ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/14 ገጽ 3
  • ንዝጸንሐ መጽሔታት ብግቡእ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዝጸንሐ መጽሔታት ብግቡእ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • “ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ዜለዓዕል፡ ዝጸንሐ መጽሔት ወይ ዝዀነ ይኹን ብሮሹር ኣበርክት”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 3/14 ገጽ 3

ንዝጸንሐ መጽሔታት ብግቡእ ተጠቐመሉ

ዝጸንሐ መጽሔታት እንተ ተቐሚጡ ወይ እንተ ተደርብዩ ንማንም ስለ ዘይጠቅም፡ ከነበርክቶ ንጽዓር። ሓንቲ መጽሔት ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓቂ ንዘለዎ ተገዳስነት ከተለዓዕለሉ፡ ስም የሆዋ ንኺጽውዕ ድማ ክትድርኾ ትኽእል እያ። (ሮሜ 10:13, 14) ንዝጸንሐ መጽሔታታት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ዚሕግዝ ርእይቶታት እንሆ፦

  • ኣብቲ ብዙሕ ዘይተዓይየሉ ኽልታት ክትሰብኽ ከለኻ፡ ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ብትሕቲ ማዕጾኦም ሓንቲ መጽሔት ከተስሉኸሎም ትኽእል ትኸውን።

  • መጸበይ ኣውቶቡስ ወይ መደበር ባቡር ኣብ ዝኣመሰለ ሰባት ዚጽበዩሉ ቦታታት ህዝባዊ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ፡ እቶም ሰባት ጽሑፋት ኬንብቡ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ሕተቶም፣ እተፈላለየ ዝጸንሐ ሕታም መጽሔታት ኣርኢኻ ድማ ኣምርጾም።

  • ኣብ ክሊ ጉባኤኻ ኣብ ዚርከብ መእለይ ኣረጋውያን፡ ክሊኒካት፡ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቦታታት ሒደት ዝጸንሐ መጽሔታት ኣቐምጥ። ነዚ ቕድሚ ምግባርካ ግና፡ ካብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ፍቓድ ምሕታት ዝሓሸ እዩ። ኣቐዲሙ እተቐመጠ ብዙሕ መጽሔታት እንተ ኣልዩ፡ ኣይትወስኸሉ።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ክትዳሎ ኸለኻ፡ ነፍሲ ወከፍ እትበጽሖ ሰብ ብዛዕባ ዜገድሶ ነገር ሕሰብ። ስድራ ቤት መስሪቱ ድዩ፧ ጕዕዞ ይፈቱ ድዩ፧ ኣታኽልቲ ይፈቱ ድዩ፧ እተገድሶ ዓንቀጽ ንኽትረክብ ኣብ ዝጸንሐ መጽሔታት ድለ እሞ፡ ክትምለስ ከለኻ ሒዝካሉ ኺድ።

  • ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ፡ ንኽትረኽቦ ደጋጊምካ ድሕሪ ምጽዓርካ ምስ ረኸብካዮ፡ ገለ ኻብቲ ዘይበጽሖ ዝጸንሐ መጽሔታት ኣርእዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ