ብሮሹራት ብምጥቃም —ናይ ቃል ኣምላኽ መምህራን ኵኑ
1 ነፍሲ ወከፍ ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ንምምሃር ዝግበር ክሳተፍ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ “ንዅሎም ኣህዛብ እናመሀርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ ዝሃበና ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ዘለዎ ምዃኑ ምስ እነማስወሉ: ክብደት ናይቲ ሓላፍነት ንጹር ይኸውን። (ማቴ. 28:18-20) ስለዚ: ኣብ ስብከት ናይቲ ብስራት ምክፋል መምህራን ክንከውን ይሓተና!—2 ጢሞ. 2:2
2 ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብሮሹራት ከነበርክት ከሎና ነቲ ናይ ኣመሃህራ ክእለትና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ገለ ኣገዳስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ክንመርጽ ንኽእል ኢና ዝርርብ ንምጅማር ዝሕግዝ ቁሩብ ሓሳባት ከኣ ነዳሉ።
3 ነታ “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከተበርክታ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ንብዙሓት ካብ ጐረባብትኹም ከነዘራርብ ጸኒሕና: ብዛዕባ እዚ ቅልጡፍ ምውሳኽ ናይ ገበን: ግብረ ሽበራ: ከምኡውን ዓመጽ ከም ዘተሓሳስቦም ድማ ተገንዚብና። ብናትካ ኣረኣእያ: እዚ ሽግር ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ክኸውን ምዃኑ ኣቐዲሙ ስለ እተዛረበሉስ ንዓና ብፍሉይ የገድሰና ኢዩ። [ን2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ኣንብባ።] እዚ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት’ ክፍጸም ምዃኑ ኣስተብህል። እዚ ሓደ ነገር ናብ መወዳእታኡ ገጹ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ። እዝስ እንታይ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ፧” መልሲ ተጸበ። ኣብ ገጽ 22 ገንጽል: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣመልክተሉ: ከምኡውን ኣብታ ገጽ እቲኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ተመያየጠሎም። እዞም በረኸታት እዚኣቶም ከም ዝቐረቡ ስለምንታይ ከም እንኣምን ንኽትገልጸሎም ክትምለስ ምትዕርራይ ግበር።
4 ነታ “ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይከ ክትረኽቦ ምኸኣልካ፧” እተበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከተበርክታ ከሎኻ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ክትጥቀም ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ናይ ምንባር ሓቀኛ ዕላማ ክደልዩ ክፍትኑ ከለዉ: ጸገም የሕልፉ ኢዮም። ውሑዳት ውሱን ሓጐስ ዘስተማቕሩ እኳ እንተዀኑ: ዝበዝሑ ተስፋ ዘቝርጽን ሰቓይ ዝመልኦን ናብራ ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። እዝስ እቲ ኣምላኽ ክንነብሮ ዝሓለኖ ዓይነት ናብራዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣብ ከምዚኣ ዝዓይነታ ዓለም ክንነብር ኢዩ ዝደልየና።” ነቲ ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣመልክተሉ: ብድሕሪኡ ናብ ገጽ 25ን 26ን ቍጽሪ 4-6 ብምኻድ እንታይ ከም እተመባጽዐ ግለጽ። ምስ ተመለስካ ንመመያየጢ ክትኰነካ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣልዕል:- “ኣምላኽ ንመብጽዓኡ ከም ዝፍጽሞ ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧”
5 ነቲ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ናይቲ ገበር ዘሎ ምሉእ ስእሊ ብምርኣይን ሕቶ ብምሕታትን ነታ “ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ” እትበሃል ብሮሹር ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ብሕጕሳት ሰባት ዝመልአት ዓለም ክትነብር ትደሊዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንሰባት ከም ዘፍቅሮምን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ክነብሩ ከም ዝደልዮምን ይነግረና ኢዩ።” ናብ ቍጽሪ 49 ገንጽል: ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ድማ ንሓደ ኣንብብ። ብድሕሪኡ: ንስእሊ ቍጽሪ 50 ኣመልክት እሞ: ኣብዛ ገነት እዚኣ ክንነብር ንደሊ እንተድኣ ኴንና: እንታይ ክንገብር ከም ዝግብኣና ግለጽ። ተመሊስካ መጺእካ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ምርኣይ ስለምንታይ ኣድላዪ ምዃኑ ከም እትመያየጥ ንገሮም።
6 የሆዋ ናብ ‘ትምህርትና [ብምቕላብ ትሓዓ ] እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና ክግለጽ’ ከሎ ይሕጐስ ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:15, 16) ኣብቲ ነቶም “ሰናይ ዘበስር” ክሰምዑ ዝናፍቑ ሰባት ንምሕጋዝ እንገብሮ ጻዕሪ ብሮሹራትና ናይ ሓቂ ሓገዝትና ክዀና ይኽእላ ኢየን።—ኢሳ. 52:7