ኢልና ብምሕታት ከነፋልጦም ንኽእል :-
◼ “ምድሪ ልክዕ ከምዚ ክትመስልሲ እንታይ መድለየ ይመስለኩም ? [መልሲ ተጸበዩ] ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ናቱ ቤትን ዘሐጕስ ስራሕን ኣለዎ ። ሰላም ኣሎ : መግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ : ምድሪ ድማ ብኹላ ካብ ዝኾነ ይኹን ናጻ ኢያ ። ምንም እኳ ብዙሕ ጉልበት እንተኣፍሰሱ ሰብኣውያን መንግስታት ከምዚ ዝዓይነታ ዓለም ከምጽኡ ፈጺሞም ኣይከኣሉን ። ይኹን እምበር : ኣምላኽ ‘ንኹሉ ሓድሽ’ ከም ዝገብሮ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና ኢዩ ። [ናብ ገጽ 30 ተመሊስኩም ራእይ 21 : 3, 4 ኣንብቡ] እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብታ ሓዳስ ምድሪ ክትነብሩ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘድልየኩም ክትመሃሩ ክትሕግዘኩም ኢያ ።” እኹል ተገዳስነት እንተድኣ ተራእዩ: ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕ ግለጹሎም ።
5 ነታ “ኣብ ምድሪ ብምንባር” እትብል ብሮሹር ክትጥቀሙ ከለኹም ነዚ ኣቀራርባ እዚ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም :-
◼ “ብዙሓት ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ከሕልፉ ንሰማይ ክኸዱ ከም ዘለዎም ኮይኑ ይስምዖም : ንስኹምከ ? ብዛዕባ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ምንባር እንታይ ኢልኩም ትሓስቡ ? [መልሲ ተጸበዩ] መጽሓፍ ቅዱስ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝከኣል ምዃኑ የረጋግጸልና : ነዚ ድማ ብኸመይ ከም እንረኽቦ ይነግረና ኢዩ ።” ዮሃንስ 17 : 3 ኣንብቡ ። ብድሕሪኡ ነቲ በዓል ገዛ ንስእላዊ መግለጺ 49 ኣርኢኹም ከምዚ ኢልኩም ሕተትዎ : “ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ክትነብሩስ ኣይምደለኹምንዶ ?” ነታ ብሮሹር አበርክትዋ : ተመሊስኩም ክትበጽሕዎ ድማ መደብ ግበሩ ።
6 እተን ብሮሹራት እዋናውያን ዓንቀጻት የውጽኣ : ናይ ሰባት ሕቶታት ይምልሳ : መጸናንዒ ድማ ይህባ ። ነዘን መሳርሒታት ብጥበብ እናተጠቐምና ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ኪመጹ’ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና ። — 1 ጢሞ. 2 : 4