ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/11 ገጽ 2
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽሑፋትና ብጥበብ ንጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ምብርካት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 12/11 ገጽ 2

ሳጹን ሕቶ

◼ ጽሑፋት ከነበርክት ከለና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ቐዳማይ ረቛሒ፡ እቲ ሰብ ዘለዎ ተገዳስነት እዩ። እቲ ሰብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ክልተ መጽሔታት፡ ሓንቲ ብሮሹር፡ ሓንቲ መጽሓፍ፡ ወይ ካልእ ኣብታ ወርሒ እቲኣ እንዕድሎ ጽሑፋት ከነበርክተሉ ንኽእል ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚኸውን ገንዘብ ኪውፊ ኸም ዘይክእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና እውን ከነበርክተሉ ንኽእል ኢና። (እዮ. 34:19፣ ራእ. 22:17) ብኣንጻሩ ግና፡ ነቲ ኽቡር ጽሑፋትና ነቶም ዘየማስዉ ሰባት ከነበርክተሎም የብልናን።—ማቴ. 7:6።

ሓደ ብዓል ቤት ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ምሳና ኺዘራረብ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዚሕብር ጽቡቕ ምልክት እዩ። ክንዛረብ ከለና ብኣቓልቦ ዚሰምዕ፡ ንዝሓተትናዮ ሕቶታት ዚምልስ፡ ከምኡውን ርእይቶኡ ዚገልጽ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ምይይጥ ይሳተፍ ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ ኸለና ዚከታተል እንተዀይኑ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ እነበርክተሉ ጽሑፍ ዜንብቦ እንተ ዀይኑ፡ ምሕታቱ ሓጋዚ እዩ። ኣስፋሕቲ፡ እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣልይዎ ኣብ ምውሳን፡ ኬመዛዝኑ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ናይ መገዲ ምስክርነት ክንህብ ከለና፡ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ብዘይ ኣፋላላይ፡ መጽሔታት፡ ብሮሹራት፡ ወይ መጽሓፍቲ ኸነበርክተሉ ግቡእ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣልይዎ ኽንውስን እንተ ዘይክኢልና፡ ወረቐት ዕድመ ወይ ትራክት እንተ ሃብናዮ ዝሓሸ እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሓደ ኣስፋሒ ኻብቲ ጽሑፋት ዚቕመጠሉ ኸብሒ፡ ክንደይ ጽሑፋት ኪወስድ ከም ዘለዎ ዚውሰን፡ በቲ ንኣገልግሎቱ ዜድልዮ መጠን ደኣ እምበር፡ በቲ ገንዘብ ንኺውፊ ዘለዎ ዓቕሚ ኣይኰነን። ወፈያታት፡ ዋጋ ጽሑፋት ንምኽፋል ዘይኰነስ፡ ንዅሉ መዳያት ዓለምለኻዊ ንጥፈትና ንምድጋፍ እዩ ዚውዕል። ኵላትና ዓቕምና ብዘየገድስ፡ ነማሱ እንተ ደኣ ዄንና፡ ካብ ተረፍና ዘይኰነስ፡ ካብ ስእነትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ብልግሲ ንኽንህብ ክንድረኽ ኢና። (ማር. 12:41-44፣ 2 ቈረ. 9:7) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት እተወፈየ ገንዘብ ምእንቲ ኸይነባኽኖ፡ ዜድልየና ጽሑፋት ጥራይ ንኽንወስድ ክንድረኽ ኢና።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣስፋሕቲ፡ እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣልይዎ ኣብ ምውሳን፡ ኬመዛዝኑ ኣለዎም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ