7 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን መደብ
7 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 5 ¶1-6፡ ኣብ ገጽ 55 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 7-10 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 9:20-35 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ካብ ደም ካልኦት ናጻ ንምዃን ክንምስክር ኣሎና—td 11ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣቢሻይ—ንኣሕዋትካ ንምሕጋዝ እሙንን ድሉውን ኩን—w13 15/1 ገጽ 30-31 ¶13-14 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሚያዝያ መጽሔታት ዓድል። ምይይጥ። ነቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተመያየጡላ። ንሰማዕቲ፡ ምስተን መጽሔታት ኣጸቢቖም ንኺላለዩን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኼበርክትወንን ኣሕጽር ኣቢልካ ብምትብባዕ ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። (እብ. 13:1, 2) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንበዓል ዝኽሪ ዚምልከት ኣብ ጉባኤኹም እተገብረ መሰናድዎታት ግለጽ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ፡ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚመጹ በጻሕትን ዘይንጡፋት ኣስፋሕትን ኪቕበልዎም ሓሳብ ኣቕርብ። ክልተ ኽፋል ዘለዎ ሓጺር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ድማ ግበር። ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ መርኣያ፡ እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ኣብ እዋን ወፈራ ወረቐት ዕድመ እተቐበለ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ይቕበሎ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ መርኣያ ድማ፡ እቲ መደብ ምስ ተዛዘመ፡ ተገዳስነት እቲ ሰብ ንምዅስኳስ ምድላዋት ይገብር።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ንኣስፋሕቲ፡ ነቲ ኣብታ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዀለፍቲ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዚርከብ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ንኺገልጹ ዓድሞም። ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ንኼዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
መዝሙር 20ን ጸሎትን