ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ነሓሰ 2011 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. ለውሃት ኣምላኽ፡ ‘ካብ ህይወት ዚበልጽ’ ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 63:3) [w01 15/10 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 17]
2. መዝሙር 70 ብዛዕባ ዳዊት እንታይ ትሕብረና፧ [w08 15/9 ገጽ 4 ሕ.ጽ. 4]
3. መዝሙር 75:5 ብዛዕባ እንታይ እያ እተጠንቅቕ፧ [w06 15/7 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 2]
4. የሆዋ ብፍላይ ንጸሎትና ኺሰምዖ ይኽእል እዩ ኢልና ኽንጽበ እንኽእል መዓስ ኢና፧ (መዝ. 79:9) [w06 15/7 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 5]
5. ካብ መዝሙር 90:7, 8 ብዛዕባ “ሕቡእ ሓጢኣት” እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w01 15/11 ገጽ 12-13 ሕ.ጽ. 14-16]
6. ከምቲ ኣብ መዝሙር 92:12-15 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣረጋውያን ኣብ ጉባኤ እንታይ ረዚን ሓላፍነት እዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፧ [w04 15/5 ገጽ 13-14 ሕ.ጽ. 14-18]
7. እቲ ጸሓፊ መዝሙር፡ ነተን ኣብ መዝሙር 102:25-27 ዘለዋ ቓላት ኪምዝግበን ከሎ፡ ምስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ዕላማ ድዩ ዜጋጭዎ ነይሩ፧ (ዘፍ. 1:28) [w08 1/4 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 1]
8. ዘይምስትውዓል ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን፡ ካብ መዝሙር 106:7 እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ [w95 1/9 ገጽ 19 ሕ.ጽ.4–ገጽ 20 ሕ.ጽ. 2]
9. ብመሰረት መዝሙር 110:1, 4፡ የሆዋ ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መሲሕ ዚምልከት እንታይ ማሕላ እዩ ምሒሉ፡ እዚኸ ንዅሎም ደቂ ሰብ በረኸት ዜምጽኣሎም ብኸመይ እዩ፧ [cl ገጽ 194 ሕ.ጽ. 13]
10. ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ምግልጋል ዘለዎ ረብሓ ምስትንታኑ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ (መዝ. 116:12, 14) [w09 15/7 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 4-5]