31 መጋቢት እትጅምር ሰሙን መደብ
31 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 4 ¶15-20 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 2:1-14 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ከየቋረጽካ ምምስካርን የድሊ—td 11ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣቢራም—ነቶም ብኣምላኽ እተሸሙ ምቅዋም፡ ንየሆዋ ኸም ምቅዋም ጌርካ እዩ ዚቝጸር—w12 15/10 ገጽ 13 ¶4-5 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ንዝጸንሐ መጽሔታት ብግቡእ ተጠቐመሉ።” ምይይጥ። ንኣስፋሕቲ፡ ኣብታ ጉባኤ ንኣገልግሎት ዚኸውን ዝጸንሐ መጽሔታት እንተ ኣልዩ ንኺወስዱ ሓብሮም። ዝጸንሐ መጽሔታት ተጠቒሞም ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ድማ ዓድሞም። ቅድሚ ምዝዛምካ፡ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ኣብ ምዕዳል ብዛዕባ እተረኽበ ዕቤት ምእንቲ ኺገልጽ፡ ንሓላው ኣገልግሎት ዓድሞ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ማቴዎስ 28:20፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:17 ይነበባ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
መዝሙር 24ን ጸሎትን