ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/12 ገጽ 2
  • “ንዅሉ ሰብ” ስበኸሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንዅሉ ሰብ” ስበኸሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሮሹራት ንኣገልግሎት ጠቐምቲ መሳርሒታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • “ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ዜለዓዕል፡ ዝጸንሐ መጽሔት ወይ ዝዀነ ይኹን ብሮሹር ኣበርክት”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ሰባት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ የድልዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሰባት ንኣምላኽ ንኺሰምዕዎ ሓግዞም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 1/12 ገጽ 2

“ንዅሉ ሰብ” ስበኸሉ

1. ንፉዓት ወንጌላውያን ከም ሓደ ኽኢላ ኢደ ጥበብ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

1 ክእለት ኢደ ጥበብ ዘለዎ ሰብ፡ ብዙሕ ናውቲ እዩ ዚጥቀም፣ ንነፍሲ ወከፍ መሳርሒኡ መዓስን ብኸመይን ከም ዚጥቀመሉ ኸኣ ይፈልጥ እዩ። ንዓና እውን ኣብቲ ኸም ወንጌላውያን መጠን እንዓዮ ዕዮ ዚሕግዘና እተፈላለየ ናውቲ ኣሎና። ንኣብነት፡ “ንዅሉ ሰብ” ንኽንሰብከሉ ዚሕግዘና እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ብሮሹራት ተሓቲሙ ኣሎ። (1 ቈረ. 9:22፡ ትርጕም 1990) ኣብ መወሰኽታ እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ገለ ኻብዚ ብሮሹራት እዚ ንመን ከም እተዳለወን ብኸመይ ኪብርከት ከም ዚኽእልን ተገሊጹ ኣሎ።

2. ንብሮሹራት ኣብ ኣገልግሎት መዓስ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

2 ንብሮሹራት መዓስ ከም እትጥቀመሉ፦ ሓደ ኽኢላ ኢደ ጥበብ ንሓደ መሳርሒ ኼድሊ ኸሎ ጥራይ እዩ ዚጥቀመሉ። ብተመሳሳሊ ንሕና እውን፡ ኣብቲ እቲ ብሮሹር ዚዕደለሉ ወርሒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓደ ሰብ ክንጠቕሞ ኢልና እውን ብሮሹር ከነበርክት ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ እትዕደል ጽሕፍቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ እንተ ደኣ ዀይና፡ ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ዚነብሩሉ ኸባቢ ኸኣ ንሰብኽ እንተ ኣሊና፡ ነቲ ሰብ ኪስሕቦ ዚኽእል ብሮሹር እንተ ኣበርከትና ዚሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ተገዳስነት ምስ ኣለዓዓልናሉ ድማ ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ከነላልዮ ንኽእል ኢና።

3. ንናውትና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቶም ኣብ ዕዮኦም ትጕሃት ዝዀኑ ሰባት ይነኣዱ እዮም። (ምሳ. 22:29) ካብቲ ‘ቅዱስ ዝዀነ ዕዮ ወንጌል’ ንላዕሊ፡ ኣገዳስነት ዘለዎ ኻልእ ዕዮ ድማ የለን። (ሮሜ 15:16) ስለዚ፡ ንሕና እውን ከምቲ “ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ምእንቲ ኽንከውን፡ ንናውትና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ኽንጽዕር ኣሎና።—2 ጢሞ. 2:15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ