ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ዘሎ፧
ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ክንዕድሎ ዝሓሰብና ጽሑፍ ከምኡ ኢልና ኽንሓትት ግቡእ እዩ። እተዓጻጸፈ፡ ዝሃሰሰ፡ ዝረስሐ፡ ወይ እተቐድደ ዘበለ ጽሑፍ ብዛዕባ ውድብና ሕማቕ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ብዓል ቤት ነቲ ባህ ዜብልን ህይወት ዜድሕንን መልእኽቲ እቲ ጽሑፍ ከም ዘየቕልበሉ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።
ንጽሑፋትና ብጽፈት ክንሕዞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ንኣገልግሎት ዚጥቀሙሉ ቦርሳኦም፡ ሓደ ዓይነት ጽሑፍ ካብቲ ኻልእ ፈልዮም ዜቐምጡሉ ኽፋላት ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንመጻሕፍቲ ንበይኑ፡ ንመጽሔታትን ብሮሹራትን ንበይኑ፡ ንትራክትታት ንበይኑ እናገበሩ ፈላልዮም ዜቐምጡሉ ኽፋላት ኣለዎም። ንመጽሓፍ ቅዱሶምን ንዝዀነ ይኹን ካልእ ጽሑፋቶምን፡ ምእንቲ ኸይበላሾ ተጠንቂቖም ናብ ቦታኡ ይመልስዎ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኸኣ ንጽሑፋቶም ኣብ ፋይል ወይ ብፕላስቲክ ኣብ እተሰርሐ ማሕደር የቐምጥዎ። እቲ እንጥቀመሉ ኣገባብ ብዘየገድስ፡ እተበላሸወ ጽሑፍ ብምዕዳል ንኣገልግሎትና ኸይነጽርፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—2 ቈረ. 6:3።