ሰባት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ የድልዮም
1 ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ . . . እዩ።” (1 ጢሞ. 2:4) “ዅሉ ሰብ” ክበሃል ከሎ ንዅሎም ብጾት ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ ብስራት ሒዝካ ንምብጽሖም ኣብ ኣቀራርባና ተዓጻጸፍቲ ምዃን ከምኡውን ነቲ እንረኽቦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከገድሶ ዝኽእል እንታይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ምግዳስ ዝሓትት ኢዩ። (1 ቈረ. 9:19-23) ማሕበር የሆዋ ንኣልባብ እቶም ‘ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ’ ንምትንካፍ ክሕግዘና ዝኽእል መሳርሒታት ኣዳልያ ኢያ። (ግብ. 13:48) ኣብ ሓምለን ነሓሰን ንመንፈሳዊ ድሌታት ናይ ሰባት ንምምላእ ንነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ካብቲ ዋግኡ ብዝጐደለ ማለት ብሓደ ብር/ናቕፋ ንእተፈላለየ ብሮሹራት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
2 ብሮሹራት ዓድል:- ገለ ብሮሹራት ክትዕድል ከሎኻ ክጠቕመካ ዝኽእል ሓሳባት ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ (1) ምይይጥ ንምጅማር ዝሕግዝ ዘተሓሳስብ ሕቶ (2) ንመዘራረቢ ዝኸውን ነጥብታት ኣበየናይ ቦታ ናይቲ ብሮሹር ክርከብ ከም ዝኽእል ዝሕብር መወከሲታት: ከምኡውን (3) ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ክንበብ ዝከኣል ዝሰማማዕ ጥቕሲ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ናይቲ ሰብ መልሲ ተመርኲስካ ነቲ ዝተረፈ ኣቀራርባ ብናትካ ቓላት ገይርካ ክትቅጽሎ ትኽእል።
ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ !
የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧—ስእልታት 41-2፣ ራእ. 11:15
እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
ዋላ ሓደ ካባና ዘፍቅሮ ሰብ ብሞት ዘይስእነላ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ ኢልካዶ ትሓስብ፧—ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 5፣ 1 ቈረ. 15:21, 22
ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧
ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እንታይነት ምፍላጥ ንመጻኢና ዝጠቅምዶ ኢዩ፧—ገጽ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 3, 7-8፣ ዮሃ. 17:3
3 ብሮሹራት ብምዕዳል ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ ዝሕግዝ ገለ ተወሳኺ ሓሳባት እንሆ:-
◼ “ሓደ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ትንቢት ከነርእየካ ተስፋ ብምግባር ኢና ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ክንመያየጥ መጺእና ዘሎና። እዚ ድማ እቲ ብሃዋርያ ዮሃንስ እተጻሕፈ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ካብ ቍጽሪ 7-12 ዝርከብ ኢዩ። [ኣንብቦ ወይ ድማ እንተወሓደ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ንገሮ።] እዚ ንዓና እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ [ኣዕርፍ።] ብርግጽ: እዚ ውግእ እዚ ኣብ ሰማይ ድሮ ተኻይዱ ኢዩ። እቲ ውጽኢት ዓቢ ቝጥዓ ናይ ሰይጣን ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንርእዮ ኢና። [ገለ ኣብነታት ሃብ። ብተወሳኺ ኣብታ ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ስእልታት ቍጽሪ 22, 23 ክትግንጽል ትኽእል ኢኻ።] ብዛዕባ እዞም ኣብ ህይወትና ዘለዉ ግድላት ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብር ካልእ ግዜ ከርእየካ ደስ ምበለኒ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ነዘን ብኽልተ ብር/ናቕፋ ጥራይ ክገድፈልካ ዝኽእል ክልተ ብሮሹራት ክትርእየን አተባብዓካ።” [ሓንቲ ብሮሹር ጥራይ ንምዕዳል እውን ክትውስን ትኽእል ኢኻ።] ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣቀራርባ ሒደት ምትዕርራይ ብምግባር ነታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ንምዕዳል ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ።
ኣምላኽ ብዛዕባና ይግደስዶ ኢዩ
◼ “ንብዙሓት ካብ ጐረባብትኹም ከነዘራርብ ጸኒሕና: ብዛዕባ እዚ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ገበን: ግብረ ሽበራ: ከምኡውን ዓመጽ ከም ዘተሓሳስቦም ድማ ተገንዚብና። ብናትካ ኣረኣእያ: እዚ ሽግር ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ክኸውን ምዃኑ ኣቐዲሙ ስለ እተዛረበሉ ንዓና ብፍሉይ የገድሰና ኢዩ። [ን2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ኣንብባ።] እዚ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት’ ክፍጸም ምዃኑ ኣስተብህል። እዚ ሓደ ነገር ናብ መወዳእታኡ ገጹ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ። እዝስ እንታይ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ፧” መልሲ ተጸበ። ኣብ ገጽ 22 ገንጽል: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣመልክተሉ: ከምኡውን ኣብታ ገጽ እቲኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ተመያየጠሎም። እዞም በረኸታት እዚኣቶም ከም ዝቐረቡ ስለምንታይ ከም እንኣምን ንኽትገልጸሎም ክትምለስ ምትዕርራይ ግበር።
እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም
“ንሕና መንእሰያትን ዓበይትን ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ነተባባዕ ኢና። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ፈጣሪና ስም ከም ዘለዎ ዘይፈልጡ ኰይኖም ረኺብናዮም። የሱስ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ’ ኢልና ክንጽሊ ክነግረና ኸሎ ብዛዕብኡ ተዛሪቡ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ: ካብዛ ብሮሹር እዚኣ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።” [እንተ ተኻኢሉ ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ “ስም ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ ዝርከብ በረኸታት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብምርኣይ ነታ ስም እትበሃል ብሮሹር ዓድል።]
4 ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ ብሮሹር:- ኣብቲ ቀዳማይ እግርና ይኹን ወይ ኣብቲ እንገብሮ ተኸታታሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ናይ ኣገልግሎት ሸቶና ኵሉ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ክኸውን ኣለዎ። ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ንምምራሕን እትሕግዝ ንኽትጥቀመላ ቀላል ዝዀነት እዛ እትስዕብ ብሮሹር ኣላትና:-
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ሰሙን ሰሙን ን30 ወይ ካብኡ ንታሕቲ ዝዀነ ደቓይቕ ተጠቒምካ ን16 ሰሙናት ብምጽናዕ መሰረታዊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ከም እትኽእል ትፈልጥዶ፧—ትምህርቲ 2 ቍጽሪ 6፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17
5 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳሌ: ናይ ሓቂ ብጻይ ዝበሃል ነቶም እተጨነቑ ኻልኦት ንምሕጋዝ ፍቕርን ሕያውነትን ዘርኢ ምዃኑ ኣነጺርዎ ኢዩ። (ሉቃ. 10:27-37) ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ጭንቀት ኢዮም ዘለዉ። ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ የድልዮም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንዓኣቶም ናይ ምክፋል ሓላፍነትና ብምስካም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀንና ነረጋግጽ።—ማቴ. 24:14፣ ገላ. 5:14